ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

ትምህርቲ 5

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ ኢዩ፧ (1, 2)

ሕጂ ምድሪ ገነት ዘይኰነት ስለምንታይ ኢዩ፧ (3)

ንእኩያት ሰባት እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧ (4)

ኣብ መጻኢ ግዜ የሱስ ንሕሙማት: ብዕድመ ንዝደፍኡ: ንምዉታት እንታይ ክገብረሎም ኢዩ፧ (5, 6)

ኣብቲ ዝመጽእ በረኸታት ምእንቲ ክትካፈል እንታይ ክትገብር የድልየካ፧ (7)

1. የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ሰባት ህይወት እናስተማቐሩ ኣብኣ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢሉ ኢዩ። ምድሪ ኵሉ ግዜ ብጻድቃንን ሕጕሳትን ሰባት ክትመልእ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። (መዝሙር 115:⁠16፣ ኢሳይያስ 45:⁠18) ምድሪ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ኢያ፣ ንዘለኣለም ክትነብር ኢያ።​—መዝሙር 104:⁠5፣ መክብብ 1:⁠4

2. ኣምላኽ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ: ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ናይ ምድሪ መረጸ: ጽብቕቲ ገነት ገይሩ ድማ ሰርሓ። ገነት ኤደን ኢሉውን ጸውዓ። ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣዳምን ሄዋንን: ከኣ ኣብኣ ኣንበሮም። ኣምላኽ ዕላምኡ ደቂ ክወልዱ: ንዅላ ምድሪ ድማ ክመልእዋ ኢዩ ነይሩ። ቀስ እናበሉ ድማ ንምልእቲ ምድሪ ገነት ምገበርዋ ነይሮም።​—ዘፍጥርት 1:282:8, 15

3. ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ሕጊ ኣምላኽ ብምፍራሶም ሓጥኡ። ስለዚ ድማ የሆዋ ካብ ገነት ኤደን ሰጐጎም። ገነት ጠፍአት። (ዘፍጥረት 3:1⁠-6, 23) የሆዋ ግን እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ኣይረስዖን። ሰባት ንዘለኣለም ዝነብርዋ ገነት ክገብራ ተመባጺዑ ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ኢዩ ክገብሮ፧​—መዝሙር 37:⁠29

4. እዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ቅድሚ ምዃና እኩያት ሰባት ክጠፍኡ ኣለዎም። (መዝሙር 37:38) እዚ ድማ ኣብቲ ኣምላኽ እከይ ንምጥፋእ ዝገብሮ ውግእ ኣርማጌዶን ክኸውን ኢዩ። ድሕርዚ ሰይጣን ን1,000 ዓመት ክእሰር ኢዩ። እዚ ድማ ዝዀነ ይኹን እኩይ ሰብ ንምድሪ ንምብልሻው ኣይተርፍን ማለት ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ጥራይ ክድሕኑ ኢዮም።​—ራእይ 16:⁠14, 16፣ 20:⁠1⁠-3

5. ድሕርዚ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ን1,000 ዓመት ክነግስ ኢዩ። (ራእይ 20:⁠6) ቀስ እናበለ ንሓጢኣት ካብ ኣእምሮናን ኣካላትናን ከልግሶ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጥኦም ዝነበርዎ ፍጹማት ሰባት ክንከውን ኢና። ሽዑ ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ሞት ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ሕሙማት ሰባት ክሓውዩ: ዝኣረጉ ሰባት ድማ እንደገና መንእሰያት ክዀኑ ኢዮም።​—እዮብ 33:⁠25፣ ኢሰይያስ 33:24ራእይ 21:⁠3, 4

6. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ: እሙናት ሰባት ንምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ክዓዩ ኢዮም። (ሉቃስ 23:⁠43) ብተወሳኺ: ብምልዮናት ዝቝጸሩ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ምድሪ ሰብኣዊ ህይወት ክረኽቡ ክትንስኡ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ኣምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ነገራት ምስ ዝገብሩ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ክቕጽሉ ኢዮም። እንተዘይኰይኑ ግን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም።​—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 20:⁠11⁠-​15

7. በዚ ኸምዚ እምበኣር እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ክዕወት ኢዩ። ኣብዚ ንመጻኢ ዝህሉ በረኸታት ክትካፈል ትደሊዶ ኢኻ፧ ትደሊ እተድኣ ኴንካ ብቐጻሊ ብዛዕባ የሆዋ ምምሃርን ነቲ ዝደልዮ ብቕዓታት ምእዛዝን ምቕጻል ከድልየካ ኢዩ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ምክፋል ከምዚ ንምግባር ክሕግዘካ ኢዩ።​—ኢሳይያስ 11:9፣ እብራውያን 10:⁠24, 25

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ገነት ጠፊኣ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእልታት]

ድሕሪ ኣርማጌዶን ምድሪ ገነት ክትከውን ኢያ