ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እተመሓደሩ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እተመሓደሩ

ትምህርቲ 14

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ከም እተመሓደሩ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ታሪኾም ዝጀመረ መዓስ ኢዩ፧ (1)

ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ኢዮም ዝምርሑ፧ (2)

ወጻኢታት ብኸመይ ይሽፈን፧ (3)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ መሪሕነት ዝወስድ መን ኢዩ፧ (4)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እንታይ ዓበይቲ ኣኼባታት ኢዮም ዝግበሩ፧ (5)

ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶምን ጨንፈር ኣብያተ⁠-ጽሕፈትን እንታይ ዕዮ ኢዩ ዝካየድ፧ (6)

1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ታሪኾም ብ1870ታት ኢዩ ጀሚሩ። ኣብ ፈለማ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ብ1931 ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ሓዙ። (ኢሳይያስ 43:⁠10) እታ ማሕበር ካብ ንእሽቶ ምጅማር ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ዝሓዘት ኰነት: እዚኣቶም ድማ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኣብ ስብከት ትሑዛት ኢዮም።

2. መብዛሕትአን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ኣኼባታት ኣለወን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ካብዚ ኣኼባታት ክትካፈል ተዓዲምካ ኣለኻ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) መጽሓፍ ቅዱስ ናይቲ ዝወሃብ ትምህርቲ መሰረት ኢዩ። ኣኼባታት ብጸሎት ኢዮም ዝኽፈቱን ዝዕጸዉን። ኣብ መብዛሕትኡ ኣኼባታት ድማ ካብ ልቢ ዝወጽእ “መንፈሳዊ ቕኔ [“መዝሙራት:” NW ]” ይዝመር ኢዩ። (አፌሶን 5:18, 19) መእተዊ ናጻ ኢዩ: ዝዀነ ይኹን እናዞርካ ዝግበር ገንዘብ ምእካብ እውን የለን።​—ማቴዎስ 10:⁠8

3. መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኢየን ኣኼባታት ዝገብራ። እዚ ኣደራሻት መንግስቲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ተራ ቅርጺ ዘለዎ ብወለንተኛታት መሰኻኽር እተሃንጸ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ምስሊ: መስቀል: ወይ ድማ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣይትርእን ኢኻ። ወጻኢታት በቲ ብወለንታ ዝግበር ወፈያታት ኢዩ ዝኽፈል። ነቶም ወፈያታት ክገ​ብሩ ዝደልዩ ሰባት: ናይ ወፈያ ሳጹን ኣሎ።​—2 ቈረንቶስ 9:⁠7

4. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሽማግለታት ወይ ድማ ተዓዘብቲ ኣለዉ። ኣብቲ ጉባኤ ድማ ኣብ ምምሃር መሪሕነት ይወስዱ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1⁠-⁠7፣ 5:⁠17) ብኣገልገልቲ ጉባኤ ድማ ይሕገዙ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠8⁠-​10, 12, 13) እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ካብቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ጉባኤ ልዕል ዝበሉ ኣይኰኑን። (2 ቈረንቶስ 1:⁠24) ፍሉይ መዓርጋት ኣይወሃቦምን ኢዩ። (ማቴዎስ 23:⁠8⁠-​10) ካብቶም ካልኦት ፍልይ ዝበለ ኣከዳድና የብሎምን። ወይ ድማ ነቲ ዝሰርሕዎ ኣይክፈሉን ኢዮም። እቶም ሽማግለታት ብፍታው ንመንፈሳዊ ድሌት ናይታ ጉባኤ ይሓልዩ። ኣብ ግዜ ሽግር ምጽንናዕን መምርሕን ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም።​—ያእቆብ 5:⁠14⁠-​16፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠2, 3

5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣሰምብሊታት ወይ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ይገብሩ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ብዙሓት ጉባኤታት ፍሉይ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንኽረኽባ ብሓንሳብ ይእከባ። ጥምቀት ናይ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኣስምብሊ ወይ ናይ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ኵሉ ግዜ ዝግበር ነገር ኢዩ።​—ማቴዎስ 3:⁠13⁠-​17፣ 28:⁠19, 20

6. ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዮርክ ኢዩ ዝርከብ። ኣብኡ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣሎ: እዚ ነታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ዝዕዘብ ብተመክሮ ዘለዎም ሽማግለታት ዝቘመ ማእከላይ ጕጅለ ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 100 ዝዀና ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት እውን ኣለዋ። ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ወለንተኛታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ምሕታምን ምጕዕዓዝን ይሕግዙ። ነቲ ዝግበር ናይ ስብከት ዕዮ ንምምሕዳር መምርሒ እውን ይወሃብ ኢዩ። ናብቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንኽትበጽሕ ስለምንታይ መደብ ዘይትገብር፧