ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ባህ ዘየብል እምነታትን ልምድታትን

ንኣምላኽ ባህ ዘየብል እምነታትን ልምድታትን

ትምህርቲ 11

ንኣምላኽ ባህ ዘየብል እምነታትን ልምድታትን

እቲ ጌጋ ዝዀነ እምነታትን ልምድታትን ኣየናይ ኢዩ፧ (1)

ክርስትያናት ኣምላኽ ስላሴ ኢዩ ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም ድዩ፧ (2)

ሓቀኛታት ክርስትያናት ልደት: በዓል ትንሳኤ: ወይ መዓልቲ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (3, 4)

ምዉታት ንህያዋን ክጐድኡ ይኽእሉ ድዮም፧ (5)

የሱስ ኣብ መስቀል ድዩ ሞይቱ፧ (6)

ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧ (7 )

1. ኵሉ እምነታትን ልምድታትን ኣይኰነን ሕማቕ። እንተዀነ ግን: ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመጹ ወይ ኣንጻር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝዀኑ ኣምላኽ ኣይሰምሮምን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 15:⁠6

2. ስላሴ:⁠- የሆዋ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝዀኑ ስላሴ ድዩ፧ ኣይኰነን! የሆዋ: እቲ ኣቦ: ‘በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ’ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3፣ ማርቆስ 12:⁠29) የሱስ በዅሪ ወዱ ኢዩ: ንኣምላኽ ድማ ዝግዛእ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3) ኣቦ ካብ ወዲ ዝዓቢ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠28) መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን፣ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ኢዩ።​—ዘፍጥረት 1:⁠2፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠18

3. ልደትን በዓል ትንሳኤን:⁠- የሱስ ብ25 ታሕሳስ ኣይተወልደን። ኣብ ከባቢ 1 ጥቅምቲ: ኣብቲ ጓሶት መጓሲኦም ሒዞም ኣብ በረኻ ዝሓድርሉ ናይ ዓመት እዋን ኢዩ ተወሊዱ። (ሉቃስ 2:⁠8⁠-​12) የሱስ ንክርስትያናት እተወልደሉ መዓልቲ ከብዕሉ ፈጺሙ ኣይኣዘዘን። ኣብ ክንድኡ ንደቀ መዛ​ሙርቱ ሞቱ ክዝክሩ ኢዩ ነጊርዎም። (ሉቃስ 22:⁠19, 20) ልደትን ምስኡ እተተሓሓዘ ልምድታትን ካብ ናይ ጥንቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመጸ ኢዩ። ከም እኒ እንቋቝሖን ማንቲለን ምጥቃም ዝኣመሰለ ምስ በዓል ትንሳኤ እተተሓሓዘ ልምድታት እውን ከምኡ ኢዩ። ናይ መጀመርታ ክርስትያናት ልደት ወይ በዓል ትንሳኤ ኣየብዕሉን ኢዮም ነይሮም: ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ኣየብዕሉን ኢዮም።

4. መዓልቲ ልደት:⁠- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ክልተ ናይ መዓልቲ ልደት በዓላት በቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት እተገብራ ኢየን። (ዘፍጥረት 40:⁠20⁠-​22፣ ማርቆስ 6:⁠21, 22, 24⁠-​27) ናይ መጀመርታ ክርስትያናት መዓልቲ ልደት ኣይኽብሩን ኢዮም ነይሮም። መዓ​ልቲ ልደት ናይ ምብዓል ልምዲ ካብ ናይ ጥንቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመጸ ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያ​ናት ኣብ ካልእ እዋን ናይ ዓመት ውህበት ይወሃሃቡ: ብሓባር ኰይኖም እውን ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ኢዮም።

5. ንምዉታት ምፍራህ:⁠- ምዉታት ምንም ክገብሩ ወይ ክስምዖም ኣይክእልን ኢዩ። ክንሕግዞም ኣይንኽእልን: ንሳቶም ድማ ንዓና ክጐድኡና ኣይክእሉን ኢዮም። (መዝሙር 146:⁠4፣ መክብብ 9:⁠5, 10) ነፍሲ ትመውት ኢያ፣ ሰብ ምስ ሞተ ምንባር ኣይትቕጽልን ኢያ። (ህዝቅኤል 18:⁠4) እንተዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ ኣጋንንቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ እኩያት መላእኽቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት መንፈስ ኣምሲሎም ይመጹ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ምስ ንምዉታት ምፍራህ ወይ ድማ ምምላኽ እተተሓሓዘ ልምዲ ጌጋ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 8:⁠19

6. መስቀል:⁠- የሱስ ኣብ መስቀል ኣይሞተን። ኣብ ሓደ ዓንዲ: ወይ ትኽ ዝበለ ዕንጨይቲ ኢዩ ሞይቱ። እታ ኣብ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳት “መስቀል” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ሓንቲ ቍራጽ ዕንጨይቲ ማለት ኢያ። ናይ መስቀል ምልክት ካብ ናይ ጥንቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመጸ ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርታ ክርስትያናት መስቀል ኣይጥቀሙን ወይ ኣየምልኹን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ኣምልኾ መስቀል ምጥቃም ቅኑዕ ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧​—⁠ዘዳግም 7:⁠26፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠14

7. ንገለ ካብዞም እምነታትን ልምድታትን እዚኣቶም ክትጥንጥኖም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣዝማድን ኣዕሩኽን እምነትካ ንኸይትልውጥ ከእምኑኻ ይፍትኑ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ንኣምላኸ ባህ ምባል ካብ ንሰብ ባህ ምባል ኣዝዩ ዝበልጽ ኢዩ።​—ምሳሌ 29:⁠25፣ ማቴዎስ 10:⁠36, 37

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ስላሴ ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ልደትን በዓል ትንሳኤን ካብ ጥንታዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝመጸ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንምዉታት እነምልኸሉ ወይ ድማ እንፈርሃሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን