ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ከተገልግል ዝገበርካዮ ውሳነ

ንኣምላኽ ከተገልግል ዝገበርካዮ ውሳነ

ትምህርቲ 16

ንኣምላኽ ከተገልግል ዝገበርካዮ ውሳነ

ዓርኪ ኣምላኽ ንኽትከውን እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ (1, 2)

ህይወትካ ንኣምላኽ ክትውፊ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1)

መዓስ ኢኻ ክትጥመቕ ዘለካ፧ (2)

ንኣምላኽ እሙን ኴንካ ክትነብር ዘኽእለካ ብርታዐ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ (3)

1. ዓርኪ ኣምላኽ ንኽትከውን ጽቡቕ ፍልጠት ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክትሕዝ ይግብኣካ (1 ጢሞቴዎስ 2:​3:​4): ኣብቲ እተማሃርካዮ ነገራት እምነት ግበር (እብራውያን 11:​6): ሓጢኣትካ ተናዘዝ (ግብሪ ሃዋርያት 17:​30, 31): ከምኡውን ብኣነባብራ ህይወትካ ተለወጥ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19) ድሕርዚ እቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ንዕኡ ንኽትውፊ ከለዓዕለካ ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ ብብሕትኻ: ኣብ ጸሎትካ ፍቓዱ ንኽትገብር ገዛእ ርእስኻ ትህብ ከም ዘለኻ ትነግሮ ማለት ኢዩ።​—ማቴዎስ 16:⁠24፣ 22:⁠37

2. ህይወትካ ንየሆዋ ምስ ወፈኻ ክትጥመቕ ኣለካ። (ማቴዎስ 28:​19, 20) ጥምቀት ህይወትካ ንየሆዋ ከም ዝወፈኻ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዝፈልጥ ዝገብር ኢዩ። ስለዚ እምብኣር: ክጥመቑ ዝኽእሉ እቶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ክውስኑ ዝኽእሉ ዓበይቲ ጥራይ ኢዮም። ሓደ ሰብ ክጥመቕ ከሎ ምሉእ ኣካላቱ ኣብ ትሕቲ ማይ ክኣቱ ኣለዎ። a​—⁠ማርቆስ 1:​9, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠36

3. ህይወትካ ምስ ወፈኻ: የሆዋ ምስቲ እተመባጻዕካዮ ተሰማሚዕካ ክትነብር ኢዩ ዝጽበየካ። (መዝሙር 50:⁠14፣ መክብብ 5:⁠4, 5) ድያብሎስ ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ከቋርጸካ ክጽዕር ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) እንተዀነ ግን: ብጸሎት ገይርካ ናብ የሆዋ ኣጸቢቕካ ቅረብ። (ፊልጲ 4:⁠6, 7) ቃሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣጽንዕ። (መዝሙር 1:⁠1⁠-3) ምስታ ጉባኤ ጥበቕ። (እብራውያን 13:⁠17) እዚ ዅሉ ብምግባር ንኣምላኽ እሙን ኴንካ ንምቕጻል ብርታዐ ክትረክብ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ንዘለኣለም ነቲ ኣምላኽ ካባኻ ዝደልዮ ብቕዓታት ክትገብር ክትክእል ኢኻ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንጥምቀት ንምድላው ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ድማ ካልእ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመ ተመሳሳሊ መጽሓፍ ምጽናዕ የድሊ ኢዩ።