ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ

ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ

ትምህርቲ 7

ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ

ስርዓታዊ ኴንካ ምጽላይ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (1)

ናብ መን ኢና ክንጽሊ ዝግብኣና: ብኸመይከ፧ (2, 3)

ኣብ ጸሎትና እንጠቕሶም ነገራት ኣየኖት ኢዮም፧ (4)

መዓስ ኢኻ ክትጽሊ ዝግብኣካ፧ (5, 6)

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ይሰምዖ ድዩ፧ (7)

1. ጸሎት ብትሕትና ምስ ኣምላኽ ምዝራብ ማለት ኢዩ። ስርዓታዊ ኴንካ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኣለካ። በዚ ኸምዚ ድማ ልክዕ ከም ንሓደ ፍቑር ዓርኪ ናብኡ ኣጸቢቕካ ክትቀርብ ትኽእል። የሆዋ ኣዝዩ ዓብይን ሓያልን ኢዩ: ገና ግን ንጸሎትና ይሰምዖ ኢዩ! ስርዓታዊ ኴንካ ናብ ኣምላኽ ትጽልዶ ኢኻ፧​—መዝሙር 65:2፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17

2. ጸሎት ናይ ኣምልኾና ክፍሊ ኢዩ። ስለዚ ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ክንጽሊ ኣለና። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኵሉ ግዜ ናብ ኣቡኡ ይጽሊ ነበረ: ናብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣይጸለየን። ንሕና እውን ከምዚ ክንገብር ኣለና። (ማቴዎስ 4:⁠10፣ 6:⁠9) ይኹን እምበር: ኵሉ ጸሎትና ብስም የሱስ ክግበር ኣለዎ። ከምዚ ምግባር ናይ የሱስ ቦታ ከም እነኽብርን ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ድማ እምነት ከም ዘሎናን ዘርኢ ኢዩ።​—ዮሃንስ 14:⁠6፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2

3. ክንጽሊ ከሎና ንኣምላኽ ካብ ልብና ክንዛረቦ ኣለና። ጸሎትና ብምሽምዳድ ወይ ካብ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ብምንባብ ክኸውን የብሉን። (ማቴዎስ 6:⁠7, 8) ብዝዀነ ይኹን ክብሪ ዘለዎ ኣገባብ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን: ከምኡውን: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ብልብና እንገብሮ ናይ ውሽጢ ጸሎት እውን ክሰምዖ ይኽእል ኢዩ። (1 ሳሙኤል 1:⁠12, 13) ብሕታዊ ጸሎትና ንምቕራብ ካብ ካልኦት ሰባት ርሕቕ ኢልና ጽምዊ ቦታ ክንረክብ ጽቡቕ ኢዩ።​—ማርቆስ 1:⁠35

4. ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ክትጽሊ እትኽእል፧ ብዛዕባ ነቲ ምስኡ ዘሎካ ዕርክነት ክትንክፎ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ። (ፊልጲ 4:⁠6, 7) እታ ናይ ኣብነት ጸሎት ብዛዕባ ስም የሆዋን ዕላምኡን ክንጽሊ ከም ዘለና ተርኢ ኢያ። ስጋዊ ድሌታትና ክማልኣልና: ሓጢኣትና ክሕደገልና: ከምኡውን ፈተናታት ንምቅዋም ሓገዝ ክንረክብ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:⁠9⁠-13) ጸሎትና ስስዐ ዘለዎ ክኸውን የብሉን። ብዛዕባ እቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝቃዶ ነገራት ጥራይ ክንጽሊ ኣለና።​—1 ዮሃንስ 5:14

5. ልብኻ ንኣምላኽ ከተመስግኖ ክደፋፍኣካ ከሎ ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠10⁠-13) ግድል ክህልወካ ከሎ ከምኡውን እምነትካ ክትፍተን ከላ ክትጽሊ ኣለካ። (መዝሙር 55:⁠22፣ 120:⁠1) መግቢ ቅድሚ ምብላዕካ ክትጽሊ ግቡእ ኢዩ። (ማቴዎስ 14:⁠19) የሆዋ “ኵሉ ሳዕ” ክንጽሊ ኢዩ ዝዕድመና።​—ኤፌሶን 6:⁠18

6. ከቢድ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ብፍላይ ክንጽሊ የድልየና ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ምሕረት የሆዋ ክንረክብን በደልና ክሕደገልናን ክንልምን ኣለና። ሓጢኣትና ምስ እንናዘዝ: ንኸይንደግሞ ድማ ዝከኣለና ኵሉ ምስ እንገብር: ኣምላኽ ‘ንይቕሬታ ድልዊ’ ኢዩ።​—መዝሙር 86:⁠5፣ መዝሙር 28:13

7. የሆዋ ጸሎት ናይቶም ቅኑዓት ሰባት ጥራይ ኢዩ ዝሰምዕ። ኣምላኽ ጸሎትካ ንኽሰምዖ: ምስ ሕግታቱ ተሰማሚዕካ ንኽትነብር ዝከኣለካ ኵሉ ክትጽዕር ይግብኣካ። (ምሳሌ 15:29፣ 28:⁠9) ክትጽሊ ከሎኻ ትሑት ክትከውን ኣለካ። (ሉቃስ 18:⁠9⁠-14) ምስቲ እትጽልዮ ክትሰማማዕ ክትጽዕር ከድልየካ ኢዩ። በዚ ኸምዚ: እምነት ከም ዘሎካ: እቲ እትብሎ ድማ ናይ ሓቂ ከም ዝዀነ ተርኢ። ከምዚ ምስ እትገብር ጥራይ ኢዩ የሆዋ ንጸሎትካ ዝምልሰሉ።​—እብራውያን 11:⁠6