ኣምላኽ መን ኢዩ፧
ትምህርቲ 2
ኣምላኽ መን ኢዩ፧
እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ: ስሙኸ መን ኢዩ፧ (1, 2)
እንታይ ዓይነት ኣካል ኢዩ ዘለዎ፧ (3)
እቲ ብሉጽ ባህርያቱ እንታይ ኢዩ፧ (4)
ንዕኡ ከነምልኽ ከሎና ስእልን ምስልን ክንጥቀም ይግብኣናዶ ኢዩ፧ (5)
ብዛዕባ ኣምላኽ ክንማሃረሉ እንኽእል ክልተ መግድታት እንታይ ኢዩ፧ (6)
1. ሰባት ብዙሕ ነገራት ኢዮም ዘምልኹ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኢዩ ዝነግረና። ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ዝፈጠረ ኢዩ። ንሱ ህይወት ስለ ዝሃበና ንዕኡ ጥራይ ኢና ከነምልኽ ዝግብኣና።—1 ቈረንቶስ 8:5, 6፣ ራእይ 4:11
2. ኣምላኽ ብዙሕ መዓርጋት ኣለዎ: ስሙ ግን ሓደ ኢዩ። እዚ ስም እዚ ድማ የሆዋ ኢዩ። ስም ኣምላኽ ካብ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱሳት ወጺኡ: በቲ ጐይታ ወይ ኣምላኽ ዝብል መዓርጋት ድማ ተተኪኡ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ ግን እቲ የሆዋ ዝብል ስም ገለ 7, 000 ግዜ ዝኸውን ነይሩ ኢዩ!—ዘጸኣት 3:15 NW ፣ መዝሙር 83:18 NW
3. የሆዋ ኣካል ኣለዎ: ከም ናትና ኣካል ግን ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 4:24) መንፈስ ካብ ናትና ህይወት ኣዝዩ ዝለዓለ ዓይነት ህይወት ኢዩ። ንኣምላኽ ርእይዎ ዝፈልጥ ሰብ ፈጺሙ የለን። የሆዋ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዝነብር: ንዅሉ ነገራት ግን ክርኢ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 11:4, 5፣ ዮሃንስ 1:18) መንፈስ ቅዱስከ ደኣ እንታይ ኢዩ፧ ከም ኣምላኽ ኣካል ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ።—መዝሙር 104:30
4. መጽሓፍ ቅዱስ ባህርያት የሆዋ ይገልጸልና ኢዩ። ፍቕሪ: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ሓይሊ እቲ ብሉጽ ባህርያቱ ምዃኑ የርኢ። (ዘዳግም 32:4፣ እዮብ 12:13፣ ኢሳይያስ 40:26፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ብተወሳኺ ምሕረተኛ: ሕያዋይ: ይቕረ በሃሊ: ለጋስ: ከምኡውን ዕጉስ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ንሕናውን ከም እዙዛት ደቁ መጠን ንዕኡ ክንመስሎ ክንጽዕር ኣሎና።—ኤፌሶን 5:1, 2
5. ኣብ ኣምልኾና ናብ ምስልታት: ስእልታት: ወይ ምልክታት ክንሰግድ ወይ ክንጽሊ ኣሎናዶ ኢዩ፧ ኣይፋልናን: ኣይግብኣናን ኢዩ! (ዘጸኣት 20:4, 5) የሆዋ ንዕኡ ጥራይ ከነምልኽ ከም ዝግብኣና ኢዩ ተዛሪቡ ዘሎ። ክብረቱ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ነገር ኣይካፈሎን ኢዩ። ምስልታት ክሕግዙና ሓይሊ የብሎምን።—መዝሙር 115:4-8፣ ኢሳይያስ 42:8
6. ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ክንፈልጦ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ሓደ መገዲ ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ብምዕዛብን እንታይ ትምህርቲ ከም ዘመሓላልፈልና ድማ ኣዕሚቝና ብምሕሳብን ኢዩ። ፍጥረታት ኣምላኽ ዓቢ ሓይልን ጥበብን ከም ዘለዎ የርእየና። ፍቕሩ ኣብ ኵሉ እቲ ዝፈጠሮ ነገራት ክርአ ይከኣል ኢዩ። (መዝሙር 19:1-6፣ ሮሜ 1:20) ብዛዕባ ኣምላኽ ክንማሃረሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ኢዩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዝያዳ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ ዕላማታቱን እንታይ ክንገብር ከም ዝደልየናን ይነግረና ኢዩ።—ኣሞጽ 3:7፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእልታት]
ካብ ፍጥረትን መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ኣምላኽ ንማሃር ኢና