ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ

ትምህርቲ 9

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ

ብዅሉ መገዲ ንጹሃት ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (1)

ብመንፈስ ንጹሃት (2) ብስነ⁠-ምግባር ንጹሃት (3) ብኣእምሮ ንጹሃት (4) ብኣካል ንጹሃት (5) ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፧

እንታይ ዓይነት ርኹስ ቃላት ኢና ከነርሕቕ ዘለና፧ (6)

1. የሆዋ ኣምላኽ ንጹህን ቅዱስን ኢዩ። ኣምለኽቱ ድማ ብመንፈስ: ብስነ⁠-ምግባር: ኣእምሮ: ከምኡውን ብኣካል ንጹሃት ክዀኑ ኢዩ ዝጽበዮም። (1 ጴጥሮስ 1:⁠16) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኴንካ ንምቕጻል ናይ ሓቂ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ርኽስቲ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስና ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ እውን ቃልሲ ኣሎና። እንተዀነ ግን: ተስፋ ክንቈርጽ ኣይግብኣናን ኢዩ።

2. መንፍሳዊ ንጽህና:⁠- ንየሆዋ ከነገልግሎ ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ዝዀነ ይኹን ትምህርትታት ወይ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንሕዝ ኣይንኽእል ኢና። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንወጽእ ኣሎና: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምድጋፉ ድማ ከነቋርጽ ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14⁠-18፣ ራእይ 18:⁠4) ሓንሳእ ሓቂ ምስ ፈለጥና: በቶም ሓሶት ዝምህሩ ሰባት ከይንስሕት ክንጥንቀቕ ይግብኣና።​—2 ዮሃንስ 10, 11

3. ስነ⁠-ምግባራዊ ንጽህና:⁠- የሆዋ ኣምለኽቱ ኵሉ ግዜ ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኰይኖም ክመላለሱ ኢዩ ዝደሊ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠12) ዝዀነ ይኹን ነገር: ነቲ ብሕቡእ እንገብሮ እውን ከይተረፈ ይርእዮ ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠13) ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ካልእ ርኹስ ተግባራት ናይዛ ዓለም እዚኣን ከነርሕቕ ኣለና።​—1 ቈረንቶስ 6:⁠9⁠-11

4. ኣእምሮኣዊ ንጽህና:⁠- ኣእምሮና ብንጹህን ጽፉፍን ሓሳባት እንተድኣ መሊእናዮ: ጠባይና እውን ንጹህ ክኸውን ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠8) ርኹስ ዝዀነ ነገራት ንሓስብ እንተድአ ኰይንና ግን እኩይ ተግባር ከም እንፍጽም ክገብረና ኢዩ። (ማቴዎስ 15:⁠18⁠-20) ንኣእምሮና ከበላሹ ዝኽእል ዓይነት መዘናግዒታት ከነርሕቕ ኣለና። ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ንኣእምሮና ንጹህ ሓሳባት ክንመልኦ ንኽእል ኢና።

5. ኣካላዊ ንጽህና:⁠- ክርስትያናት ንኣምላኽ ዝውክሉ ስለ ዝዀኑ ኣካላቶምን ክዳኖምን ንጹህ ገይሮም ክሕዙ ኣለዎም። ካብ ዓይኒ ምድሪ ምስ ወጻእና ኣእዳውና ክንሕጸብ ኣለና: መግቢ ቅድሚ ምብላዕና ወይ ምትንካፍና እውን ክንሕጸብ ኣለና። ግቡእ ዝዀነ ፋኛቱራ ዘይብልካ እንተድኣ ኰይኑ: ቀልቀል ክቕበር ኣለዎ። (ዘዳግም 23:⁠12, 13) ብኣካል ንጹህ ምዃን ንጽቡቕ ጥዕና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ናይ ሓደ ክርስትያን ገዛ ብውሽጡን ወጻኢኡን ጽፉፍን ንጹህን ክኸውን ይግባእ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ኣብነት ኰይኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

6. ንጹህ ዘረባ:⁠- ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ሓቂ ክዛረቡ ይግብኦም። ሓሰውቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይኣትዉን ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠25፣ ራእይ 21:⁠8) ክርስትያናት ሕማቕ ኣዘራርባ ኣይጥቀሙን ኢዮም። ሕማቕ ዋዛ ወይ ርኹስ ዛንታታት ኣይሰምዑን ወይ ንኻልኦት ኣይነግሩን ኢዮም። ብምኽንያት ንጹህ ዘረብኦም: ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምኡውን ኣብ ጐረባብቲ ፍሉያት ኰይኖም ኢዮም ዝርኣዩ።​—ኤፌሶን 4:⁠29, 31፣ 5:⁠3

[ኣብ ገጽ 18, 19 ዘሎ ስእልታት]

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያት ንጹሃት ክዀኑ ይግባእ