ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና እንፈልጠሉ መገዲ
ክፍሊ 9
ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና እንፈልጠሉ መገዲ
1, 2. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘሎና ከመይ ጌርና ክንፈልጥ ንኽእል፧
መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ግዝኣት ሰብ ዝዀነ ኣገባብ እተጥፍኣሉ ግዜ በጺሕና ከም ዘሎና ከመይ ገይርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣምላኽ ንእከይን ንስቓይን መወዳእታ ዝገብረሉ ግዜ ቀሪብና ከም ዘሎናኸ ከመይ ገይርና ክንፈልጥ ንኽእል፧
2 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ኢዮም ክፈልጡ ደልዮም ዝነበሩ። “እቲ ምልክት” (ትሓዓ) ናይ ህላዌኡ ኣብ መንግስታዊ ስልጣኑን “መወዳእታ ዓለምን” እንታይ ምዃኑ ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:3) የሱስ ክምልስ ከሎ ወድሰብ ኣብቲ “ዘመን መወዳእታ:” “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ: ከም ዝኣተወ ዘመልክቱ ንዓለም ዘናውጹ ፍጻመታትን ኵነታትን ብሓባር ክረኣዩ ምዃኖም ገለጸ። (ዳንኤል 11:40፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብዚ ዘበን እዚ ኵሉ እዚ ምልክታት እዚ ክፍጸም ከሎ ርኢናዮዶ፧ እወ: ከመይ ደኣ: ጽቡቕ ጌርና እምበር!
ናይ ዓለም ውግኣት
3, 4. ብኸመይ ኢዩ ኣብዚ ዘመን እዚ እተራእየ ውግእ ምስቲ ናይ የሱስ ትንቢት ዝሰማማዕ፧
3 የሱስ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኪለዓል ኢዩ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:7) ዓለም ብ1914 ቅድሚኡ ርእያቶ ብዘይትፈልጥ መገዲ ብዙሓት ህዝብታትን መንግስታትን ኣብ ዘሳተፈ ዓቢ ውግእ ኣትያ ኢያ። በቲ ግዜቲ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ዛንታ ነዚ ሓቂ እዚ ስለ እተረድኡ ኢዮም ነቲ ውግእ ዓቢ ውግእ ኢሎም ዝጸውዕዎ። ኣብ ታሪኽ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ስለ ዝዀነ: እቲ ውግእ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነበረ። ገለ 20, 000, 000 ዝኣኽሉ ወተሃደራትን ሲቪልን ተቐትሉ: እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ እተገብረ ውግእ እተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ኢዩ።
4 ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ምጅማር ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። የሱስ ነዝን ካልእ ፍጻሜታትን “መጀመርታ ቕልውላው” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 24:8) እዚ በቲ ስዒቡ እተፈጸመ ገለ 50, 000, 000 ወተሃደራትን ሲቪልን ዝቐዘፈ ዝገደደ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣብዚ መበል 20 ዘበን ልዕሊ 100, 000, 000 ዝኣኽሉ ሰባት ብውግእ ተቐትሉ: እዚ ድማ እቶም ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 400 ዓመታት እተገብሩ ውግኣት ዝሞቱ ኵሎም ሰባት እንተ ዝድመሩ: እዚ ካብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ንላዕሊ ዛይዱ ይርከብ! እዝስ ከመይ ዝበለ ናይ ግዝኣት ወድሰብ ኵነኔ ኢዩ!
ካልእ መረጋገጺታት
5-7. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጹልና ከመይ ዝበሉ ካልኦት ነገራት ኣለዉ፧
5 የሱስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝፍጸሙ ካልኦት ነገራትውን ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን [ተመሓላላፊ ሕማም] ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን . . . እዩ።” (ሉቃስ 21:11) ካብ ከምዚ ዝበለ መዓት ዝመጽእ ስቓይ ዓቢ ወሰኽ ብምርኣዩ: እዚ እውን እንተዀነ ምስቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ይጋጠም ኢዩ።
6 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ህይወት ዘጥፍኡ ተደጋገምቲ ተርእዮታት ኰይኖም ኣለዉ። ስፓኒሽ ፍሉ ጥራይ ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም 20, 000, 000 ዝኣኽሉ ሰባት ቀተለት—30, 000, 000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ’ዩ ዝብል ገለ ግምት እውን ኣሎ። ኤይድስ ድሮ ናይ ኣማእታት ኣሻሕ ህይወት ወሲዱ ኣሎ: ጌናውን ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ግዜ ሚልዮናት ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዓዓመቱ ብሕማም ልቢ: መንሽሮን ካልእ ዓይነት ሕማምን ይሞቱ ኣለዉ። ካልኦት ሚልዮናት ድማ ብጥሜት እናተሳሕጉ ይሞቱ ኣለዉ። ብዘይጥርጥር እቶም ‘ናይ ራእይ ፈረሰኛታት’ ካብ 1914 ጀሚሮም ውግእን ጥሜትን ፌራን ጽዒኖም ንቝጽሪ ዘይብሎም ሰባት እናመልዓሱ ይጋልቡ ኣለዉ።—ራእይ 6:3-8
7 የሱስ ኣስዒቡ ኣብ ኵለን ሃገራት ዝርአ ብዝሒ ዓመጻ እውን ተነቢዩ ነበረ። ከምዚ ይብል:- “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ: ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።”—ማቴዎስ 24:12
8. ብኸመይ ኢዩ እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 ዘሎ ትንቢት ምስ ግዜና ዝሰማማዕ፧
8 ቀጺሉውን ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሎሚ ኣብ ኵላ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ውድቀት ናይ ስነ-ምግባር ክንበየሉ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን [“ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ:” ትሓዓ ] ከም ዝመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዘይብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዝህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ . . . እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:1-13) እዚ ኵሉ ብሓቂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ክፍጸም ከሎ ንርእዮ ኣሎና።
ካልእ ረቛሒ
9. ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ምድሪ ክጅምር ከሎ: ኣብ ሰማይ እንታይ ተፈጸመ፧
9 ኣብዚ ዘበን እዚ ስቓይ እናገደደ ዝኸደሉ ካልእ ረቛሒውን ኣሎ። ልክዕ ኣብ ምጅማር ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት: ብ1914 ንዘርኢ ደቅሰብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ነገር ኣጋጢሙ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ: ከምቲ ኣብታ ናይ መጨረሻ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ዝብሎ:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን [ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ስልጣኑ] መላእኽቱን ምስቲ ገበል [ሰይጣን] ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን [ኣጋንንቲ] ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዓርዎምን ከኣ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።”—ራእይ 12:7-9
10, 11. ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ምስ ተደርበዩ ደቅሰብ ብኸመይ ተተንኪፎም፧
10 ሳዕቤን ናይዚ: ንስድራ ደቅሰብ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እቲ ትንቢት ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቁጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” እወ: ሰይጣን እዚ ናቱ ኣገባብ መወዳእታኡ ምቕራቡ ይፈልጥ ስለ ዝዀነ ቕድሚ ንሱን ዓለሙን ምጽራጐም ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ምእንቲ ከርሕቖም ዝከኣሎ ኵሉ ይጽዕር ኣሎ። (ራእይ 12:12፣ 20:1-3) እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ነቲ ናጻ ድሌቶም ብዘይግቡእ ስለ እተጠቕሙሉስ ኣየ ኸመይ ዝበሉ ውርደተኛታት ኰን ኢዮም! ብፍላይ እኳ ካብ 1914 ጀሚሩ ኵነታት ምድሪ ኣብ ትሕቲ ናቶም ጽልዋ ኣብ ከመይ ዝበለ ዘስካሕክሕ ኵነታት ኰን ኢዩ ዘሎ!
11 የሱስ ብዛዕባ ግዜና ክንበ ከሎ “ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን . . . ዚገብርዎ ኺጠፍኦም ኢዩ . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ” ምባሉ ዘገርም ኣይኰነን።—ሉቃስ 21:25, 26
ግዝኣት ሰብን ኣጋንንትን መወዳእታኡ ቀሪቡ
12. ቅድሚ እዚ ኣገባብ እዚ ምውድኡ ከመይ ዝበለ ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ ትንቢታት ኢዩ ክፍጸም ዘለዎ፧
12 ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ቅድሚ ምጥፍኡ: ክፍጸሙ ዘለዎም ትንቢታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም፧ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም! ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ እቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:3 ዘሎ “ብዛዕባ ሰላምን ደሓንን ክዛረቡ ኸለው ብድንገት መዓት ክወርዶም ኢዩ” ዝብል ኢዩ። (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ብዛዕባ ሰላም “ክዛረቡ ኸለዉ” ናይዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ከም ዝጅመር ካብዚ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ሰባት ነቲ ተስፋ ዝገብርሉ ሰላምን ደሓንን ብሃንቀውታ እናተጸበዩ ኸለዉ ዓለም ፈጺማ ዘየስተብሃለትሉ: ኣብ ዘይተጸበየቶ ግዜ: ጥፍኣት ብድንገት ክመጻ ኢዩ።
13, 14. የሱስ ከመይ ዝበለ ናይ ጸበባ ግዜ ኢዩ እተነበየ: ብኸመይ ዝበለ ኵነታትከ ክውዳእ ኢዩ፧
13 እዛ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰይጣን ዘላ ዓለም ግዜኣ እናተጸንቀቐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብቲ የሱስ ዝጠቐሶ ግዜ ጸበባ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክትጠፍእ ኢያ: ከምዚ ዝብል:- “ሽዑ መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” ትሓዓ] ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ።”—ማቴዎስ 24:21
14 እቲ መወዳእታ ናይዚ “ዓቢ ጸበባ” እዚ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ውግእ ኣብ ኣርማጌዶን ኢዩ ክኸውን። እዚ ድማ እቲ ነቢዪ ዳንኤል እተዛረበሉ ኣምላኽ ‘ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ዝጭፍልቐሉን ዘጥፍኣሉን’ ግዜ ምዃኑ ኢዩ። በዚ ድማ እዚ ሕጂ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ዝርከብ ሰብኣዊ ምምሕዳር ክውዳእ’ዩ ማለት ኢዩ። ኵሉ ጉዳይ ደቅሰብ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቱ ክኣቱ ኢዩ። ካብኡ ንደሓር: ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ: እቲ ናይ ምምሕዳር ሰልጣን “ንኻልእ ህዝቢ” ኣይክወሃብን ኢዩ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14-16
15. ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ጽልዋ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧
15 ኣብቲ ግዜ እቲ ኵሉ ሰይጣናውን ጋኔናውን ተጽዕኖ ፈጺሙ ኣይኪህሉን ኢዩ። እዞም ዓለወኛታት መንፈሳውያን ፍጡራት ‘ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕትዎም’ ፈጺሞም ኪጽረጉ ኢዮም። (ራእይ 12:9፣ 20:1-3) ንሞት ተፈሪዶም ጥፍኣቶም ይጽበዩ ኢዮም ዘለዉ። ደቅሰብ ካብቲ ሕሱር ተጽዕኖኦም ሓራ ክወጹስ ኣየ ኸመይ ዝበለ እፎይታ ኰን ኪኸውን ኢዩ!
መን ኢዮም ዝድሕኑ፧ ዘይድሕኑኸ መን ኢዮም፧
16-18. እቶም ካብዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝድሕኑ መን ኢዮም: ዘይድሕኑኸ መን ኢዮም፧
16 ናይ ኣምላኽ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓለም እዚኣ ክወርድ ከሎ: እቶም ዝድሕኑ መን ኢዮም፧ ዘይድሕኑኸ መን ኢዮም፧ እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዝደልዩ ሰባት ዑቕባ ረኺቦም ኪድሕኑ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ድላይ ዘይብሎም ግና ዘዕቝቦም ስኢኖም ምስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክጠፍኡ ኢዮም።
17 ምሳሌ 2:21, 22 ከምዚ ይብል:- “እቶም ቅኑዓት [ንግዝኣት ኣምላኽ ዝግዝኡ] ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን [ንግዝኣት ኣምላኽ ዘይግዝኡ] ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”
18 መዝሙር 37:10, 11 ብተወሳኺ ከምዚ ይብል:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” ወሲኹ ኣብ ቁጽሪ 29 ድማ “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” ትሓዓ] ክወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል።
19. ንኸመይ ዝበለ ምኽሪ ኢና ከነቕልበሉ ዘሎና፧
19 ነቲ ኣብ መዝሙር 37:34 ዘሎ ምኽሪ ብሓቂ ከነቕልበሉ ይግብኣና: ከምዚ ዝብል:- “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር [“ንምድሪ:” ትሓዓ] ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።” ቁጽሪ 37ን 38 ድማ ከምዚ ይብል:- “ንፍጹም [“ንንጹህ:” ትሓዓ] ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርኣዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ።”
20. ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ግዜ እዚ ምንባር ዘሐጕስ ኢዩ ክንብል እንኽእል፧
20 ኣምላኽ ብሓቂ ዝግደሰልናን ነዚ ዅሉ እከይን ስቓይን መወዳእታ ኪገብረሉን ከም ዝዀነ ምፍላጥሲ ኣየ ክንደይ ዘጸናንዕን መንፈስካ ዘሐድስን ኰን ኢዩ! እዚ ግርማዊ ትንቢታት እዚ ንኽፍጸም ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ምዃኑ ምፍላጥስ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም “ምልክት” ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ዝዀኑ ኩነታት ኣቀዲሙ ተነብዩሎም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ንግዝኣት ኣምላኽ ዘይግዝኡ ሰባት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ውግእ ናይ ኣርማጌዶን ኪጠፍኡ ኢዮም። እቶም ዝግዝኡ ግና ድሒኖም ናብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ ኢዮም