ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 13

ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ

ምሳሌ 3:21

ጽማቝ ሓሳባት፦ እቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ ኸመይ ገይሩ ንህይወቶም ከም ዚጸልዎ ኣረድኣዮም፣ በቲ እተማህርዎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ድማ ኣርእዮም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። ሰማዕትኻ ነቲ እተካፍሎም ዘለኻ ሓበሬታ ስለምንታይ ኪሰምዕዎ ኸም ዜድልዮም ኣስተንትን፣ እንታይ መዳይ እቲ ጕዳይ ብፍላይ ከም ዚጠቕሞም እውን ሕሰብ።

  • ኣብ ብምሉኡ ትምህርትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ሓብሮም። ነፍሲ ወከፍ ሰማዒ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ‘እዚ ይምልከተኒ እዩ’ ኢሉ ኺሓስብ ኣለዎ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት በብሓደ ኸተማዕብሎ ኸለኻ፡ ብኸመይ ግብራዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣርኢ። ነቲ ነጥብታት ብድብድቡ ኣይተቕርቦ።