ሳዕቤን ናይ ዕልወት እንታይ ኰነ፧
ክፍሊ 7
ሳዕቤን ናይ ዕልወት እንታይ ኰነ፧
1-3. እቲ ዝሓለፈ ግዜ ብኸመይ ኢዩ የሆዋ ሓቀኛ ምዃኑ ዘመስከረ፧
እቲ ንኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ምግዛእ መሰሉ እተላዕሎ ክርክር: ኣብዚ ኵሉ ዝሓለፈ ዘበናት ሰባት ቃሕ ብዝበሎም መገዲ ካብ ኣምላኽ ናጻ ኰይኖም እተማላለስዎ: ግዝኣት ሰብ እንታይ ኣፍረየ፧ ሰባት ካብ ኣምላኽ ዝሓሹ ገዛእቲ ኰይኖምዶ ተረኺቦም ኢዮም፧ እንተድኣ በቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፈጸሞ ኢሰብኣውነት ክንፈርድ ኴንና ግዝኣት ሰብ ካብ ናይ ኣምላኽ ዝሓሸ ኢዩ ክንብል ፈጺምና ኣይንኽእልን ኢና።
2 እቶም ቀዳሞት ወለድና ግዝኣት ኣምላኽ ምስ ነጸጉ ዕንወት ኢዩ ዝስዓበ። ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብቲ ብእኦም ኣቢሉ ዝመጸ ሰብኣዊ ስድራቤትን እዚ ዘይብሃል ስቓይ ኣምጽኡ። በዚ ኸኣ ካብ ንገዛእ ርእሶም ሓሊፎም ዝወቕስዎ ካልእ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ንሳቶም ተባላሸዉዎ: ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም። ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ እዮም።”—ዘዳግም 32:5
3 ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣምላኽ ዘዳለወሎም እንተድኣ ወጺኦም ኣካሎም እናደኸመ ክኸይድን ኣብ መወዳእታኡ ድማ ክሞቱን ምዃኖም ብኣምላኽ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ሓቂ ምዃኑ ታሪኽ ሕራይ ገይሩ ኢዩ ዘረጋግጾ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:19) ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ስለ ዝወጹ ድማ ቁሩብ ጸኒሖም ተበላሽዮምን ኣሪጎምን ሞቱ።
4. ኵላትና ንሕማምን ሞትን እተቓላዕና ዘይፍጹማት ኴንና እተወለድና ስለምንታይ ኢና፧
4 እቲ ናብ ዘርኦም ዝሰዓበ ነገር ድማ ኣብ ሮሜ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ይርከብ:- “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም ርእሲ ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ።” ስለዚ እቶም ቀዳሞት ወለድና: ካብ ናይ ኣምላኽ ምምሕዳር ምስ ዓለዉ: ጉድለት ዘለዎም ሓጢኣተኛታት ኰኑ። ብመሰረት ናይ ውርሻ ሕጊ ድማ: እቲ ንዘርኦም ዘውረስዎም: ሳዕቤን ናይ መገዶም ዝዀነ ዘይፍጽምና ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢና ኩልና ንሕማምን ሞትን እተቓላዕና ጐደሎታት ኴንና እተወለድና። 5:12
5, 6. ብዛዕባ እቲ ሰብ ሰላምን ብልጽግናን ንምምጻእ ዝገብሮ ጻዕሪ: ዛንታ እንታይ ይሕብር፧
5 ብዙሕ ዘበናት ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ። ብዙሓት ገዛእቲ ኸኣ መጺኦምን ሓሊፎምን። ኵሉ እቲ ኣሎ ዝበሃል ዓይነት ምምሕዳር ተፈቲኑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣዝዩ ኣሰቃቒ ዝዀነ መከራ ብተደጋጋሚ ንሰብኣዊ ስድራቤት ገሪፍዎ ኢዩ። ምናልባት ሓደ ሰብ: ሕጂ ድሕሪ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ኣብ ኵላ ምድሪ ሰባት ሰላምን: ፍትሕን: ብልጽግናን ከምጽኡ ዘኽእሎም ዋጋ ናይ ሕያውነትን ርሕራሔን ምትሕግጋዝን ተማሂሮም ይዀኑ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።
6 እቲ ክውንነት ግን ልክዕ ኣንጻር ናይዚ ነገር’ዚ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ክሳዕ ሕጂ ካብ እተሰርዐ ሰብኣዊ መንግስቲ ንዅሉ ሰብ ናይ ሓቂ ሰላምን ብልጽግናን ከምጽእ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ’ኳ የለን። ኣብዚ መበል 20 ዘበን ጥራይ ኣብ እዋን ሆሎካስት ህልቂት ናይ ሚልዮናትን መቕዘፍቲ ናይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውግኣትን ተመልኪትና ኢና። ኣብዚ ግዜና ብምኽንያት ዘይምጽውዋርን ናይ ፖለቲካ ፍልልያትን ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብዘስካሕክሕ ጭካነ ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን ኢዮም።
ሎሚ ዘሎ ኩነታት
7. እዚ ሎሚ ዝርኤ ዘሎ ኵነታት ወድሰብ ብኸመይ ክግለጽ ምተኻእለ፧
7 ብተወሳኺ: እስከ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሓፈሻዊ ኵነታት ደቅሰብ ሕሰቦ። ገበንን ዓመጻን ካብ ቁጽጽር ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ። እጽዋት ምዝውታርውን ተላጋቢ ሕማም ኰይኑ ኣሎ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትውን እንተዀነ ለበዳ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እቲ ዘፍርህ ሕማም ኤይድስ ንሚልዮናት ሰባት የጥቅዕ ኢዩ ዘሎ። ኣዝዮም ውሑዳት ዘይተኣደነ ሃብቲ ኰሚሮም ክነሶም: ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብጥሜትን ሕማምን ይሞቱ ኣለዉ። ሰባት ንምድሪ ይምርዝዋን የዕንውዋን ኣለዉ። ኣብ ኵሉ ቦታ: ናይ ስድራቤት ናብራን ናይ ስነ-ምግባር ስርዓትን ይፈርሱ ኢዮም ዘለዉ። ብርግጽ እዚ ሎሚ ዘሎ ናብራ: ነቲ ግናይ ግዝኣት ናይዚ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዛ ንሱ ዝጐይትኣ ዓለም: ድንጋጸ ዘይብላ: ጨካን: ብዅሉ ወገና ብልሽውቲ ኢያ።—2 ቈረንቶስ 4:4
8. እዚ ሰብ በጺሕዎ ዘሎ ነገራት ናይ ሓቂ ስልጣኔ ክበሃል ዘይከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ኣምላኽ ንሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ሳይንሳውን ነገራውን ምዕብልና ክበጽሑ ዘኽእሎም ዝኣክል ግዜ ፈቒዱሎም ኢዩ። እንተዀነ ግና ንቐስትን ፍላጻን: ብጠመንጃን ታንክን: ናይ ውግእ ነፈርትን ኑክሌራዊ ተወንጫፍን ምትካኡስ ናይ ሓቂ ስልጣኔዶ ክጽዋዕ ኢዩ፧ ሰባት ኣብ ጠፈር ክጓዓዙ እናኸኣሉ ኣብ ምድሪ ግና ንሓድሕዶም ብሰላም ክነብሩ ዘይምኽኣሎም ብሓቂዶ ስልጣኔ ክበሃል ይከኣል ኢዩ፧ ሰባት ብለይቲ ኣብ ጐደናታት ክዛወሩ አረ ኣብ ገሊኡ ቦታታትሲ ብቐትሪ እውን ዘፍርሆም እንተዀይኑስ እዚ ብሓቂዶ ስልጣኔ ክጽዋዕ ኢዩ፧
ግዜ ዝገለጾ፧
9, 10. (ሀ) እዚ ዝሓለፈ ኣማእታት ዓመታት እንታይ ኢዩ ብግልጺ ዝሕብር፧ (ለ) ኣምላኽ ናጻ ድሌት ዘየሕድገና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እዚ ዝሓለፈ ናይ ኣማእታት ዓመታት ናይ ፈተነ ግዜ ዘብርሆ ነገር እንተለዎ: ሰባት ካብ ምምሕዳር ኣምላኽ ወጺኦም ብዓወት ስጓሜኦም ከቕንዑ ከም ዘይክእሉ ኢዩ። ከምቲ ብዘይ ምብላዕን ምስታይን ምስትንፋስን ክነብሩ ዘይክእሉ: ከምኡ ድማ ካብ ምምሕዳር ኣምላኽ ወጺኦም ክኸዱ ኣይክእሉን ኢዮም። እቲ መርትዖ ኣዝዩ ብሩህ ኢዩ: ከምቲ ንምንባር መግቢ: ማይ: ኣየር ከም ዘድልየና ኴንና እተፈጠርና: ከምኡ ድማ ብመሪሕነት ናይ ፈጣሪ ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ኴንና ኢና ተፈጢርና።
10 ኣምላኽ ንእከይ ክቕጽል ብምፍቃዱ እቲ ብዘይ ግቡእ ዝዝውተር ናጻ ድሌት: ሳዕቤኑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣርእዩ ኢዩ። ናጻ ድሌት ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝዀነስ: ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ንሰባት ዘሕድጎም: ብዘይ ግቡእ እንተድኣ ተጠቒሞምሉ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን ከም ዝርእዩ ገበሮም። ቃል ኣምላኽ ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ከም ዘይኰነ: እቲ ዝመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ክብል ከሎ ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ቀጺሉውን “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣቱ ይገዝእ” ክብል ከሎ ሓቂ ኢዩ።—ኤርምያስ 10:23፣ መክብብ 8:9 ትሓዓ
11. ዝዀነ ዓይነት ናይ ሰብ ግዝኣት ስቓይ ወጊዱዶ፧
11 ኣምላኽ ንግዝኣት ሰብ ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ብምፍቃዱ ወድሰብ ንስቓይ ደው ከብል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ብዘየወላውል መገዲ ተረጋገጸ። ቅድሚ ሕጂውን ወድሰብ ንስቓይ ደው ኣቢልዎ ኣይፈልጥን። ንኣብነት: እቲ ናይ እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን እኳ ምስቲ ዅሉ ጥበቡ: ሃብቱ: ስልጣኑ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ካብ ግዝኣት ሰብ ዝመጸ ሕሰም ከወግዶ ኣይከኣለን። (መክብብ 4:1-3) ብተመሳሳሊ: ሎሚውን እንተዀነ: ናይ ዓለም መራሕቲ ዘመናዊ ዝዀነ ቴክኒካዊ ምዕብልና ሒዞም ክነሶም: ንስቓይ ከወግድዎ ኣይከኣሉን። ዝገደደ ድማ ዛንታ ከም ዝሕብሮ ኣብ ክንዲ ዝውግድዎ እዞም ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ርሒቖም ዘለዉ ሰባት: ንስቓይ መመሊሶም ኢዮም ወሲኾምሉ።
ናይ ኣምላኽ ኣርሒቕካ ምርኣይ
12-14. ኣምላኽ ንስቓይ ብምፍቃዱ ከመይ ዝበለ ነባሪ ጥቕሚ ይርከብ፧
12 ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ብምፍቃዱ ንኣና ዘሰቅቕ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እንተዀነ ግና ኣርሒቑ ብምጥማት: እቲ ዘፍርየልና ነባሪ ጥቕሚ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ ከምኡ ዝገበረ። ኣረኣእያ ኣምላኽ: ንገለ ዓመታት ወይ ንገለ ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ: ንሚልዮናት ዓመታት: አረ ንዘለኣለም ንፍጥረታቱ ዘይውዳእ ጥቕሚ ዘምጽእ ኢዩ።
13 ኣብ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ግዜ: ሓደ ነቲ ናጻ ድሌት ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ንኣገባብ ምምሕዳር ናይ ኣምላኽ ኣብ ክርክር ከእቱ ምስ ዝለዓል: ብኻልእ መገዲ ገይሩ ንኽርክሩ ንኸርኢ እንደገና ግዜ ክወሃቦ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይርከብን ኢዩ። ኣምላኽ ድሮ ንዓመጸኛታት ኣሽሓት ዓመታት ናጻ ክኸዱ ብምፍቃዱ: ኣብ ዝዀነ ቦታ ናይዚ ዅሉ ኣድማስ ንዝልዓል ዝዀነ ይኹን ጉዳይ ንዘለኣለም ክጥቀመሉ ዝኽእል ሓደ ሕጋዊ ቅድመ-ፍጻሜ ኣቚሙ ኣሎ ማለት ኢዩ።
14 የሆዋ ኣብዚ ግዜ’ዚ እከይን ስቓይን ክቕጽል ብምፍቃዱ ሕጂውን እንተዀነ ምስኡ ዘይሰማማዕ ዘበለ ነገር ኵሉ ክብልጽግ ከም ዘይክእል ብዘየወላውል መገዲ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ዝመላለሱ ሰባት ወይ መንፈሳውያን ፍጡራት ዝገብርዎ ውጥን ነባሪ ጥቕሚ ከምጽእ ከም ዘይክእል ብዘየጠራጥር መገዲ ክረጋገጽ ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ: ንመጻኢ ክለዓል ንዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዓለወኛ ብቕጽበት ከጥፍኦ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ‘ንዅሎም ረሲኣን ከጥፍኦም ኢዩ።’—መዝሙር 145:20፣ ሮሜ 3:4
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ቀዳሞት ወለድና ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ወጺኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ክመላለሱ ስለ ዝመረጹ ኣብ መወዳእታ ኣሪጎም ሞቱ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእልታት]
ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ዝግበር ናይ ሰብ ምምሕዳር ኣሰቃቒ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
ናይ ሕ.መ. ሓላው ገማግም ባሕሪ ስእሊ