ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልኦት ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ ምሕጋዝ

ካልኦት ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ ምሕጋዝ

ትምህርቲ 15

ካልኦት ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ ምሕጋዝ

ብዛዕባ እቲ እትማሃሮ ዘለኻ ንኻልኦት እትነግሮም ስለምንታይ ኢኻ፧ (1)

ነቲ ብስራት ንመን ኢኻ ከተካፍሎ እትኽእል፧ (2)

ጠባይካ ኣብ ካልኦት እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧ (2)

መዓስ ኢኻ ምስታ ጉባኤ ሓቢርካ ክትሰብኽ እትኽእል፧ (3)

1. ክሳዕ ሕጂ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ተማሂርካ ኣለኻ። እዚ ፍልጠት እዚ ክርስትያናዊ ባህርይ ኣብ ምጥራይ ክመርሓካ ኣለዎ። (ኤፌሶን 4:⁠22⁠-​24) ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክትረክብ ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ኣድላዪ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ይኹን እምበር: ካልኦት እውን ክድሕኑ ምእንቲ ክኽእሉ ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ ከድልዮም ኢዩ። ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ንኻልኦት ክምስክሩሎም ይግባእ። እዚ ትእዛዝ ኣምላኽ ኢዩ።​—ሮሜ 10:⁠10፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠16፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

2. ነቲ እትማሃሮ ዘለኻ ጽቡቕ ነገራት ነቶም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ሰባት ብምክፋል ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ። ንስድራቤትካ: ኣዕሩኽካ: መማህርትኻ: ከምኡውን ንመሳራሕትኻ ንገሮም። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ ሕያዋይን ዕጉስን ኩን። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠24, 25) መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ካብቲ ሓደ ሰብ ዝብሎ ናብቲ ጠባዩ ዝያዳ ከም ዝርእዩ ዘክር። ስለዚ እቲ ጽቡቕ ጠባይካ ካልኦት ነቲ እትነግሮም መልእኽቲ ከም ዝሰምዑ ገይሩ ክስሕቦም ይኽእል ኢዩ።​—ማቴዎስ 5:⁠16፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠1, 2, 16

3. ጸኒሕካ ምስታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ሓቢርካ ከተገልግል ክትጅምር ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብቲ እትገብሮ ዕቤት ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ንሓደ ካልእ ሰብ ኣገልጋሊ የሆዋ ክኸውንን ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብን እንተድአ ሓጊዝካዮስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!​—1 ተሰሎንቄ 2:⁠19, 20