ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድያብሎስ መን ኢዩ፧

ድያብሎስ መን ኢዩ፧

ትምህርቲ 4

ድያብሎስ መን ኢዩ፧

ሰይጣን ድያብሎስ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧ (1, 2)

ሰይጣን ንሰባት ብኸመይ ኢዩ ዘስሕቶም፧ (3-7)

ንሰይጣን ክትጻረሮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧ (7)

1. እታ “ድያብሎስ” እትብል ቃል ብዛዕባ ካልእ ሰብ እኩይ ሓሶት ዝዛረብ ማለት ኢያ። “ሰይጣን” ከኣ ጸላኢ ወይ ተጻራሪ ማለት ኢያ። እዚኣተን ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ኣምላኽ እተዋህባ ስያመታት ኢየን። ብመጀመርታ ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ፍጹም መልኣኽ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ዳሕራይ ንገዛእ ርእሱ ኣልዒሉ ረኣያ: እቲ ብልክዕ ንኣምላኽ ዝግባእ ኣምልኾ ድማ ክወስድ ደለየ።​—ማቴዎስ 4:⁠8⁠-10

2. እዚ መልኣኽ እዚ: ሰይጣን: ንሄዋን ብተመን ገይሩ ተዛረባ። ሓሶት ብምንጋር ድማ ንኣምላኽ ከም ዘይትእዘዝ ገበራ። ስለዚ ሰይጣን “ንሉዓላውነት” ኣምላኽ ወይ ነቲ ከም ልዑል መጠን ዘለዎ ቦታ መጥቃዕቲ ኣውረደሉ። ሰይጣን ኣምላኽ ብዝግባእን ንዝበለጸ ጥቕሚ ተገዛእቱን የማሓድር ድዩ ኣየመሓድርን ዝብል ሕቶ ኣልዓለ። ብተወሳኺ ሰይጣን ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ይቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ዝብል ሕቶ ኣልዓለ። ከምዚ ብምግባሩ ሰይጣን ጸላኢ ኣምላኽ ኰነ። ስለዚ ድማ ኢዩ ሰይጣን ድያብሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ።​—ዘፍጥረት 3:⁠1⁠-5፣ እዮብ 1:⁠8⁠-11፣ ራእይ 12:⁠9

3. ሰይጣን ሰባት ንዕኡ ንኸምልኽዎ ከታልሎም ኢዩ ዝፍትን። (2 ቈረንቶስ 11:⁠3, 14) ሓደ ካብቲ ንምስሓት ዝጥቀመሉ መገዲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢዩ። ሓንቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ኣምላኽ ሓሶት ትምህር እንተድኣ ኰይና: ብሓቂ ንዕላማ ሰይጣን ኢያ እተገልግል። (ዮሃንስ 8:⁠44) ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀኑ ሰባት ንሓቀኛ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ ዘሎና ኢሎም ብቕንዕና ይኣምኑ ይዀኑ። ብሓቂ ግን ንሰይጣን ኢዮም ዘገልግሉ ዘለዉ። ንሱ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢዩ።​—2 ቈረንቶስ 4:⁠4

4. ሓተታ መናፍስቲ ሰይጣን ንሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምግባር ዝጥቀመሉ ካልእ መገዲ ኢዩ። ንኽከላኸሉሎም: ንኻልኦት ንምጕዳእ: ብዛዕባ መጻኢ ንምንባይ: ወይ ተኣምራት ንምግባር መናፍስቲ ይጽውዑ ይዀኑ። ብድሕሪ እዚ ዅሉ ተግባራት ዘሎ እኩይ ሓይሊ ሰይጣን ኢዩ። ንኣምላኽ ባህ ንምባል ምስ መናፍስቲ ምንም ርክብ ክህልወና የብሉን።​—ዘዳግም 18:⁠10⁠-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠18, 19

5. ሰይጣን ብሕልፍ ዝበለ ናይ ዓሌት ኵርዓት ከምኡውን ንፖለቲካውያን ማሕበራት ብምምላኽ ገይሩ እውን ንሰባት የስሕት ኢዩ። ገሊኣቶም ህዝቦም ወይ ዓሌቶም ካብ ካልኦት ዝሓሸ ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ግን ሓቂ ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) ካልኦት ሰባት ድማ ንናይ ሰብ ግድላት መፍትሒ ደልዮም ናብ ፓለቲካውያን ማሕበራት ይጥምቱ። ከምዚ ብምግባሮም ንመንግስቲ ኣምላኽ ይነጽግዋ። ንሳ እታ እንኮ መፍትሒ ግድላትና ኢያ።​—ዳንኤል 2:⁠44

6. ሰይጣን ንሰባት ዘስሕተሉ ካልእ መገዲ ድማ ናይ ሓጢኣት ባህግታት ክፍጽሙ ብምፍታን ኢዩ። የሆዋ ናይ ሓጢኣት ተግባራት ከም ዝጐድኡና ስለ ዝፈልጥ: ከነርሕቖም ይነግረና ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠7, 8) ገለ ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ክትሓብሮም ይደልዩ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ነዚ ነገራት እዚ ክትገብር ዝደልየካ ብሓቂ ሰይጣን ምዃኑ ዘክር።​—1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10፣ 15:⁠33

7. ሰይጣን ንየሆዋ ከም እትገድፎ ንምግባር መስጐግቲ ወይ ምጽራር ይጥቀም ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ስለ ዘሎኻ ገለ ካብቶም እት​ፈትዎም ሰባት ኣዝዮም ይሓርቁ ይዀኑ። ካልኦት ከኣ የላግጹልካ ይዀኑ። ግን ንህይወትካ ዝእውዳ መን ኢዩ፧ ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር ምእንቲ ከተቋርጽ ከፈራርሃካ ኢዩ ዝደሊ። ሰይጣን ክዕወት ኣይትሕደጎ! (ማቴዎስ 10:⁠34⁠-39፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9) ንሰይጣን ብምጽራርካ: ንየሆዋ ከተሐጕሶ ትኽእል: ንሉዓላውነቱ ድማ ክብ ከም እተብል ተርኢ።​—ምሳሌ 27:⁠11

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ሖሶት ሃይማኖት: ሓተታ መናፍስቲ: ከምኡውን ሃገራዊ ስምዒት ንሰባት የስሕቶም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ የሆዋ ምምሃርካ ብምቕጻል ንሰይጣን ተጻረሮ