ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት

ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት

ክፍሊ 6

ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት

1, 2. ብኸመይ ኢዮም እቶም ቀዳሞት ወለድና ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰናይ ኣጀማምራ ዘባላሸውዎ፧

 እንታይ ጉድለት ደኣ ተረኽበ፧ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ ገነት ኤደን ዝሃቦም ጽቡቕ ኣጀማምራ ዘባላሹ እንታይ ተፈጸመ፧ ኣብ ክንዲ ገነታዊ ሰላምን ስምምዕን: እከይን ሰቓይን ንኣሽሓት ዓመታት ሰፊኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 እቲ ምኽንያት: ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ናጻ ድሌቶም ብዘይ ግቡእ ስለ እተጠቕምሉ ኢዩ። ካብ ኣምላኽን ካብ ሕግታቱን ወጺኦም ብልጽግና ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ኰይኖም ከም ዘይተፈጥሩ ከስተውዕሉ ኣይከኣሉን። ንሳቶምሲ ናብራኦም ብዝበለጸ ዘማሓይሸሎም መሲሉዎም ካብ ኣምላኽ ናጻ ክዀኑ መረጹ። በዚ ኸኣ ካብቲ ኣምላኽ ዝሓንጸጾ ደረት ናይ ናጻ ድሌት ሓለፉ።​—⁠ዘፍጥረት ምዕራፍ 3

ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ዝምልከት ክርክር

3-5. ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኣጥፊኡ ካልእ ሓድሽ ዘይጀመረ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ብኡንቡኡ ኣጥፊኡ ካልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ዘይፈጠረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ: እቲ ኣድማሳዊ ሉዓላውነቱ ማለት እቲ ዘይገሃስ ናይ ምግዛእ መሰሉ: ብድሆ ስለ እተላዕሎ ኢዩ።

4 እቲ ሕቶ ኸኣ ከምዚ ዝብል ኢዩ ነይሩ:- መን’ዩ ናይ ምግዛእ መሰል ዘለዎ: እቲ ቅኑዕ ኣገዛዝኣኸ ናይ መን ኢዩ፧ ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእልን ፈጣሪ ናይዚ ዅሉ ፍጥረት ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጠሮ ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ። እቲ ዝለዓለ ጥበበኛ ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ኣገባብ ኣገዛዝኣኡ ንዅሉ ፍጥረት እቲ ዝበለጸ ኢዩ። እንተዀነ ግና ግዝኣት ኣምላኽ ብድሆ ደኣ ተላዕሎ። ብተወሳኺ: እዚ ሰብ ዝበሃል ፍጥረት ገለ ጉድለትዶ ኣብ ኣፈጣጥርኡ ነይርዎ ኢዩ፧ ንተኣማንነት ናይ ሰባት ዝምልከት ሕቶውን ብኸመይ እትው ምዃኑ ኣብቲ ዝስዕብ ክንምርምሮ ኢና።

5 ሰባት ካብ ኣምላኽ ናጻ ኰይኖም ባዕሎም ክመሓደሩ ምምራጾም ሓደ ሕቶ ኣልዒሉ ኢዩ: እዚ ድማ:- ደቅሰብ ብኣምላኽ ብዘይምምሕዳሮምሲ ዝሓይሽ ኵነታት ዶዀን የምጽኣሎም ይኸውን፧ ፈጣሪ ብርግጽ ነቲ መልሲ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግና ሰባት ባዕላቶም መልሱ መታን ክፈልጥዎ ነቲ ዝደልይዎ ምሉእ ናጽነት ፈቐደሎም። በቲ ናጻ ድሌቶም ተጠቒሞም ናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ መረጹ: ኣምላኽ ድማ ኣፍቀደ⁠ሎም።

6, 7. ኣምላኽ: ንሰባት ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ምሉእ ናጽነት ዘፍቀደሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ኣምላኽ ንሰባት እቲ ዝደልይዎ ምሉእ ናጽነት ክጥቀሙሉ ዝኣክል ግዜ ዘፍቀደስ: ንዝመጽእ ግዜ ሰባት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣምላኽዶ ወይስ ንበይኖም: ዝሕሾም እንታይ ከም ዝዀነ ንሓዋሩ ዝኸውን መልሲ ክርከብ ኢሉ ኢዩ። እቲ እተፈቕደ ግዜ ድማ ሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ፖለቲካዊ: ኢንዱስትሪያዊ: ስነ-ፍልጠታዊ: ሕክምናዊ ዓወታት ክበጽሑ ዘኽእሎም ኣዝዩ ነዊሕ ክኸውን ኣለዎ።

7 ስለዚ እምበኣር: ኣምላኽ ነዚ ካብኡ ናጻ ዝዀነ ምምሕዳር ናይ ወድሰብ ክዕወት ዝኽእል እንተዀይኑ ወይስ እንተ ዘይኰይኑ ብዘየወላውል መገዲ ምእንቲ ከርኢ ኢሉ ንሰባት ክሳዕ ግዜና ቃሕ ብዝበሎም መገዲ ክመላለሱ ፈቐደሎም። በዚ ኸኣ ሰባት ካብ መንጎ ሕያውነትን ጭካነን: ፍቕርን ጽልእን: ጽድቅን ሓጢኣትን ዝደለይዎ ክመርጹ ክኢሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ምስቲ ሳዕቤን ናይ ምርጫኦም ክጋጠሙ እውን ነይርዎም ኢዩ: እዚ ድማ ሰናይን ሰላምን ወይ ከኣ እከይን ስቓይን ኢዩ።

ናይ መንፈሳውያን ፍጥረታት ዕልወት

8, 9. (ሀ) ብኸመይ ኢዩ ኣብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ዕልወት ዝጀመረ፧ (ለ) ብዘይካ ንኣዳምን ሄዋንን ሰይጣን ንመን ካልእ ኢዩ ኣብ ክድዓት ዘብጽሖም፧

8 ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ጉዳይ እውን ኣሎ። ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ ዝዓለዉ እቶም ቀዳሞት ወለድና ጥራይ ኣይነበሩን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዘይካኦምዶ ካልእ ዝነብር ነይሩ ኢዩ፧ እወ: መንፈሳውያን ፍጡራት። ኣምላኽ ንሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ልዕል ዝበለ ዓይነት ህይወት ዘለዎም ብዙሓት መላእኽቲ ፈጢሩ ኢዩ። ንሳቶምውን እንተዀኑ ናጻ ድሌት ዘለዎምን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ክነብሩ ከም ዝግብኦምን ኰይኖም ኢዮም ተፈጢሮም።​—⁠እዮብ 38:7፣ መዝሙር 104:4፣ ራእይ 5:11

9 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ዕልወት መጀመርታ ኣብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ኢዩ ጀሚሩ። ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ደረት ዘይብሉ ናጽነት ደለየ። ሕሉፍ ሓሊፉስ ኵሎም ደቅሰብ እውን ንዕኡ ከምልኽዎ ደለየ። (ማቴዎስ 4:8, 9) እዚ ዝዓለወ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ንኣዳምን ሄዋንን: ኣምላኽ ሓደ ሰናይ ነገር ከሊእዎም ከም ዘሎ ብሓሶት ብምኽሳስ ናይ ዕልወት መገዲ ንኽወስዱ ኣለዓዒሉዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:1-5) በዚ ኸኣ ኢዩ ድያብሎስ (መካፍኢ) ከምኡውን ሰይጣን (ተጻራሪ) ተባሂሉ እተጸውዐ። ቀጺሉውን ካልኦት መንፈሳውያን ፍጥረታት ኣብቲ ናይ ዕልወት ተግባራት ከም ዝሓብርዎ ገበረ። ንሳቶም ድማ ኣጋንንቲ ተባህሉ።​—⁠ዘዳግም 32:17፣ ራእይ 12:9፣ 16:14

10. እቲ ናይ ደቅሰብን መንፈሳውያን ፍጥረታትን ዕልወት እንታይ ኣስዓበ፧

10 ሰባት ካብ ኣምላኽ ብምዕላዎም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ወደቑ። በዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ” እናበለ ዝጽውዖ። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ “ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተታሒዛ ኣላ” ይብል። የሱስ ባዕሉ’ኳ: ንሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እናበለ ጸውዖ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19፣ ዮሃንስ 12:31

ክልተ ክርክራት

11. ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ካልእ ዘከራኽር ሕቶ ኢዩ ሰይጣን ንኣምላኽ ብድሆ ዘቕረበሉ፧

11 ሰይጣን ንኣምላኽ ንምብዳህ ካልእ ሕቶውን ኣልዒሉ ኢዩ። ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ኸሎ ሓደ ጌጋ ከም እተፈጸመ ከምኡውን ጸቕጢ እንተድኣ ወሪድዎ ማንም ሰብ ቅኑዕ ዘበለ ነገር ክገብር ኣይደልን ኢዩ ብማለት ንኣምላኽ ክሲ ኣቕረበሉ። ፈተና እንተድኣ በጺሑዎም: ንኣምላኽ ካብ ምርጋም ዓዲ ኣይውዕሉን ኢዮም በለ። (እዮብ 2:1-5) ከምዚ ገይሩ ሰይጣን ንተኣማንነት ናይ ደቅሰብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ።

12-14. ነተን ሰይጣን ዘልዓለን ክልተ ክርክራት ብኸመይ ኢዩ እቲ እተፈቕደ ግዜ ነቲ ሓቂ ዝገልጾ፧

12 ስለዚ: ኣምላኽ እዚ ሕቶ እዝን እቲ ንሉዓላዊነቱ ዝምልከት ዘከራኽር ሕቶን ከመይ ኢሉ ፍታሕ ከም ዝረክብ ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ምእንቲ ክዕዘቡ ዝኣክል ግዜ ኣፍቀደ። (ምስ ዘጸኣት 9:16 ኣነጻጽሮ።) ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ናይ ሰብ ታሪኽ ነዘን ክልተ ክርክራት እዚኣተን ናይ ሓቂ መልሲ ክህበለን ነበሮ።

13 ቅድሚ ዅሉ: እቲ እተፈቕደ ግዜ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ኣድማሳዊ ሉዓላዊነትን ቅንዕና ናይ ኣገዛዝኣን ብዝምልከት እንታይ ይምስክር፧ ካብ ናይ ኣምላኽ ብዝሓይሸ መገዲ ገይሮም ሰባት ክመሓደሩ ክኢሎምዶ፧ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐ እተፈላለየ ዓይነት ኣገባብ ምምሕዳር ናይ ሰብ: ናብ ሓንቲ ካብ ውግእ: ዓመጻ: ምቕናን ፍትሒ ናጻ ዝዀነት ሕጕስቲ ዓለምዶ መሪሕዎም ኢዩ፧ ከምኡውን ንድኽነት ኣጥፊኡ ንዅሉ ሰብ ብልጽግና ዝህብ ስርዓት ኣሎዶ፧ ንሕማም: እርጋን: ሞትውን እንተዀነ ከሸንፍ ዝኽእል ኣሎዶ፧ ግዝኣት ኣምላኽ ግና ነዚ ዅሉ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:​26-31

14 እቲ እተፈቕደ ግዜ: ብዛዕባ እታ ካልኣይቲ ሕቶ ማለት ብቕዓት ናይ ኣፈጣጥራ ሰብ እንታይ ምስክርነት ይህብ፧ ኣብ ኣፈጣጥራ ሰብ ብኣምላኽ እተገብረ ጌጋዶ ነይሩ ኢዩ፧ ኣብ ትሕቲ ፈተና ቅኑዕ ዘበለ ነገር ዝገብር ዶዀን ምተረኽበ፧ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ናጻ ዝዀነ ናይ ሰብ ስርዓት እቲ ናይ ኣምላኽ ግዝኣት ይሕሸና ዝብሉ ሰባት ዶዀን ምተረኽቡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ኣብቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ምዕብልና ክበጽሑ ኣምላኽ ዝኣክል ግዜ ፈቐደሎም

[ምንጪ ስእሊ]

ሻትል:- ኣብ ናይ NASA ስእሊ እተመርኰሰ