መጽናዕቲ 11
ውዕዉዕ ኣዘራርባ
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
-
እቲ ትምህርቲ ንልብኻ ይተንክዮ። ሓደ ትምህርቲ ኸተቕርብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ መልእኽቲ ብዕምቈት ሕሰበሉ። ነቲ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ ፍለጦ፣ በዚ ኸምዚ ኻብ ልቢ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
-
ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። እቲ እተንብቦ ወይ እትምህሮ ሓበሬታ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ኣስተንትን። ሰማዕትኻ ነቲ ሓበሬታ እቲ ዘለዎም ግንዛበ ብዜስፍሕ መገዲ ኸተቕርብ ጽዓር።
-
ንኣቀራርባኻ ህያው ግበሮ። ብቕንኣት ተዛረብ። ስምዒትካ ንምንጽብራቕ ባህርያዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጽን ተጠቐም።