ዕላማ ኣምላኽ ናብ ፍጻሜኡ ይግስግስ
ክፍሊ 8
ዕላማ ኣምላኽ ናብ ፍጻሜኡ ይግስግስ
1, 2. ኣምላኽ ስቓይ ንምውጋድ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ኢዩ ክገብር ጸኒሑ፧
ግዝኣት ናይዞም ዓለወኛታት ሰባትን ኣጋንንትን ንብዙሕ ዘበናት ንሰብኣዊ ስድራቤት ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ከስጥሞ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንስቓይና ሸለል ኣይበሎን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ንዅሎም ሰባት ካብ እከይን ስቓይን ዝላቐቕሉ ምድላዋት ክገብር ጸኒሑ ኢዩ።
2 ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ተፈጸመ: ብኡንብኡ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ዝዀነት ማሕደር ሰብ እትገብራ መንግስቲ ንኸዳሉ ዕላማ ከም ዘለዎ ክገልጽ ጀመረ። (ዘፍጥረት 3:15) ጸኒሑውን የሱስ እቲ ዋና ኣፈኛ ናይ ኣምላኽ: ነዛ እትመጽእ መንግስቲ ናይ ኣምላኽ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ስብከቱ ገበራ። እታ ሓንቲ ተስፋ ናይ ወድሰብ ንሳ ጥራይ ምዃና ገለጸ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ 12:21
3. የሱስ ነታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ናይ ምድሪ እንታይ ኢሉ ጸውዓ: ስለምንታይከ፧
3 እዛ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ስለ እትገዝእ የሱስ “መንግስተ ሰማያት” እናበለ ይጽውዓ ነበረ። (ማቴዎስ 4:17) ከምኡውን መሃዚኣ ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዝዀነ “መንግስቲ ኣምላኽ” እናበለ ጸውዓ። (ሉቃስ 17:20) ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ኣምላኽ ነቶም ብመንፈስ ዝመርሖም ሰባት: ብዛዕባ እቶም ነታ መንግስቲ ዘቝሙ ሰባትን በታ መንግስቲ ዝፍጸሙ ዕማማትን ትንቢት ከም ዝጽሕፉ ገይሩዎም ኢዩ።
ሓድሽ ናይ ምድሪ ንጉስ
4, 5. ኣምላኽ እቲ ንሱ ዝሰመሮ ንጉስ የሱስ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ነቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መን ምዃኑ ዝገልጽ ዝነበረ ትንቢታት ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ዝፈጸሞ የሱስ ነበረ። ናይታ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክትገዝእ ዘለዋ ሰማያዊት መንግስቲ ብኣምላኽ እተመርጸ ገዛኢ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ድሕሪ ሞቱ: ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ከም ሓደ ሓያልን ዘይመውትን መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ክነብር ኢሉ ኣተንስኦ። ንትንሳኤኡ ዝምስክሩ ኸኣ ብዙሓት ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:10፣ 9:1-9፣ ሮሜ 1:1-4፣ 1 ቈረንቶስ 15:3-8
5 የሱስ ቀጺሉ “ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (እብራውያን 10:12) ኣብኡ ኰይኑ ድማ: ክሳዕ ኣምላኽ ከም ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ስጉምቲ ክወስድ ዘኽእሎ ስልጣን ዝህቦ: ክጽበ ነበሮ። እዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንየሱስ “ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ” ዝብል ኣብ መዝሙር 110:1 ዘሎ ትንቢት ዝፍጽም ኢዩ።
6. የሱስ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክኸውን ዝበቅዕ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧
6 የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ነዚ ቦታዚ ዝበቕዖ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ከቢድ ስደት እኳ እንተበጽሖ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ክሕሉ መረጸ። ከምዚ ብምግባሩ ድማ ነቲ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኣምላኽ እሙን ዝኸውን ሰብ የለን ዝበሎ: ሓሶት ምዃኑ ኣርኣየ። እቲ “ዳሕራይ ኣዳም” እተባህለ ፍጹም ሰብ: የሱስ: ኣምላኽ ንፍጹማት ሰባት ክፈጥር ከሎ ምንም ጌጋ ከም ዘይገበረ ኣርኣየ።—1 ቈረንቶስ 15:22, 45፣ ማቴዎስ 4:1-11
7, 8. የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ከመይ ዝበለ ሰናይ ተግባራት ኢዩ ዝገበረ: በዚኸ እንታይ ኣርኣየ፧
7 ከምቲ ናይ የሱስ ኣብተን ውሑዳት ዓመታት ኣገልግሎቱ ዝፈጸሞ ሰናይ ግብርታት ዝገበረ ካልእ መራሒዶ ኣሎ ኢዩ፧ የሱስ በቲ ካብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸቦ ሓይሊ ተጠቒሙ ንሕሙማት: ንስንኩላት: ንዕዉራትን ንጸማማትን ይፍውስ ነበረ። ንምዉታት ከይተረፈ ኣተንሲኡ ኢዩ! እዚ ነቲ ብስልጣን መንግስቱ ምስ መጸ ብሰፊሑ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንደቅሰብ ክገብረሎም ዘለዎ ነገራት ዝሕብር ንኡስ መርኣዪ ኢዩ።—ማቴዎስ 15:30, 31፣ ሉቃስ 7:11-16
8 የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ኣዝዩ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ስለ ዝገበረ ኢዩ እቲ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ ዮሃንስ “የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ: ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ: ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምአኸለቶን ይመስለኒ” ዝበለ።—ዮሃንስ 21:25 a
9. ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ናብ የሱስ ዝወሓዙ ስለምንታይ ኢዮም፧
9 የሱስ ሕያዋይን ዝድንግጽን ንደቅሰብ ከኣ ዓቢ ፍቕሪ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ድኻታትን ግፉዓትን ብዘድልዮም ይሕግዞም ነበረ: ይኹን እምበር: ኣብ ሃብታማትን ሰበ ስልጣንን ከኣ ኣድልዎ ገጽ ፈጺሙ ኣይነበሮን። ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ነቲ የሱስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጽሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” እናበለ ዘቕረበሎም ፍቕራዊ ጻውዒት ብሓጐስ ይቕበልዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 11:28-30) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰባት ናብኡ ብምውሓዝ ነቲ ናቱ ግዝኣት ብተስፋ ኣማዕድዮሞ ኢዮም።—ዮሃንስ 12:19
ምስኡ ሓቢሮም ዝገዝኡ
10, 11. ኣብ ምምሕዳር ምድሪ ምስ የሱስ ዝሓብሩ መን ኢዮም፧
10 ከምቲ ኣብ ናይ ሰብ መንግስታት ሓገዝቲ ኣመሓደርቲ ዘለዉ: ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲውን ከምኡ ኢዩ። ካልኦት ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ምምሕዳር ምድሪ ዝሓብርዎ ኣለዉ: ምኽንያቱ የሱስ ነቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ከም ነገስታት ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክገዝኡ ምዃኖም ተመባጺዑሎም ኢዩ።—ዮሃንስ 14:2, 3፣ ራእይ 5:10፣ 20:6
11 እምበኣርከስ: ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ምስ የሱስ ምእንቲ ክዀኑ ንሰማያዊ ህይወት ካብ ምዉታት ክትንስኡ ኢዮም። ንሳቶም ድማ ነታ ንዅሎም ደቅሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት እተምጽኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ የቝሙ። (2 ቈረንቶስ 4:14፣ ራእይ 14:1-3) ስለዚ እምበኣር የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ ወለዶታት መሰረት ናይቲ ንዅሎም ዓሌታት ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ዘምጽእ ምምሕዳር ይስርት ነይሩ ማለት ኢዩ።
ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ምምሕዳር ይውዳእ
12, 13. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ንምግባር ኢያ ተዳልያ ዘላ፧
12 ኣብዚ ዘበን እዚ ኣምላኽ ኢዱ ብቐጥታ ኣብ ጉዳያት ናይ ምድሪ ኣእትዩ ኢዩ። ናይዛ ብሮሹር ክፍሊ 9 ከም ዝገልጾ: እታ ብክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ከም ዝቖመትን ከምኡ ድማ ነዚ ጠቕላላ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ከተጥፍኦ ተዳለያ ከም ዘላን ትንቢታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። እዛ መንግስቲ እዚኣ “ኣብ ማእከል ጸላእቲ [ናይ ክርስቶስ] እናሰዓረት ክትከይድ” ተዳልያ ኢያ ዘላ።—መዝሙር 110:2 ትሓዓ
13 ብዛዕባዚ ዝምልከት ኣብ ዳንኤል 2:44 ዘሎ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሕጂ ዘለዉ] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን [ናይ ሰብ ግዝኣት ዳግም ክህሉ ኣይክፍቀደሉን ኢዩ] መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ [መንግስቲ ኣምላኽ] ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”
14. ግዝኣት ሰብ ብምጥፍኡስ ከመይ ዝበሉ ጥቕምታት ኢዮም ዝርከቡ፧
14 እዚ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ወጺኡ ዘሎ ግዝኣት ምስ ኣግለሰ: መንግስቲ ኣምላኽ ንበይና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምሉእ ዝዀነ ግዝኣት ክህልዋ ኢዩ። ካብ ሰማይ ኰይና ስለ እተማሓድር: እዛ መንግስቲ እዚኣ ብሰባት ክትበላሾ ኣይትኽእልን ኢያ። እቲ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ኣብቲ መጀመርታ ዝነበሮ: ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ክኸውን ኢዩ። ግዝኣት ኣምላኽ ንዅላ ምድሪ ዝቈጻጸር ስለ ዝዀነ ድማ ካብኡ ንደሓር ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ ድማ ብዘየዕግብ ናይ ሰብ ፍልስፍናታትን ናይ ፖለቲካ ክልሰ-ሓሳባትን ዝታለል ኣይኪህሉን ኢዩ። ከምዚ ዝበሉ ነገራት ክህልዉ ኣይክፍቀደሎምን ኢዩ።—ማቴዎስ 7:15-23፣ ራእይ ካብ ምዕራፍ 17 ክሳዕ 19
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ ህይወት ናይ የሱስ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ብ1991 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተጻሕፈት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተወከስ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክገብር ከም ዝዀነ ምእንቲ ከርኢ: ኣብ ምድሪ ከሎ ንዝሓመሙ ይፍውስ: ንዝሞቱ ድማ የተንስእ ነበረ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
እታ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ነቲ ካብ ኣምላኽ እተፈልየ ኵሉ ዓይነት ምምሕዳር ከም ዘይነበረ ገይራ ከተጥፍኦ ኢያ