እታ ስርሓት ኣምላኽ ዝዀነት ግርማዊት ሓዳስ ዓለም
ክፍሊ 10
እታ ስርሓት ኣምላኽ ዝዀነት ግርማዊት ሓዳስ ዓለም
1, 2. ድሕርቲ መጽረዪ ዝዀነ ውግእ ናይ ኣርማጌዶን እንታይ ኪስዕብ ኢዩ፧
ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን መጽረዪ ውግእ ምስ ኣካየደ: ቀጺሉ እንታይ ኪስዕብ ኢዩ፧ ኣዝዩ ግርማዊ ዝዀነ ሓድሽ መዋእል ክጅምር ኢዩ። እቶም ደሓንቲ ናይ ኣርማጌዶን ንግዝኣት ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ስለ ዘርኣዩ ናብታ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ ኢዮም። ንሰብኣዊ ስድራቤት ካብ ኣምላኽ ድንቂ ዝዀነ በረኸታት ክውሕዝ ስለ ዝዀነ እቲ እዋን እትስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ሓድሽ ናይ ታሪኽ መዋእል ኰን ኪኸውን ኢዩ!
2 እቶም ዝደሓኑ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ገነት ንምህናጽ ኪዓዩ ኢዮም። ጉልበቶም ድማ ኣብቲ ንዅሉ ሽዑ ብህይወት ዝህሉ ዝጠቅም ስስዐ ዘይብሉ መዓላ: ከውዕልዎ ኢዮም። ምድሪ ድማ ናብ ሓንቲ ውቅብትን ሰላማዊትን ባህ እተብልን ማሕደር ሰብ ክትልወጥ ኢያ።
ጽድቂ ንእከይ ይትክኦ
3. ድሕሪ ኣርማጌዶን ብኡንብኡ ከመይ ዝበለ እፎይታ ኢዩ ዝህሉ፧
3 እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጠፍእ ስለ ዝዀነት እዚ ዅሉ ነገራት ኪፍጸም ኢዩ። እዚ ፈላላዪ ዝዀነ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ማሕበራዊ ስርዓታት: ወይ ድማ መንግስታት ኣይክህሉን ኢዩ። ንሰብ ዘታልል ናይ ሰይጣን ፕሮፖጋንዳ ኣይክህሉን ኢዩ፣ ኵለን እተን ከምኡ ዝገብራ ትካላት ምስ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ክጠፍኣ ኢየን። እዚ ዅሉ መርዛም ናይ ሰይጣን ዓለም ተወጊዱ ክትርእዮ ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣየ ከመይ ዝበለ እፎይታ ኰን ኪኸውን ኢዩ!
4. ነቲ ዝግበር ናይ ትምህርቲ ለውጢ ግለጽ።
4 ግዝኣት ሰብ ዝወለዶ ኣዕናዊ ዝዀነ ኣተሓሳስባ: በቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሃናጺ ዝዀነ ትምህርቲ ኪትካእ ኢዩ። “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪመሀሩ ኢዮም።” (ኢሳይያስ 54:13) በዚ ጥዑይ ትምህርቲ እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዘይምቁራጽ ምስ ተማህሩ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) ሰባት ካብኡ ንደሓር እከይ ኣይኪማሃሩን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ “እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ።” (ኢሳይያስ 26:9) ሃናጺ ዝዀነ ኣተሓሳስባን ግብርን ዕለታዊ ተርእዮ ኪኸውን ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ፊልጲ 4:8
5. ንዅሎም እኩያትን እከይን እንታይ ክወርዶም ኢዩ፧
5 ስለዚ ኸኣ: ቅትለት: ዓመጻ: ምግሳስ: ስርቂ ወይ ዝዀነ ካልእ ገበን ፈጺሙ ኣይኪህሉን ኢዩ። ብምኽንያት እኩይ ግብሪ ናይ ካልኦት ዝሳቐ ሰብ ፈጺሙ ኣይኪህሉን ኢዩ። ምሳሌ 10:30 ከምዚ ይብል:- “ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን: ረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።”
ፍጹም ጥዕና ይምለስ
6, 7. (ሀ) ከመይ ዝበለ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ ብመንግስቲ ኣምላኽ ዘቋርጽ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ነዚ ብኸመይ ኢዩ ዘረጋገጾ፧
6 ኣብታ ሓዳስ ዓለም: እቲ ኵሉ እኩይ ሳዕቤን ናይቲ ናይ መጀመርያ ዕልወት ቅንጥጥ ኢሉ ኪጠፍእ ኢዩ። ንኣብነት: ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ንሕማምን እርጋንን ከጥፍኦ ኢዩ። ሎሚ ሽሕ’ኳ ጽቡቕ ጥዕና እንተሎካ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ኣዒንትኻ ጭልምልም ክብላ: ኣስናንካ ክቝንቍን: ናይ ምስማዕ ክእለትካ ክደክም: ቈርበትካ ክዓጥር: ውሽጣዊ ኣካላትካ ክፈርስ: መወዳእታኡ ድማ ክትመውት ምዃንካ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።
7 ይኹን እምበር: እዚ ዘሕዝን ሳዕቤን ናይቲ ካብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ግዜኡ ዘሕለፈ ዛንታ ኰይኑ ክተርፍ ኢዩ። ብዛዕባ ጥዕና ዝመጸ የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ዝገበሮ ትዝክርዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብዙሓት ሰብ ድማ: ሓንካሳት: ዕዉራት: ጸማማት: ቈራያት: ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም: ናብኡ መጹ: ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ: ቈራያት ኪሓውዩ: ሓንካሳት ኪኸዱ: ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ።”—ማቴዎስ 15:30,31 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
8, 9. ፍጹም ጥዕና ምስ ተመልሰ ዝህሉ ሓጐስ እስከ ግለጽዎ።
8 ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኵሉ ሕማምና ምስ ተወገደስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኪኸውን ኢዩ! እቲ ብምኽንያት ዋሕዲ ጥዕና ዝመጽእ ስቓይ ደጊም ፈጺሙ ኣይከሳቕየናን ኢዩ። “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትሓዓ] እየ ኣይብልን።” “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6
9 ንግሆ ንግሆ ካብ ዓራት ክትንስእ ከሎኻ ውኖኻ ዝምስጥ ጥዕና ትድልብ ከም ዘሎኻ ክስምዓካስ ዘሐጕስዶ ኣይኰነን፧ ኣረጋውያን ሰባት ናብቲ ምሉእ ሓይሊ ንእስነት ተመሊሶም ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ሓደ ግዜ ዝነበሮም ፍጽምና ከም ዝበጽሑ ኪፈልጡስ ዘሐጉስዶ ኣይኰነን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ተስፋ ይህብ:- “ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም: ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።” (እዮብ 33:25) ኣየወ: እዚ ዅሉ መነጽራት: መስምዒ መሳርሒታት: ምርኩሳት: ብሽክለታ ስንኩላት: ከምኡውን መድሃኒታት ተሰባቢሩ ኪጓሓፍ ምርኣይስ ክንደይ ዘሐጕስ ኢዩ! ሆስፒታላትን ዶክተራትን ሓካይም ስንን ድሕሪ ደጊም ፈጺሞም ኣይከድልዩን ኢዮም።
10. ሞት እንታይ ክኸውን ኢዩ፧
10 ከምዚ ዝበለ ውኖኻ ዝምስጥ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ክሞቱ ኣይደልዩን ኢዮም። ኣይኪሞቱን ድማ ኢዮም: ከመይሲ ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ተጽዕኖ ናይቲ እተወርሰ ዘይፍጽምናን ሞትን ኣይኪዀኑን ኢዮም። ክርስቶስ “[“ኣምላኽ:” ትሓዓ ] ነቶም ጻላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ። . . . እቲ ኣብ መወዳእታ ዚሰዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።” “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:25, 26፣ ሮሜ 6:23፣ ከምኡውን ኢሳይያስ 25:8 ርአ።
11. ራእይ ብኸመይ ኢዩ ነቲ በረኸታት ናይታ ሓዳስ ዓለም ዘጠቓልሎ፧
11 እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ካብቲ ሓላዪ ዝዀነ ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ ኣብ ገነት ዝውሕዝ በረኸት ከተጠቓልሎ ኸላ: ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4
ምዉታት ይምለሱ
12. የሱስ ብኸመይ’ዩ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ናይ ትንሳኤ ዘርኣዮ፧
12 የሱስ ካብ ንሕሙማት ምሕዋይን ንቈራያት ምፍዋስን ሓሊፉ ዝገበሮ ነገር ኣሎ። ንዝሞቱ ሰባትውን ከይተረፈ ኣተንሲእዎም ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዘደንቕ ሓይሊ ናይ ትንሳኤ ከመይ ምዃኑ ኣርኣየ። የሱስ ናብ ቤት እቲ ጓሉ ዝሞተቶ ሰብኣይ ምስ መጸ እተፈጸመ ነገር ትዝክርዎዶ፧ የሱስ ነታ ምዉቲ ጓል “ኣቲ ጓል: ተንስኢ: እብለኪ አሎኹ” በላ። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ “እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት . . . እሞ: ተዛወረት።” ነዚ ምስ ረኣዩ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።” ነቲ ሓጐሶም ክዓግትዎ ኣይከኣሉን!—ማርቆስ 5:41, 42፣ ከምኡውን ሉቃስ 7:11-16፣ ዮሃንስ 11:1-45 ርአ።
13. እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢዮም ዚትንስኡ፧
13 ኣብታ ሓዳስ ዓለም “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) የሱስ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” ስለ ዝበለስ በቲ ግዜ’ቲ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ንምውታት ከተንስኦም ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25) ከምኡውን “ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር [ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ] ዘለዉ ዅሎም ድምጹ [ናይ የሱስ] ክሰምዑን ክወጹን ኢዮም” በለ።—ዮሃንስ 5:28, 29 ትሓዓ
14. ሞት ስለ ዝጠፍእስ ከመይ ዝበሉ ነገራት ኢዮም ዘይህልዉ፧
14 ምዉታት ሰባት ነቶም ፍቑራቶም ምእንቲ ክረኽቡ በብጕጅለ ክትንስኡ ከለዉ ኣብ ዙርያ ምድሪ ዝህሉ ሓጐስ ብሓቂ ዓቢዪ ኢዩ! ነቶም ዝተረፉ ሰባት ኣብ ሓዘን ዘውድቑ ናይ መርድእ ዓምድታት ድሕሪ ደጊም ኣይክህልዉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ልክዕ ኣንጻር ናይዚ ኢዩ ክህሉ: ብዛዕባ እቶም ሓደስቲ ዝትንስኡ ዝገልጽ ምልክታታት ብምውጻእ ንፍቑራቶም ዘሐጉስ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ካብኡ ንደሓር ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት: ናይ መቓብር ቦታ: መንደዲ ሬሳ ወይ መካነ-መቓብር ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ!
ብሓቂ ሰላም ዘመልኣ ዓለም
15. ትንቢት ሚክያስ ብኸመይ ኢዩ ምሉእ ፍጻሜኡ ዚረክብ፧
15 ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ናይ ሓቂ ሰላም ኪሰፍን ኢዩ። ውግእን መሳወርቲ ውግእን: ሰራሕቲ ኣጽዋር ውግእን ኵሎም ግዜኡ ዘሕለፈ ዛንታ ኰይኖም ኪተርፉ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ፈላለይቲ ዝዀኑ ሃገራውን ወገናውን ዓሌታውን ጥቕምታት ዝበሃሉ ኣይክህልዉን ኢዮም። ካብኡ እቲ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም” ዝብል ምሉእ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ።—ሚክያስ 4:3
16. ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ንውግእ ፈጺሙ ከም ዘይህሉ ዚገብሮ፧
16 እዚ ምስቲ ጽምኢ ደም ዘለዎ ዘየቋርጽ ታሪኽ ውግእ ናይ ሰብ ከተነጻጽሮ ከሎኻ ዘገርም ይመስል ይኸውን። እንተዀነ ግና: እዚ ዅሉ ደም ክፈስስ ዝኸኣለ: ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ሰብን ኣጋንንትን ምምሕዳር ስለ ዝነበረ ኢዩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኣብ ምምሕዳር ናይታ መንግስቲ ዝፍጸም እዚ ዝስዕብ እዩ:- “ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍአት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:8, 9
17, 18. ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኣብ መንጐ ሰብን እንስሳን ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ዚህሉ፧
17 ከምቲ ኣብ ኤደን ዝነበሩዎ ሰብን እንስሳንውን ኣብ ንሓድሕዶም ብሰላም ኪነብሩ ኢዮም። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:19) ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክአትወሎም እየ . . . ብደሓንውን ከንብሮም እየ።”—ሆሴእ 2:18
18 እቲ ሰላም እቲ ክንደይ ዝኣክል ስፍሓት ክህልዎ ኢዩ፧ “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር: ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ: ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሓቢሮም ኪውዕሉ: ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና) ካብኡ ንደሓር እንስሳታት ንሰብን ኣብ ንሓድሕዶምን ዘስግኡ ኣይኪዀኑን ኢዮም። አረ “ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ” እዩ!—ኢሳይያስ 11:6-9፣ 65:25
ምድሪ ናብ ገነት ትልወጥ
19. ምድሪ ናብ ምንታይ ክትልወጥ ኢያ፧
19 ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ዝዀነ ማሕደር ሰብ ክትልወጥ ኢያ። በዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ነቲ ኣብኡ እምነት ዘርኣየ ሰብኣይ ክመባጽዓሉ ኸሎ ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ ዝበሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌሬዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። . . . ማያት ኣብ በረኻ: ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ።”—ሉቃስ 23:43፣ ኢሳይያስ 35:1, 6
20. ጥሜት ንወድሰብ እንደገና ከጥቅዖ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
20 ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥሜት እንደገና ንሚልዮናት ኣይከጥቅዕን ኢዩ። “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ኢዩ። “ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ: ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ: ኣብ ሃገሮም ከኣ ሃዲኦም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 72:16፣ ህዝቅኤል 34:27
21. ስእነት ገዛን እተጨቓጨቑ ገዛውትን ሕማቕ ከባቢታትን እንታይ ኪዀኑ ኢዮም፧
21 ድሕሪ ደጊም ድኽነት: ገዛ ዘይብሎም ሰባት: ክፉእ እተጨቓጨቐ ገዛውቲ: ወይ ብዓመጽ ዝመልኡ ከባቢታት ኣይኪህልዉን ኢዮም። “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። . . . ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።” “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።”—ኢሳይያስ 65:21, 22፣ ሚክያስ 4:4
22. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ምምሕዳር ኣምላኽ ዝርከብ በረኸታት ብኸመይ ይገልጾ፧
22 ሰባት ኣብ ገነት: በዚ ዅሉን ካልእን ኣዝዮም ኪባረኹ ኢዮም። መዝሙር 145:16 ከምዚ ይብል:- “[ኣምላኽ] ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።” መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። . . . ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” ትሓዓ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ምባሉ ዘገርም ኣይኰነን።—መዝሙር 37:11, 29
ነቲ ዝሓለፈ ምዕራይ
23. መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢያ ነቲ ዘሕለፍናዮ ስቓይ እትድምስሶ፧
23 ምምሕዳር ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብኣዊ ስድራቤት ዝወረደ ኵሉ ጉድኣት ከዐርዮ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ግዜቲ ዝህሉ ሓጐስ ካብቲ ሰባት ዘሕለፍዎ ስቓይ ኣዝዩ እተዓጻጸፈ ክኸውን ኢዩ። እቲ ቐደም ዝሓለፈ ስቓይ ብምዝካር ኣብቲ ግዜ’ቲ ህይወት ኣይክትርበሽን ኢያ። እቲ በቲ ግዜ’ቲ ዘሎ ሃናጺ ዝዀነ ኣተሓሳስባን ዕዮታትን መዓልታዊ ተግባራት ስለ ዝኸውንሲ ቀስ ብቐስ እቲ ዘሳቒ ተዘክሮታት ኪሃስስ ኢዩ።
24, 25. (ሀ) ኢሳይያስ እንታይ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧ (ለ) ናይ ቅድም ተዘክሮታት ክሃሱ ምዃኖም ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
24 እዚ ሓላዪ ዝዀነ ኣምላኽ ከምዚ እናበለ ቃሉ ይህብ:- “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን [ሓዳስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ] ሓድሽ ምድርን [ጻድቕ ሰብኣዊ ማሕብረሰብ] ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና) “ኵላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ: ሰብውን እልል ይብሉ አለዉ።”—ኢሳይያስ 14:7፣ 65:17, 18
25 ስለዚ ኣምላኽ በታ መንግስቱ ገይሩ ነዚ ንነዊሕ ግዝያት ዝጸንሐ ክፉእ ኵነታት ለዊጡ ኣብ ቦትኡ ሓድሽ ነገር ከምጽእ ኢዩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝበጽሓና ጉድኣት ካብ ካሕሳ ንላዕሊ ዝዀኑ በረኸታት ስለ ዘዝንበልና: በዚ ንሱ እቲ ዝዓበየ ሓላዪ ምዃኑ ንዘለኣለም ከርኢ ኢዩ። እቲ ቀደም ዝበጽሓና ሽግር ምናልባትውን ክንዝክሮ እንተደለና ብልክዕ ክንዝክሮ ከም ዘይንኽእል ኰይኑ ኪሃስስ ኢዩ።
26. ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ነቲ ዘሕለፍናዮ ስቓይ ዚኽ ሕሰና፧
26 ኣምላኽ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እተዓገስናዮ ስቓይ ከምዚ ገይሩ ኢዩ ዝኽሕሰና። ዘይፍጹማት ኴንና ምውላድና ናትና ጌጋ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ኢዩ: ከመይሲ ዘይፍጽምና ካብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ኢዩ። ኣብዛ ሰይጣናዊት ዓለም ብምውላድና ናትና ጌጋ ኣይኰነን: ከመይሲ ኣዳምን ሄዋንን እሙናት ኰይኖም እንተ ዝጸንዑ ኣብ ገነት ምተወለድና ኔርና። ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ብዓብዪ ድንጋጸ ነቲ ዝወረደና ስቓይ ካብ ምኽሓስ ንላዕሊ ኪገብር ኢዩ።
27. ከመይ ዝበሉ ትንቢታት ኢዮም ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዘደንቕ ፍጻሜታት ዚረኽቡ፧
27 ኣብታ ሓዳስ ዓለም ደቅሰብ ነቲ ኣብ ሮሜ 8:21, 22 ዘሎ ብትንቢት እተነግረሉ ሓርነት ክረኽቡ ኢዮም: ከምዚ ዝብል:- “እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቍርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን: ንፈልጥ አሎና።” ሽዑ ሰባት ነቲ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል ጸሎት ምሉእ ፍጻሜኡ ኪርእዩ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:10) እቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ዘደንቕ ኵነታት ነቲ ኣብ ሰማይ ዝህሉ ኵነታት ዘንጸባርቕ ክኸውን ኢዩ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ኣረጋውያን ናብ ምሉእ ሓይሊ ንእስነት ኪምለሱ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኵሉ ሕማምን ስንክልናን ፈጺሙ ኪጠፍእ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብታ ሓዳስ ዓለም ምዉታት ናብ ህይወት ኪምለሱ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
‘ደጊም ውግእ ኣይኪምሃሩን ኢዮም’
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ገነት: ሰባትን እንስሳታትን ብፍጹም ሰላም ሓቢሮም ኪነብሩ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
‘ኣምላኽ ኢዱ ብምኽፋት ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ከጽግቦ ኢዩ’
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ዘሕለፍናዮ ስቓይ ካብ ምኽሓስ ንላዕሊ ክትገብረልና ኢያ