ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 10

ምልውዋጥ ድምጺ

ምልውዋጥ ድምጺ

ምሳሌ 8:4, 7

ጽማቝ ሓሳባት፦ መጠንን ቃናን ፍጥነትን ድምጽኻ ብምልውዋጥ፡ ሓሳባት ብንጹር ኣመሓላልፍ፡ ስምዒት እውን ኣለዓዕል።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • መጠን ድምጽኻ ቐያይር። ቀንዲ ነጥብታት ንምጕላሕን ንሰማዕትኻ ንምልዕዓልን መጠን ድምጽኻ ወስኽ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍርድታት ከተንብብ ከለኻ እውን፡ ከምኡ ግበር። ትጽቢት ንምፍጣር፡ ወይ ድማ ፍርሂ ወይ ጭንቀት ንምግላጽ፡ መጠን ድምጽኻ ነኪ።

  • ቃና ድምጽኻ ቐያይር። ኣብ ቋንቋኻ ግቡእ እንተ ዀይኑ፡ ውዕዉዕ ስምዒት፡ ዓቐን፡ ወይ ርሕቀት ንምግላጽ፡ ቃና ድምጽኻ ኣቕጥኖ። ሓዘን ወይ ጭንቀት ንምግላጽ፡ ቃና ድምጽኻ ኣርጕዶ።

  • ፍጥነት ድምጽኻ ቐያይር። ውዕዉዕ ስምዒት ንምግላጽ ብፍጥነት ተዛረብ። ኣገዳሲ ነጥብታት ንምግላጽ ፍጥነት ነኪኻ ተዛረብ።