ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 11

ውዕዉዕ ኣዘራርባ

ውዕዉዕ ኣዘራርባ

ሮሜ 12:11

ጽማቝ ሓሳባት፦ ብቕንኣት ወይ ብውዕዉዕ መንፈስ ብምዝራብ፡ ንሰማዕትኻ ኣነቓቕሓዮምን ኣለዓዕሎምን።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • እቲ ትምህርቲ ንልብኻ ይተንክዮ። ሓደ ትምህርቲ ኸተቕርብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ መልእኽቲ ብዕምቈት ሕሰበሉ። ነቲ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ ፍለጦ፣ በዚ ኸምዚ ኻብ ልቢ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። እቲ እተንብቦ ወይ እትምህሮ ሓበሬታ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ኣስተንትን። ሰማዕትኻ ነቲ ሓበሬታ እቲ ዘለዎም ግንዛበ ብዜስፍሕ መገዲ ኸተቕርብ ጽዓር።

  • ንኣቀራርባኻ ህያው ግበሮ። ብቕንኣት ተዛረብ። ስምዒትካ ንምንጽብራቕ ባህርያዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጽን ተጠቐም።