ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 1

ውጽኢታዊ መእተዊ

ውጽኢታዊ መእተዊ

ግብሪ ሃዋርያት 17:22

ጽማቝ ሓሳባት፦ መእተዊኻ ተገዳስነት ኬለዓዕል፡ ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኬላሊ፡ ንሰማዕትኻ ስለምንታይ ኬገድሶም ከም ዚግባእ ኬርኢ ኣለዎ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ተገዳስነት ኣለዓዕል። ንሰማዕትኻ ዜገድሶም ሕቶ፡ ምሉእ ሓሳብ፡ ናይ ሓቂ ተመክሮ፡ ወይ ዜና ምረጽ።

  • ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኣላሊ። ኣብ መእተዊኻ፡ እቲ እትዛረበሉ ርእሰ ነገርን ዕላማ እቲ ዘረባኻን ንሰማዕትኻ ንጹር ከም ዚዀነሎም ግበር።

  • እቲ ርእሰ ነገር ስለምንታይ ከም ዜገድስ ኣርኢ። እቲ እትዛረቦ ነገር ምስቲ ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ግብራዊ ነገራት ኣሳንዮ። እቲ ርእሰ ነገር ብብሕቲ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ብንጹር ኪርድኡ ኣለዎም።