ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት

ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት

ትምህርቲ 10

ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ሕማቕ ኢዩ ዝብሎ ነገራት ከመይ ክስማዓካ ኣለዎ፧ (1)

እንታይ ዓይነት ናይ ጾታዊ ርክብ ባህርያት ኢዮም ጌጋ ዝዀኑ፧ (2)

ሓደ ክርስትያን ንሓሶት (3) ቁማር (3) ስርቂ (3) ዓመጽ (4) ሓተታ መናፍስቲ (5) ስኽራን (6) ብኸመይ ክርእዮ ኣለዎ፧

ሓደ ሰብ ካብ ሕማቕ ተግባራት ናጻ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ (7)

1. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ዘበለ ኢዮም ዘፍቅሩ። እንተዀነ ግን: ንእከይ ዘበለ ምጽላእ እውን ክማሃሩ ይግብኦም ኢዩ። (መዝሙር 97:10) እዚ ማለት ድማ ገለ ኣምላኽ ዝጸልኦ ተግባራት ምልጋስ ማለት ኢዩ። ገለ ካብዚ ተግባራት እዚ እንታይ ኢዩ፧

2. ምንዝር:- ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ: ዝሙት: ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ምስ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ከምኡውን ግብረ ሶዶም ኵሉ ኣንጻር ኣምላኽ ዝግበር ከቢድ ሓጢኣት ኢዩ። (ዘሌዋውያን 18:6፣ ሮሜ 1:26 271 ቈረንቶስ 6:9 10) ሰብኣይን ሰበይትን ዘይተመርዓዉ ክንሶም ብሓንሳብ ዝነብሩ እንተድኣ ኰይኖም: ክፈላለዩ ወይ ድማ ብሕጋዊ መገዲ ክምርዓዉ ኣለዎም።—እብራውያን 13:4

3. ሓሶት: ቁማር: ስርቂ:- የሆዋ ኣምላኽ ክሕሱ ኣይክእልን ኢዩ። (ቲቶስ 1:2) ስምረቱ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ድማ ሓሶት ከርሕቑ ይግብኦም። (ምሳሌ 6:16-19፣ ቈሎሴ 3:9 10) ኵሉ ዓይነት ቁማር ብስስዐ እተሰነየ ኢዩ። ስለዚ ክርስትያናት ኣብ ከም እኒ ሎተሪ: ቅድድም ኣፍራስ: ከምኡውን ቢንጎ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ቁማር ኣይካፈሉን ኢዮም። (ኤፌሶን 5:3-5) ክርስትያናት ኣይሰርቁን እውን ኢዮም። እናፈለጡ እተሰርቀ ንብረት ኣይዕድጉን ወይ ድማ ብዘይፍቓድ ኣይወስዱን ኢዮም።—ዘጸኣት 20:15፣ ኤፌሶን 4:28

4. ናይ ሕርቃን ስምዒት: ዓመጽ:- ዘይተገትአ ሕርቃን ናብ ናይ ዓመጽ ተግባራት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:5-8) ሓደ ዓመጸኛ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 11:5፣ ምሳሌ 22:24 25) ሕነ ምፍዳይ ወይ ድማ ከምቲ ካልኦት ዝገበሩና ክፉእ ምግባር ጌጋ ኢዩ።—ምሳሌ 24:29፣ ሮሜ 12:17-21

5. ናይ ስራይ ተግባራትን ሓተታ መናፍስትን:- ገለ ሰባት ሕሙማት ከሕውዩ ብምፍታን ናይ መናፍስቲ ሓይሊ ይጽውዑ ኢዮም። ካልኦት ድማ ንጸላእቶም ከሕምሙ ወይ ድማ ክቐትሉ እውን ከይተረፈ ስራይ ይጥቀሙ ኢዮም። ድሕሪ ዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ዘሎ ሓይሊ ሰይጣን ኢዩ። ስለዚ ክርስትያናት ኣብ ዝዀነ ይኹን ካብዚኣቶም ክካፈሉ ኣይግብኦምን ኢዩ ። (ዘዳግም 18:9-13) ነቲ ካብ ካልኦት ዝግበረልና ስራይ ዝበለጸ መከላኸሊ ናብ የሆዋ ኣጸቢቕካ ምቕራብ ኢዩ።—ምሳሌ 18:10

6. ስኽራን:- ቁሩብ ወይኒ: ቢራ: ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ጌጋ ኣይኰነን። (መዝሙር 104:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23) እንተዀነ ግን: ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምስታይን ምስካርን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:8) ብዙሕ ብምስታይካ ጥዕናኻ ክጕዳእን ስድራቤትካ ክበታተንን ይኽእል ኢዩ። ንኻልእ ፈተናታት ቀልጢፍካ ኢድካ ከም እትህብ እውን ክገብረካ ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 23:20, 21, 29-35

7. እቶም ኣምላኽ ጌጋ ዝበሎ ነገራት ዝገብሩ ሰባት ‘መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን ኢዮም።’ (ገላትያ 5:19-21) ብሓቂ ንኣምላኽ ተፍቅርን ከተሐጕሶ ድማ ትደልን እንተድኣ ኴንካ ካብዚ ተግባራት እዚ ናጻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (1 ዮሃንስ 5:3) እቲ ኣምላኽ ሕማቕ ዝበሎ ነገራት ክትጸልእ ተማሃር። (ሮሜ 12:9) ምስቶም ኣምላኻዊ ልምዲ ዘለዎም ሰባት ሕበር። (ምሳሌ 13:20) ብሱላት ክርስትያናት ብጾት ናይ ሓገዝ ምንጪ ምዃኖም ከረጋግጹ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 5:14) ልዕሊ ዅሉ ድማ ብጸሎት ገይርካ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓገዝ ተወከል።—ፊልጲ 4:6, 7, 13

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእልታት]

ኣምላኽ ስኽራን: ስርቂ: ቁማር: ከምኡውን ናይ ዓመጽ ተግባራት ይጸልእ ኢዩ