ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይህነጽ

መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይህነጽ

ክፍሊ 11

መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይህነጽ

1, 2. ንፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝፍጸም ዘሎ፧

 እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ካልእ ነገር ድማ ኣብዚ ናይ ሰይጣን ኣረጊት ዓለም ትፈራርሰሉ ዘላ ግዜ: መሰረት ናይታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ሕጂ ይስረት ምህላዉ ኢዩ። ኣምላኽ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሰባት እናዋጽአ ነዛ ሕጂ ዘላ እተኸፋፈለት ዓለም ዝትክኡ መሰረት ዝዀኑ ሓድሽ ምድራዊ ማሕበረሰብ ብምህናጽ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና የዳልዎም ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 እዚ ሓድሽ ማሕበረሰብ እዚ “ሓድሽ ምድሪ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።

2 ብተወሳኺ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት [እዚ ሕጂ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ] ኪኸውን እዩ: . . . ብዙሓት ህዝቢ ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር [ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾኡ] . . . ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ኪብሉ እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 2:​2, 3

3. (ሀ) ትንቢት ኢሳይያስ ኣብ መንጐ መን ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧ (ለ) እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ እንታይ ትብል፧

3 እዚ ትንቢት እዚ ሎሚ ኣብቶም ‘ንጐደናታት ናይ ኣምላኽ’ ዝሕልዉን ‘ብመገድታቱ ዝመላለሱን’ ይፍጸም ኣሎ። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም ኣፍቀርቲ ሰላም ዝዀኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ “እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ: ሓደ እኳ ኪቖጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” እናበለት ትዛረበሎም። እዚኣቶም ብሕብረት ንኣምላኽ ዘገልግሉ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘለዎም ኢዮም። ቀጺሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም።” እዚ ማለት ድማ ካብቲ መወዳእታ ናይዛ እክይቲ ዓለም ኪድሕኑ ኢዮም።​—⁠ራእይ 7:​9, 14፣ ማቴዎስ 24:3

ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ሕውነት

4, 5. እዚ ዓለምለኻዊ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝከኣል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕንዕና ምስቲ መምርሒታትን መገድታትን ናይ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክነብሩ ካብ ልቢ ይጽዕሩ ኣለዉ። እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋኦም: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እተሰረተ ኢዩ። ንሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝ ነቲ ዕለታዊ ናብርኦም ዝመርሕዎ ስለ ዝዀኑስ: ሕጂ ይኹን ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም: ንግዝኣት ኣምላኽ ብፍታዎም ዝቕበሉ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ: ዓሌቶምን ሃገሮምን ብዘየገድስ ነቲ ብኣምላኽ ዝወጸ ኣብ ቃሉ ሰፊሩ ዘሎ ሓደ ዓይነት ስርዓት ይሕልዉ። በዚ ኸኣ ኢዮም እቶም ብኣምላኽ እተዳለዉ ማሕበረሰብ ናይታ ሓዳስ ዓለም ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ሕውነት ረኺቦም ዘለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 54:13፣ ማቴዎስ 22:​37, 38፣ ዮሃንስ 15:​9, 14

5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ናይ ዓለምለኸ ኣሕዋት ክዀኑ ምኽኣሎም: እቲ ምስጋና ንዕኦም ኣይወስድዎን ኢዮም። እዚ ፍረ ናይቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ንሕጉ ዝእዘዙ ሰባት ምስ ዓየየ ዘፍረዮ ምዃኑ ኣጸቢቖም ይግንዘቡዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​29, 32፣ ገላትያ 5:​22, 23) እዚ ግብሪ ኣምላኽ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “እቲ ንሰብ ዘይከአሎ: ንኣምላኽ ይከአሎ እዩ።” (ሉቃስ 18:27) እምበኣርከስ እቲ ነዚ ጸኒዑ ዝነብር ዘሎ ኣድማስ ክገብር ዝኸኣለ ኣምላኽ: ንሱ ድማ ኢዩ ነዚ ናይ ሓዳስ ዓለም ማሕበረሰብ ጸኒዑ ከም ዝነብር ክገብሮ ዝኽእል።

6. እቲ ሕውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ተኣምር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ስለዚ እምበኣር: ኣገዛዝኣ ናይ የሆዋ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ከመይ ከም ዝዀነ: ድሮ በቲ ሕጂ ኣብቶም መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ዝዀኑ ሰባት ኣፍርዩዎ ዘሎ ፍረ: ክርአ ይከኣል ኢዩ። እቲ ብመሰኻኽሩ ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ነገር ድማ: ዘመናዊ ተኣምር ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር በቶም ፈላለይቲ ዝዀኑ: ሃገራዊ: ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ: ረብሓታት ክስበር ዘይከኣል ኣብ ሓደ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ሃኒጽዎም ስለ ዘሎ ኢዩ። እዞም መሰኻኽር ሽሕ’ኳ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኰይኖም እንተለዉ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዝነብሩ እንተዀኑ ንሳቶምሲ ክብተኽ ብዘይክእል ማእሰር ሕብረት ብሓደ ተኣሲሮም ኢዮም። እዚ ዓለምለኻዊ ሕውነት እዚ: ኣብ ዛንታ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቂ ዝዀነ: ብሓቂ ኣምላኽ ዝገበሮ ዘመናዊ ተኣምር ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 43:​10, 11, 21፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35፣ ገላትያ 3:28

ንህዝቢ ኣምላኽ ምልላይ

7. የሱስ እቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ ብኸመይ ክልለዩ ምዃኖም ኢዩ እተዛረበ፧

7 እቶም ኣምላኽ ከም መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ዝጥቀመሎም ዘሎ ሰባት መን ምዃኖም ብኸመይ ዝበለ ተወሳኺ ነገር ኢዩ ክፍለጥ ዝከኣል፧ ነቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 13:34, 35 ዝበሎ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መን ኢዮም፧ ንሱ ከምዚ በለ:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዘን ቃላት የሱስ ይኣምንወን: ኣብ ግብሪ እውን የውዕልወን ኢዮም። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝእዝዞ ኣብ ንሓድሕዶም “ሃልሃል እትብል ፍቕሪ” ኣላቶም። (1 ጴጥሮስ 4:8) ንሳቶም “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት” ስለ ዝዀነት ለቢሶማ ኣለዉ። (ቈሎሴ 3:14 ትሓዓ) ስለዚ እምበኣር እዛ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣብ ብዘላ ዓለም ሓደ ገይራቶም ዘላ “መጣበቒት” ኢያ።

8. 1 ዮሃንስ 3:⁠10-12 ተወሳኺ መለለዪ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

8 ብተወሳኺ: ኣብ 1 ዮሃንስ 3:10-12 ከምዚ ይብል:- “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር: እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።” ስለዚ እምበኣር: ህዝቢ ኣምላኽ ሰላማውያን ዓለምለኸ ኣሕዋት ኢዮም።

ካልእ መለለዪ ምልክት

9, 10. (ሀ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ዝበለ ዕዮ ኢዮም ዝልለዩ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ንማቴዎስ 24:14 ዝፍጽምዎ፧

9 ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ከነለልየሉ እንኽእል ካልእ መገዲውን ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክንበ ኸሎ: ነዚ ግዜ’ዚ ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝዀነ ፈልዮም ዘፍልጥዎ ብዙሓት ነገራት ሂቡ ኢዩ። (ክፍሊ 9 ርአ።) ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምልክት ናይ ትንቢቱ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 እተዛረቦ ቃላት ተጠቒሱ ኣሎ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”

10 እዚ ትንቢት እዚ ክፍጸም ከሎ ርኢናዮዶ ኣሎና፧ እወ ርኢናዮ ኢና። ካብቲ ዳሕሮት መዓልትታት ዝጀመራሉ ካብ 1914 ኣትሒዞም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ ኣገባብ ማለት ናብ ኣባይቲ ናይ ሰባት እናኸዱ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብጺሖሞ ኢዮም። (ማቴዎስ 10:​7, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ሚልዮናት መሰኻኽር ኣብ ኵለን ሃገራት ንዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዛ ሓዳስ ዓለም የዘራርብዎም ኣለዉ። ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ብቢልዮናት ዝቝጸር ጽሑፋት ምሕታምን ምዝርጋሕን ዘጠቓለለ ስለ ዝዀነ እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብ ኢድኩም ክትበጽሕ ክኢላ ኣላ። ካልእ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝሰብኩ እትፈልጥዎም ኣለዉዶ፧ ማርቆስ 13:10 እዚ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ቅድሚ መወዳእታ ምምጻኡ “ቅድም” ክግበር ኣለዎ ኢዩ ዝብል።

ነታ ካልኣይቲ ዓባይ ክርክር መልሲ ምሃብ

11. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስርዓት ኣምላኽ ተኣዚዞም ብምምልላሶም እንታይ ካልእ ነገር ፈጺሞም ኣለዉ፧

11 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕግን ስርዓትን ናይ ኣምላኽ ተገዚኦም ብምምልላሶም ዝፈጸምዎ ሓደ ካልእ ነገርውን ኣሎ። ነቲ ሰይጣን: ሰባት ፈተና እንተድኣ በጺሕዎም ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኣይርከቡን ኢዮም ኢሉ ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ ደቂ ሰባት ዘልዓሎ: እቲ ካልኣይ ዓብዪ ክርክር: መልሲ ብምሃብ ሓሳዊ ምዃኑ ኣርእዮም ኢዮም። (እዮብ 2:1-5) እዞም መሰኻኽር ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝሓዘ ማሕበረሰብ: ከም ሓደ ኣካል ኰይኖም ንግዝኣት ኣምላኽ ዝቖሙ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። ፍጽምና ዘይብሎም ሰባት እኳ እንተዀኑ ነቲ ናይ ሰይጣን ጸቕጢ ኣሸኒፎም ነቲ ብዛዕባ ናይ ኣድማሳዊ ሉዓላዊነት ዝምልከት እተላዕለ ክርክር ብወገን ኣምላኽ ኢዮም ደው ዝብሉ።

12. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእምነቶም ንመን ይመስልዎም ኣለዉ፧

12 እዞም ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ተኣማንነቶም ንኣምላኽ ዘርኣዩ ካልኦት መሰኻኽር ዝሓዘ ነዊሕ መስርዕ ተወሲኾም ምስክርነቶም ይህቡ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ከም እኒ ኣቤል: ኖህ: እዮብ: ኣብርሃም: ሳራ: ይስሃቅ: ያእቆብ: ዴቦራ: ሩት: ዳዊት: ዳንኤል ይርከቡዎም። (እብራውያን ምዕራፍ 11) ንሳቶም ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎም ‘ዓቢ ደበና ናይ እሙናት መሰኻኽር’ ኢዮም። (እብራውያን 12:1 ትሓዓ) እዚኣቶምን ካልኦት ደቂ መዛሙርቲ ናይ የሱስ ዝርከቡዎምን ተኣማንነቶም ንኣምላኽ ኣጽኒዖም ኢዮም። የሱስ ንገዛእ ርእሱ ፍጹም ተኣማንነት ስለ ዘርኣየ ዝዓበየ ኣብነት ኰይኑ ኣሎ።

13. ከመይ ዝበለ የሱስ ብዛዕባ ሰይጣን እተዛረቦ ቃላት ኢዩ ሓቂ ምዃኑ እተረጋገጸ፧

13 እዚ እቲ የሱስ ነቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ብዛዕባ ሰይጣን ዝበሎም ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ:- “ሕጂ ግና ንኣይ: ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ: ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም . . . ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዝዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 8:​40, 44

ናትካ ምርጫኸ እንታይ ኢዩ፧

14. ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም እንታይ ይኸውን ኣሎ፧

14 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ: ኣምላኽ ዝሃንጾ ዘሎ መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። በብዓመቱ ብኣማእታት ኣሻሕ ዝቝጸሩ ሰባት ብመሰረት እቲ ዝረኸቡዎ ናይ ሓቂ ፍልጠት: ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ንግዝኣት ኣምላኽ ይቕበልዎ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ኣባላት ማሕበረሰብ ሓዳስ ዓለም ይዀኑ: ኣብቲ ኣድማሳዊ ሉዓላዊነት ተላዒሉ ዘሎ ክርክር ወገኖም ምስ ኣምላኽ ይገብሩ: ንሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ድማ የረጋግጹ ኣለዉ።

15. ኣብዚ ግዜና የሱስ ከመይ ዝበለ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ኢዩ ዘካይድ ዘሎ፧

15 ንግዝኣት ኣምላኽ ብምምራጾም: ክርስቶስ “ነተን ኣባጊዕ” ካብተን “ኣጣል” ክፈልየን ከሎ ኣብ “የማኑ” ደው ከብሎም ብቑዓት ኰይኖም ክርከቡ ኢዮም። ብዛዕባ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክንበ ኸሎ የሱስ ከምዚ በለ:- “ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሕድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ: ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።” እተን ኣባጊዕ ንግዝኣት ኣምላኽ ብምቕባል ንኣሕዋት ክርስቶስ ዝሓብርዎምን ደገፎም ዝህብዎምን ትሑታት ሰባት ኢዮም። እተን ኣጣል ድማ ንኣሕዋት ክርስቶስ ዘይቕበሉን ንግዝኣት ኣምላኽ ንምድጋፍ ምንም ዘይገብሩን ተረርቲ ክሳድ ዝዀኑ ሰባት ኢዮም። ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧ የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚኣቶም [እተን ኣጣል] ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” ትሓዓ] ጻድቃን [እተን ኣባጊዕ] ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”​—⁠ማቴዎስ 25:31-46

16. ኣብታ እትመጽእ ገነት ክትነብር ትደሊ እንተድኣ ኴንካ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧

16 ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስ ኢዩ! ድሕሪ ሓጺር ግዜ ሓንቲ ባህ እተብል ምድራዊት ገነት ኪህበና ኢዩ። ኣብታ ገነት ክትነብር ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ ብዛዕባ የሆዋ ብምምሃርን ነቲ እተማሃርካዮ ብተግባር ብምርኣይን ነቲ የሆዋ ኣዳልይዎ ዘሎ ሽሻይ ሞሳኻ ኣርኢ። “ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ግዜ ድለይዎ: ቀረባ ከሎውን ጸውዕዎ። ረሲእ መገዱ: ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ: ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ: ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ: ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ: ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:​6, 7

17. ንመን ከም እተገልግል ንምውሳን ዝባኽን ግዜ ዘየለ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ዝባኽን ግዜ የለን። መወዳእታ ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ ቀሪቡ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ እናበለ ይምዕድ:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። . . . ዓለም ትሓልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”​—⁠1 ዮሃንስ 2:​15-17

18. ኣብታ ናይ ኣምላኽ ድንቂ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ክትነብር ርግጸኛ ኴንካ ብተስፋ ክትጽበ ዝገብረካ ከመይ ዝበለ ስጉምቲ ምስ እትወስድ ኢዩ፧

18 ህዝቢ ኣምላኽ ሕጂ ነቲ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምልምማድ ይወስዱ ኣለዉ። ገነት ንምልማዕ ዘድሊ መንፈሳውን ካልእ ጥበባትን ይማሃሩ ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ገዛኢ ጌርካ ክትመርጾን ነቲ ሎሚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘካይዶ ዘሎ ዕዮ ናይ ህይወት ኣድሕን ደገፍካ ክትህቦን ነተባብዓካ ኣሎና። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ: ነቲ ብሓቂ ብዛዕባኻ ዝግደስን ንስቓይ ድማ መወዳእታ ዚገብረሉን ኣምላኽ ፍለጦ። ከምዚ ምስ እትገብር ንስኻውን ኣብቲ መሰረት ናይታ ሓዳስ ዓለም ኣባል ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ቀጺልካ ድማ ስምረት ኣምላኽ ረኺብካ ንዘለኣለም ኣብታ ድንቂ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ንምንባር ርግጸኛ ኴንካ ብተስፋ ክትጽበ ትኽእል።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ሕውነት ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

መሰረት ናይታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ይህነጽ ኣሎ