ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ከም ዘሎ ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ

ኣምላኽ ከም ዘሎ ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ

ክፍሊ 3

ኣምላኽ ከም ዘሎ ክንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ

1, 2. ህላዌ ኣምላኽ ንምውሳን ክሕግዘና ዝኽእል: ኣየናይ መምርሒ ኢዩ፧

 ሓደ ካብቲ ህላዌ ኣምላኽ ክትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ ነቲ እተሰርሐ ነገር ሰራሒ የድልዮ ኢዩ ዝብል ቅቡል መምርሒ ምስ እትጥቀም ኢዩ። እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ነገር ኣዝዩ እተሓላለኸ ምስ ዝኸውን ብእኡ መጠን ድማ እቲ ሰራሒ ዓቢ ክእለት ከም ዘለዎ ክፍለጥ ይከኣል።

2 ንኣብነት እስከ ናብ ቤትካ’ሞ ተመልከት። ጣዋሉ: መናብር: ሰደቓታት: ዓራውቲ: ድስትታት: ባዴላታት: ሸሓኒታትን ካልእ ናይ መብልዒ ኣቑሑትን ሰራሒ የድልዮም ኢዩ። እቲ መንደቕ: ምድሪ ቤት: ናሕሲ እውን እንተዀነ ሰራሒ የድልዮ ኢዩ። እንተዀነ ግና እዞም ነገራት እዚኣቶም ምስቲ ካልእ ብምውድዳር: ንምስርሖም ቀለልቲ ኢዮም። ቀለልቲ ነገራት ሰራሒ ዘድልዮም እንተድኣ ኰይኑስ: ነቶም ኣዝዮም እተሓላለኹ ነገራት ንምስራሕ: ሓደ ዝለዓለ ናይ ምስትውዓል ክእለት ዘለዎ ሰራሒ ከም ዘድሊ ርዱእዶ ኣይኰነን፧

እዚ ዘደንጹ ኣድማስና

3, 4. ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእንቲ ክንፈልጥ: ብኸመይ ኢዩ እዚ ኣድማስ እዚ ዝሕግዘና፧

3 ሓንቲ ሰዓት ሰራሕ ሰዓት የድልያ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸ ስርዓተ-ጸሓይና: ጸሓይን ኵለን ኣብ ዙርያኣ ዝዞራ ፕላኔታትን ንሓንቲ ካልኢት እኳ ትኹን ከይተጋገያ ንዘበናት ብዘደንቕ ልክዕነት ዑደተን ዝፍጽማ ዘለዋኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዛዕባ እዚ ንሕና እንነብረሉ ዘሎና ልዕሊ 100 ቢልዮን ከዋኽብቲ ዝሓዘ ጸባዊ-መገዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘደንጹ ጋላክሲኸ እንታይ ንበል፧ ገለዶ ብለይቲ ደው ኢልካ ነዚ ጸባዊ-መገዲ ቀው ኢልካ ጠሚትካዮ ትፈልጥ፧ እሞኸ ተመሲጥካዶ፧ እምበኣር እስኪ ነቲ ከምዚ ናትና ጸባዊ-መገዲ ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ ቍጽሪ ናይ ጋላክሲታት ኣብዚ ዘደንቕ ስፍሓት ዘለዎ ኣድማስ ዘሎ እሞ ሕሰበሉ! ብተወሳኺ እዞም ሰማያውያን ኣካላት ካብ ዘበናት ናብ ዘበናት ዑደቶም ብዘተኣማምን ልክዕነት ስለ ዝፍጽሙ ኢዮም ምስተን ንግዜ ብልክዕ ዝቖጽራ መሳርሒታት ዝመሳሰሉ።

4 ሰዓት እዛ ብተዛማዲ ቀላል ዝዀነት እኳ: ህላዌ ናይ ሰራሕ ሰዓት እተረድእ ካብ ኰነት: እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸን ዘደንጹን ኣድማስ እዚ ብርግጽ ናይ ሓደ ንድፊ ዘውጽእን ሰራሕን ህላዌ ዘመልክት ኢዩ። በዚ ኸኣ’ዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ” እናበለ ምስ ዓደመና “ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧” ኢሉ ዝሓትት። መልሱ “እቲ [ኣምላኽ] ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።” (ኢሳይያስ 40:26) ስለዚ እምበኣር: ነዚ ኣድማስ ናብ ህልውና ዘምጽኦን ብዘይርኤ ዝቈጻጸሮን ሓደ መስተውዓሊ ሓይሊ ማለት ኣምላኽ ኢዩ።

ምድሪ ብፍሉይ እተነድፈት ኢያ

5-7. እንታይ ጭብጥታት ኢዮም ምድሪ ሓደ ሰራሒ ከም ዘለዋ ዘረድኡ፧

5 ናይ ሳይንስ ሊቃውንቲ እቲ ብዛዕባ ምድሪ ዝገብሩዎ መጽናዕቲ እናቐጸሉ ብዝኸዱ መጠን ንወዲ ሰብ መንበሪት ክትከውን ተባሂላ ብፍሉይ እተዳለወት ምዃና ከስተውዕሉ ክኢሎም ኣለዉ። እቲ ምድሪ ካብ ጸሓይ ዘለዋ ርሕቀት ግቡእ ብርሃንን ሙቐትን ክትረክብ ዘኽእላ ኢዩ። ኣብ ዓመት ሓንሳብ ኣብ ዙርያ ናይ ጸሓይ ትዘውር ኢያ: ነቲ ዙረት ክትፍጽም ከላ ናብ ሓደ ወገን ቅንን ዝበለት ስለ ዝዀነት ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ምድሪ ክፍላተ-ዓመት ከም ዝህሉ ትገብር። ኣብ 24 ሰዓት ሓንሳብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዘንጊ ስለ እትዘውር ስርዓታዊ ዝዀነ ብርሃንን ጸልማትን ድማ ትህብ። ከነተንፍሰሉ እንኽእልን ካብቶም ጠፈር ሰንጢቖም ዝጓድኡ ጨረር ዝከላኸለልናን ብእተማጣጠነ ናይ ጋዛት ሕውስዋስ ዝቖመ ሃዋህው ኣለዋ። ከምኡውን መግቢ ንምብቋል ዘድሊ ማይን ሓመድን ኣለዋ።

6 እዞም ብሓባር ተወሃሂዶም ዝሰርሑ ነገራትን ካልኦትን እንተዘይህልዉ ህይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘይከኣል ምዀነ ነይሩ። እዚ ዅሉ ግና ብኣጋጣሚ ዝዀነ ድዩ፧ ሳይንስ ኒውስ ከምዚ ይብል:- “ከምዚ ዝበለ ፍሉይን ልክዕ ዝዀነን ነገር ባዕሉ ብኣጋጣሚ መጺኡ ክትብልሲ ዘይመስል ኢዩ።” ፈጺሙ ብኣጋጣሚ ክመጽእ ዘይክእል ኢዩ። እዚኣቶም ብሓደ ድንቂ ዝዀነ ነዳፊ ኰነ ኢልካ ንሓደ ዕላማ እተሰርሑ ኢዮም።

7 ናብ ሓደ ምልኩዕ ቤት እንተ ትኣቱ እሞ ኣብኡ ድማ ኣኽል-ታርፍ መግቢ ተኸዚኑ: ምሹእ ሙቐት ዝህብን ኣየር ዘመሻሽእን መሳርያ ዘለዎ: ከምኡውን እኹል ማይ ክህብ ዝኽእል ሻምብቆ ናይ ማይ እተዘርግሖ እንተ ዘጋጥመካ: እንታይ ኢልካ ምደምደምካ፧ እዚ ዅሉ ባዕሉ ዝመጸ ኢዩ ምበልካዶ፧ ኣይፋልን: ሓደ መስተውዓሊ ሰብ ብዓቢ ጥንቃቐን ውሕልነትን ገይርዎ ኢልካ ደኣ ብርግጽ ምደምደምካ። ምድሪ እውን እንተዀነ ነቶም ነባሮኣ ዘድልዮም ምእንቲ ክትቅርበሎም ብዓቢ ውሕልነትን ጥንቃቐን ካብ ሓንቲ ቤት ክትሕዞ እትኽእል ንላዕሊ ብኣዝዩ እተሓላለኸን ኵሉ ዘድሊ ቀረብ ዘለዋ ኰይና ኢያ ተሰሪሓ።

8. ኣብ ኣሰራርሓ ምድሪ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርኢ እንታይ ካልእ ነገር ኢዩ ዘሎ፧

8 ብተወሳኺ እስከ ብዛዕባ እቶም ንህይወት እተሐጕስ ከም እትኸውን ዝገብርዋ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገራት ሕሰብ። ነቶም በቲ ዝማርኽ ሕብሮምን: በቲ ጥዑም ሽታኦምን ገይሮም ንሰብ ከሐጕሱ ዝኽእሉ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነት ዘለዎም ዕምባባታትውን እስከ ርኣዮም። ከምኡውን ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥዑም መግብታት ኣሎ። ክትርእዮም ባህ ዘብሉ ጫካታት: ኣኽራናት: ቀላያት ካልኦት ፍጥረታትውን ኣለዉ። እቲ ንተድላ ናይ ህይወት ዘመቅር ውቁብ ጸሓይ ዕራርቦኸ፧ ኣብ ናይ እንስሳታት ዓለምውን: ጸወታኦምን ባህ ዘብል መልክዕ ናይ በዓል ኩርኩር: ዒዋል ናይ ካልኦት እንስሳታት ውላድን ኣየሐጕሰካንዶ፧ ስለዚ: ምድሪ በቶም ንህይወት ግድን ኣድለይቲ ዘይኰኑ: እንተዀነ ግና ኣዝዮም ባህ ዘብሉን ዘደንቑን ነገራት መሊኣ ኢያ። እዞም ነገራት እዚኣቶም: ምድሪ ንሰብ ብህይወት ምእንቲ ክቕጽል ጥራይ ዘይኰነስ ብምንባር ዝለዓለ ሓጐስ ክረክብ ብማለት ብፍቕራዊ ሓልዮት እተሰርሐት ምዃና: ዘረድኡ ኢዮም።

9. ንምድሪ ዝሰርሓ መን’ዩ: ስለምንታይከ ኢዩ ዝሰርሓ፧

9 ስለዚ እምበኣር: እቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ መደምደምታ ልክዕ ከምቲ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ “ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ” ዝበሎ: ነዚ ዅሉ ነገር ወሃቢ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ። ነዚ ዅሉ ዝፈጠሮኸ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧ መልሲ ክህብ ከሎ: ንኣምላኽ “ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ኢሉ ይገልጾ።​—⁠ኢሳይያስ 37:16፣ 45:18

እቲ መስተንክር ህያው ዋህዮ

10, 11. ሓደ ህያው ዋህዮ ኣዝዩ ኣደናቒ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ነገራትከ፧ ንሳቶምከ ሰራሒ ኣየድልዮምንዶ፧ ንኣብነት እስከ ገለ ካብቲ መስተንክር ዝዀነ ባህርያት ናይቲ ህያው ዋህዮ ንርአ። ሞለኵላር ባዮሎጂስት ሚካኤል ደንተን እተባህለ ኣብታ ኢቮሉሽን​—⁠ኤ ቲዮሪ ኢን ክራይሲስ (ፍልቀት​—⁠ኣብ ቅልውላው ዘሎ ክልሰ-ሓሳብ) ዘርእስታ መጽሓፉ ከምዚ ይብል:- “ካብቶም ሎሚ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም ነገራት እቶም ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘይብሎም ዝበሃሉ ባክተርያዊ ዋህዮታት ንባዕሎም እኳ ብዘይመጠን እተሓላለኹ ኢዮም። እቶም ኣዝዮም ደቀቕቲ ዝዀኑ ባክተርያዊ ዋህዮታት ንምእማኑ ብዘጸግም ኣዝዮም ንኣሽቱ እኳ እንተዀኑ . . . ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ብውሕልነት እተሰርሐ እተሓላለኸ ሞለኵዩላዊ ማሽን ዝሓዘ ኣዝዩ ንእሽቶ ፋብሪካ ኢዩ። . . . እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ማሽን ኣዝዩ እተሓላለኸን ካብቶም ህይወት ዘይብሎም ነገራት ፈጺሙ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦን ኢዩ።”

11 ብዛዕባቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ዝርከብ ናይ ውርሻ ሕጊ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዲ ኤን ኤ ሓበሬታ ናይ ምዕቋር ክእለቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ክሳዕ ሕጂ እተፈልጠ ምህዞ ኣዝዩ ዝበለጸ ኢዩ: በዚ ነገር እዚ: ዝኣክል ክእለት ስለ ዘለዎ እኳ ንሓደ ከም ሰብ ዝበለ መስተንክር ፍጡር ፈልዩ ንምውሳን ዘድሊ ሓበሬታ ብምሉኡ እንተ ዝምዘን ካብ ሚልዮን ምቃላት ናይ ሓንቲ ግራም ሒደት ኣሽሓት ጥራይ ምዀነ። . . . ኣብዚ ሞለኩዩላዊ ናይ ህይወት ፋብሪካ ዝርአ ዘሎ ዝለዓለ ደረጃ ውሕልነትን ሕልኽላኻትን: ምስቶም ብምዕቡል ጥበብ ዝሰራሕናዮም [ፍርያት] ክወዳደር ከሎ እቲ ናትና ዘይሰልጠነ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። በዚ ድማ ርእስና ትሕት ከነብል ተገዲድና።”

12. ሓደ ናይ ሳይንስ ሊቅ ብዛዕባ መበቈል ናይ ዋህዮ እንታይ በለ፧

12 ደንተን ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ብዙሕ ሕልኽላኻት ከም ዘይብሎም ጌርካ ዝውሰዱ ፍሉጣት ዋህዮታት እኳ እንተርኤና: ኣዝዩ እተሓላለኸ ስለ ዝዀነስ ከምዚ ዝበለ ነገር ብኣጋጣሚ ንሓድሕዱ ባዕሉ እተጋጣጠመ ኢዩ ክትብል ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ።” ሓደ ነዳፍን ሰራሕን ክህልዎ ኣለዎ።

እቲ ዘደንጹ ሓንጎልና

13, 14. ሓንጎል ካብ ሓንቲ ህያው ዋህዮ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘደንቕ ዝዀነስ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 እዚ ናይ ሳይንስ ሊቅ እዚ: ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ዋህዮ ዘለዎ ሕልኽላኻት: ምስቲ ናይ መጥበውቲ ናይ ሓንጎል መስርሕ ክነጻጸር ከሎ: ምንም ዘይብሉ ኰይኑ ይርከብ። ናይ ሰብ ሓንጎል ዓሰርተ ሽሕ ሚልዮን ዝኣኽሉ ናይ መትኒ ዋህዮታት ሒዙ ይርከብ። ነፍሲ ወከፍ ናይ መትኒ ዋህዮ ምስቶም ኣብ ሓንጎል ዘለዉ ናይ መትኒ ዋህዮታት ርክብ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ክሳዕ ሚእቲ ሽሕ ዝኣክል መራኸቢ ገመድ ዝመስል ነገር ኢዩ ዝጥቀም። ኣብ ናይ ሰብ ሓንጎል ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ እተዘርግሑ መራኸቢ መስመራት ቝጽሮም . . . ሽሕ ሚልዮን ግዜ ሚልዮን ይበጽሕ።”

14 ደንተን ቀጺሉ: “ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ዘለዉ መራኸቢታት ሓደ ሚእታዊ ጥራይ እኳ ወሲድና ብሓደ ዓይነት መገዲ እንተ ንዝርግሖም: ነዞም ኣብ ብዘላ ምድሪ ተዘርጊሖም ዘለዉ ኵሎም ናይ መራኸቢ መስመራት ብኣዝዩ እተዓጻጸፈ ቍጽሪ ዝበልጽዎም መራኸቢታት ምዀኑ ነይሮም” በለ። ካብኡ ቐጺሉ ከምዚ እናበለ ይሓትት:- “ዝዀነ ይኹን ፈጺሙ ሃውሪ ዝዀነ ዓይነት መስርሕ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ክጥርንፍ ይኽእልዶ ይኸውን፧” ብርግጽ እቲ መልሲ ኣይኰነን ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ንሓንጎል ሓደ ሓላዪ ዝዀነ ቀራጽን ሰራሕን ክህልዎ ኣለዎ።

15. ካልኦት ብዛዕባ ሓንጎል እንታይ ኢሎም ሓሳባቶም ሂቦም ኣለዉ፧

15 ናይ ሰብ ሓንጎል ምስተን ኣዝየን ምዕቡላት ዝበሃላ ኮምፒዩተር እንተ ዝወዳደርስ: እዘን ኮምፒዩተር ተራን ዘይሰልጠናን ኰይነን ምተረኽባ። እቲ ናይ ሳይንስ ጸሓፊ ሞርተን ሃንት ከምዚ ይብል:- “እቲ ንጡፍ ናይ ምዝካር ዓቕምና ካብቲ ሓንቲ ዓባይ ዘመናዊት ናይ ምርምር ኮምፒዩተር ክትሕዞ እትኽእል ሓበሬታ ብብዙሕ ቢልዮን ግዜ ዝዛይድ ሓበሬታ ክሕዝ ይኽእል።” ከምኡ ስለ ዝዀነ ኢዩ እቲ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ሓኪም ዶክተር ሮበርት ጀይ. ዋይት ከምዚ ኢሉ ዝደምደመ:- “እዚ ንምርድኡ ካብ ዓቕሚ ሰብ ንላዕሊ ዝዀነ​— ዘደንጹ ዝምድና ሓንጎልን ናይ ምሕሳብ ክእለትን ኣቀራርጻኡን ኣሰራርሓኡን ሓላፊኡ ዝዀነ ሓደ ዝለዓለ ምስትውዓል ዘለዎ ከም ዘሎ ካብ ምእማን ሓሊፈ ካልእ ምርጫ የብለይን። . . . እዚ ኵሉ ብሓደ መስተውዓሊ ኣካል ዝጀመረ ምዃኑን: ሰራሒ ዘለዎ ነገራት ከም ዝዀነን: ክኣምን ይግብኣኒ ኢዩ።” ንሱ ድማ ዝግደስ ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ፍሉይ ስርዓተ-ደም

16-18. (ሀ) ብኸመይ ዝበሉ መገድታት ኢዩ ስርዓተ-ደም ፍሉይ ዝዀነ፧ (ለ) ኣብ ከመይ ዝበለ መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ ዘሎና፧

16 ብተወሳኺ እቲ መግብን ኦክሲጅንን ዘበጻጽሕ: ካብ ዝዀነ ዓይነት ረኽሲ ዝከላኸል ፍሉይ ዝዀነ ስርዓተ-ደም እስከ ሕሰበሉ። ብዛዕባ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይዚ ስርዓት እዚ ዝዀኑ ቀያሕቲ ናይ ደም ዋህዮታት ክዛረብ ከሎ እቲ ኤይ ቢ ሲ ኦቭ ዘ ህዩማን ባዲ ዘርእስቱ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ሓንቲ ነጥቢ ደም ልዕሊ 250 ሚልዮን ዝኣኽሉ ንጽል ናይ ደም ዋህዮታት ትሕዝ . . . ኣብ ምሉእ ኣካል ዳርጋ 25 ትሪልዮን ዝኣኽሉ ኣለዉ: እዚኣቶም እንተ ዝዝርግሑ ንኣርባዕተ ናይ ተኒስ ሜዳ ምሸፈኑ ነይሮም። . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሰለስተ ሚልዮን ሓደስቲ ዋህዮታት እናተፈጥሩ ነቶም ዝሞቱ ይትክእዎም።”

17 እዚ መጽሓፍ እዚ ቀጺሉ ብዛዕባ እቶም ካልእ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ፍሉይ ስርዓተ-ደም ዝዀኑ ጸዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ከምዚ ይብል:- “ቀያሕቲ ናይ ደም ዋህዮታት ሓደ ዓይነት ጥራይ ክዀኑ ከለዉ እዞም ጸዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ዝበሃሉ ግና: ኣካላትና ምስ በበይኑ ዓይነት ሕማም ኣብ ዝቃለሰሉ ግዜ ብእተፈላለየ መገዲ ክቃለሱ ዝኽእሉ እተፈላለዩ ዓይነት ዋህዮታት ኢዮም። ንኣብነት: ገሊኦም ዓይነት ንዝሞቱ ዋህዮታት ዘጥፍኡ ኢዮም። ገሊኦም ድማ ንቫይረስ ዝከላኸሉ ጸረ-ኣካል ዘፍርዩ: ክፍሊ ናይቲ ኣካል ዘይኰነ መርዚ ዘወግዱ: ወይ ድማ ቃል ብቓሉ ንባክቲርያ በሊዖም ዘሕቅቕዎም ኢዮም።”

18 ከመይ ዝበለ ዘገርምን ኣዝዩ ልዑል ምምሕዳር ዘለዎ ስርዓት ኰን ኢዩ! ብርግጽ ከምዚ ዝበለ ብልዑል ውሕልነት እተጠርነፈን ሓያል ናይ ምክልኻል ክእለት ዘለዎን ነገር: ኣዝዩ መስተውዓልን ብሰብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎን ኣማሓዳሪ ክህልዎ ኣለዎ: ንሱ ድማ ኣምላኽ ኢዩ።

ካልእ ድንቅታት

19. ዓይኒ ምስቲ ሰብ ዝሰርሖ መሳርያ እትነጻጸር ብኸመይ ኢያ፧

19 ኣብ ናይ ሰብ ኣካል ብዙሕ ካልእ ድንቅታት ኣለዉ። ሓንቲ ካብዚኣቶም ዓይኒ ኢያ: ብመስተንክር ዝዀነ መገዲ ስለ እተሰርሐት: ዝዀነ ዓይነት ካሜራ ክመሳሰላ ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ስነ-ኮኾብ ሊቅ ሮበረት ጀስትሮው ከምዚ ይብል:- “ዓይኒ እተነድፈት ምዃና ኢያ እትሕብር: ዝዀነ ይኹን ናይ ቴለስኮፕ ቀራጺ ካብኣ ትበልጽ ክሰርሕ ፈጺሙ ኣይምኸኣለን ነይሩ።” እታ ፖፒዩላር ፎቶግራፊ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ከምዚ ትብል:- “ናይ ሰብ ዓይኒ ካብ ፊልም ንላዕሊ ብእተዓጻጸፈ ስፍሓት ክትርኢ ትኽእል። ኣዒንቲ ብሰለስተ ኣዝዩ ሰፊሕ ኵርናዓት ብዘይ ገለ ምምዝባል ኣብ ዘየቋርጽ ምንቅስቓስ ይርእያ . . . ካሜራን ናይ ሰብ ዓይንን ምውድዳር ፈጺሙ ዘይግባእ ኢዩ። ናይ ሰብ ዓይኒ ምስ ሓንቲ ካብዘን ዘለዋ ኮምፒዩተር ወይ ካሜራ እተፈልየት: ስራሕ ሰብ ዝዀነ ምስትውዓል: ሓበሬታ ናይ ምድላው ክእለት: ቅልጣፈ ከምኡውን ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘለዋ ኣዝያ ዝለዓለት ኮምፒዩተር ኢያ እትመሳሰል።”

20. ኣብ ናይ ሰብ ኣካል ከመይ ዝበሉ ካልኦት ድንቂ ዝዀኑ ነገራት ኢዮም ዘለዉ፧

20 ብተወሳኺ ብዛዕባቶም እተራቐቑን እተሓላለኹን እተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላት ንዓና ከይተፈለጠና ከመይ ገይሮም ተሰማሚዖም ከም ዝዓዩ እሞ ሕሰብ። ንኣብነት ብዙሕ ዓይነት መግብን መስተን ናብ ከስዐና ነእቱ: ይኹን እምበር: ኣካላትና ባዕሉ ንዅሉ ኣብ በቦትኡ ኣትሒዙ ሓይሊ ከም እንረክብ ይገብር። ከምዚ ዝበሉ ብዙሕ ዝዓይነቶም ነገራት ኣብቲ ናይ መኪና ናይ ነዳዲ መዕቆሪ እንተዝኣቱስ ካብኡ እታ መኪና ክሳዕ ክንደይ ክትጓዓዝ ከም እትኽእል እሞ ተመልከት! እቲ ኣብ ትሽዓተ ወርሒ​—⁠ምስሊ ናይ ወለዱ ሒዙ​—⁠ዝውለድ ኣዝዩ ተፈታዊ ህጻን ዝመጸሉ ናይ ምውላድ ተኣምርከ። እቲ ቈልዓ ቁሩብ ዓመታት ምስ ገበረ በቲ ብኣዝዩ እተሓላለኸ ቋንቋ ንኽዛረብ ክማሃር ዘለዎ ክእለት ንባዕሉ ተኣምርዶ ኣይኰነን፧

21. መስተውዓልቲ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣብ ኣካላት ሰብ ዘሎ ዘደንቕ ነገራት ምስ ተዓዘቡ እንታይ ይብሉ፧

21 እወ: ኣብ ናይ ሰብ ኣካል ዝርከቡ ኣዝዮም ዘደንቑን እተሓላለኹን ፍጥረታት ንልብና ብምግራም ኢዮም ዝመልእዎ። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ከም ዘለውዎ ክቐድሖም ዝኽእል መሃንድስ የለን። እሞኸ ደኣ እዞም ነገራት እዚኣቶምሲ ብዕድል ዝመጹዶ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፧ ክዀኑ ከም ዘይክእሉ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ መስተውዓልቲ ዝዀኑ ሰባት እዚ ዘደንቕ ኣካላት ናይ ሰብ ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ርእይ ምስ ኣበሉዎ ከምቲ ዘማሪ ዝበሎ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ:” ኢዮም ዝብሉ።​—⁠መዝሙር 139:14

እቲ ዝለዓለ ሃናጺ

22, 23. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ህላዌ ናይ ፈጣሪ ኣፍልጦ ክንህበሉ ዘሎና፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ገይሩ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝብል፧

22 መጽሓፍ ቅዱስ “ቤት ዘበለትሲ ሃናጺኣ ኣለዋ: እቲ ንዅሉ ዝሃነጸ ግና ኣምላኽ ኢዩ” እናበለ ይዛረብ። (እብራውያን 3:4 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ኣሰራርሓ ይሃልዎ ብዘየገድስ ዝዀነ ዓይነት ቤት ሰራሒ ካብ ኣድለዮ: እዚ ኣዝዩ እተሓላለኸ ኣድማስ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ህይወት ግድን ሰራሒ ክህልዎ ኣለዎ። ከም ነፋሪት: ቴለቪዥን: ኮምፒዩተር ዝኣመሰሉ ነገራት እገሌ ሰሪሕዎም እናበልና ኣፍልጦ ካብ እንህበሎም: ነቲ ሰባት ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንኽሰርሑ ዘኽእሎም ሓንጎል ዝሃቦም ከም ዘሎኸ ኣፍልጦ ክንህብዶ ኣይግብኣናን፧

23 መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮን ዝገተሮን: ንምድርን ንሳ እተብቍሎን ዝዘርግሔ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሃበ: ነቶም ኣብኣ ዝመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ይገልጸልና። (ኢሳይያስ 42:5) መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ከምዚ እናበለ ይዛረብ:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11

24. ኣምላኽ ከም ዘሎ ከመይ ጌርና ክንፈልጥ ንኽእል፧

24 እወ: ኣምላኽ ምህላዉ በቶም ዝሰርሖም ነገራት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።”​—⁠ሮሜ 1:20

25, 26. ሓደ ነገር ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ስለ ዝወዓለስ ሰራሒ የብሉን ዝብል ክርክር ክለዓል ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

25 ሓደ እተሰርሐ ነገር ብዘይግቡእ ስለ እተጠቕምሉ እቲ ነገር ሰራሒ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ሓንቲ ነፋሪት ንሰላማዊ ዕላማ ማለት ንመገዲ ኣየር ከተገልግል ትኽእል ኢያ። ይኹን እምበር: ንጥፍኣት ቦምብ ንምድርባይ እውን ክትውዕል ትኽእል ኢያ። ንናይ ቅትለት ዕላማ ስለ ዝወዓለት ሰራሒ ኣይነበራን ማለት ኣይኰ⁠ነን።

26 ብተመሳሳሊ: ሰባትውን መብዛሕትኡ ግዜ ክፉኣት ኰይኖም ብምርካቦም ሰራሒ የብሎምን ወይ ኣምላኽ የለን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣየ ኣቱም ቄናናት: ስሩሕ ንሰራሒኡ: ንስኻ ኣይሰራሕካንን: ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ: ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ፧” እናበለ ልክዕ ዝዀነ ዘረባ ዝዛረብ።​—⁠ኢሳይያስ 29:16

27. ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ስቓይ ዝለዓል ሕቶታትና መልሲ ከም ዝህበና ክንጽበ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

27 ፈጣሪ በቶም ሰሪሕዎም ዘሎ ዘደንቑ ሕልኽላኻት ኣቢሉ ጥበቡ ኣርእዩ ኢዩ። ምድሪ: ንምንባር ከም እትምሽእ ገይሩ ብምድላዉን ንኣካላትናን ንኣእምሮናን ብኣዝዩ ድንቂ ዝዀነ ኣሰራርሓ ብምስርሑን ክንሕጐሰሎም እንኽእል ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ብምቕራቡን: ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ዝግደስ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ኣምላኽ ንስቓይ ክቕጽል ስለምንታይ ኣፍቀደ፧ ስቓይ ደው ንምባል እንታይ ክገብር ኢዩ፧ ንዝብሉ ሕቶታት መልሶም ከም እንፈልጦም ብምግባርውን: ብተመሳሳሊ ጥበቡን ተገዳስነቱን ከም ዝገልጸልና እተረጋገጸ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ምድሪ: ካብ ዝጓድኡ ዝከላኸል ናይ ከባቢ ኣየር ዘለዋ ዀይና: ብሓደ ሓላዪ ኣምላኽ ንዓና እተሰርሐት ፍልይቲ ቤት ኢያ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምድሪ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ክንሕጐሰላ ምእንቲ ኽንክእል ተባሂላ ብፍቕራዊ ሓልዮት እተዳለወት ኢያ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

‘ሓደ ሓንጎል ካብ ኩሎም ኣብ ምድሪ ተዘርጊሖም ዘለዉ ናይ መራኸቢ መስመራት ዝበዝሕ መራኸቢታት ይሕዝ’​—⁠ሞለኵላር ባዮሎጂስት

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

“ዓይኒ ብሓደ ነዳፊ እተሰርሐት ምዃና ኢያ እትሕብር: ዝዀነ ይኹን ናይ ቴለስኮፕ ቀራጺ ካብኣ ትበልጽ ክሰርሕ ፈጺሙ ኣይምኸኣለን ነይሩ።”​—⁠ናይ ስነ-ኮኾብ ሊቅ