ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧

ትምህርቲ 6

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኢያ እትርከብ፧ (1)

ንጉሳ መን ኢዩ፧ (2)

ካልኦት ምስቲ ንጉስ ኰይኖም ክገዝኡ ድዮም፧ ክገዝኡ እንተድኣ ኰይኖም ክንደይ ኢዮም፧ (3)

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና እንታይ የርኢ፧ (4)

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ግዜ ንሰባት እንታይ ክትገብረሎም ኢያ፧ (5-7)

1. የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ: ንሰዓብቱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክጽልዩ መሃሮም። መንግስቲ ብንጉስ ዝምራሕ ምምሕዳር ኢዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ፍልይቲ ምምሕዳር ኢያ። ኣብ ሰማይ ኢያ ቈይማ: ኣብ ልዕሊ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክትገዝእ ኢያ። ንስም ኣምላኽ ክትቅድስ ኢያ። ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ኣብ ምድሪ እውን ከም ዝኸውን ክትገብር ኢያ።​—ማቴዎስ 6:⁠9, 10

2. ኣምላኽ: ንጉስ ናይታ መንግስቲ የሱስ ከም ዝኸውን ተመባጺዑ ኢዩ። (ሉቃስ 1:​30⁠-33) የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ሕያዋይ: ፍትሓዊ: ከምኡውን ፍጹም ገዛኢ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ: ሽዑ ንሽዑ ከም ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣይነገሰን። (እብራውያን 10:⁠12, 13) ብ1914 የሆዋ ንየሱስ እቲ እተመባጽዓሉ ስልጣን ሃቦ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ የሱስ ከም ብየሆዋ እተመዘዘ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ።​—ዳንኤል 7:⁠13, 14

3. የሆዋ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዝኸዱ እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን እውን መሪጹ ኢዩ። ምስ የሱስ ኰይኖም ድማ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ከም ነገስታትን መሳፍንትን ካህናትን ኰይኖም ክገዝኡ ኢዮም። (ሉቃስ 22:⁠28⁠-30፣ ራእይ 5:⁠9, 10) የሱስ ነዞም ኣብ መንግስቱ መጋዝእቱ ዝዀኑ ሰባት “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸውዖም። ቍጽሮም 144,000 ኢዩ።​—ሉቃስ 12:⁠32፣ ራእይ 14:⁠1⁠-3

4. የሱስ ንጉስ ምስ ኰነ ብኡንብኡ: ንሰይጣንን እኩያት መላእኽቱን ካብ ሰማይ ናብ ከባቢ ምድሪ ደርበዮም። ስለዚ ድማ ኢዩ ካብ 1914 ጀሚሩ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዝኸፍአ። (ራእይ 12:⁠9, 12) ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ብዝሒ ዓመጻ​—እዚ ዅሉ ክፍሊ ናይቲ የሱስ ይገዝእ ምህላዉ: እዚ ኣገባብ እዚ ድማ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓልትታቱ ከም ዘሎ ዘርኢ “ትእምርቲ” ኢዩ።​—ማቴዎስ 24:⁠3, 7, 8, 12፣ ሉቃስ 21:⁠10, 11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1⁠-5

5. የሱስ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን ንሰባት ብምፍልላይ ክፈርዶም ኢዩ። “ኣባጊዕ” እቶም እሙናት ተገዛእቱ ምዃኖም ዘረጋገጹ ሰባት ኢዮም። ኣብ ምድሪ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ክቕበሉ ኢዮም። “ኣጣል” እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝነጸጉ ሰባት ኢዮም። (ማቴዎስ 25:⁠31⁠-​34, 46) ድሕሪ ቀረባ ግዜ የሱስ ንዅሎም እቶም ከም ኣጣል ዝዀኑ ሰባት ከጥፍኦም ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:⁠6⁠-9) ሓደ ካብ “ኣባጊዕ” የሱስ ክትከውን እንተድኣ ደሊኻ: ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ክትሰምዖን ምስቲ እተማሃርካዮ ድማ ተሰማሚዕካ ክትመላለስን የድልየካ።​—ማቴዎስ 24:14

6. ሕጂ ምድሪ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተኸፋፊላ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ኣለዋ። እዘን ሃገራት እዚኣተን መብዝሕትኡ ግዜ ንሓድሕደን ይዋግኣ ኢየን። መንግስቲ ኣምላኽ ግን ንዅሉ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ክትክኦ ኢያ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ እንኮ ምምሕዳር ኰይና ክትገዝእ ኢያ። (ዳንኤል 2:44) ሽዑ ውግእ: ገበን: ከምኡውን ዓመጽ ኣይክህሉን ኢዩ። ኵሎም ሰባት ብሰላምን ሕብረትን ብሓንሳብ ክነብሩ ኢዮም።​—ሚክያስ 4:⁠3, 4

7. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ: እሙናት ሰባት ፍጹማት ክዀኑ ኢዮም: ምልእቲ ምድሪ ድማ ገነት ክትከውን ኢያ። ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት: የሱስ እቲ ኣምላኽ ክገብሮ ዝኣዘዞ ኵሉ ክፍጽም ኢዩ። ብድሕርዚ ነታ መንግስቲ ናብ ኣቡኡ ክመልሳ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠24) መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም እትገብር ንኣዕሩኽካን እትፈትዎም ሰባትን ስለምንታይ ዘይትነግሮም፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ: ጽልኢ ይኹን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ