ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 14

ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ

እብራውያን 8:1

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ንመደረኻ ኺከታተልዎ ሓግዞም፣ ኵሉ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ምስቲ ዕላማኻን ፍረ ነገርካን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ከኣ ኣነጽር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ዕላማ ይሃሉኻ። መደረኻ ንሰማዕትኻ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ንምእማን፡ ወይ ንምልዕዓል እንተ ዀይኑ ፈሊጥካ፡ ብእኡ መሰረት ኣማዕብሎ። ኵሉ ቐንዲ ነጥብታት ነቲ ዕላማ እቲ ንምውቃዕ ኪሕግዘካ ኣለዎ።

  • ፍረ ነገር መደረኻ ኣጕልሕ። ኣብ ብምሉኡ መደረኻ ቐንዲ ቓላት እቲ ፍረ ነገር ወይ ተመሳሳሊ ቓላት ብምድግጋም፡ ነቲ ፍረ ነገር ደጋጊምካ ጥቐሶ።

  • ቀንዲ ነጥብታትካ ንጹርን ቀሊልን ግበሮ። ምስ ፍረ ነገርካ ዚዛመድን ኣብቲ እተመደበልካ ግዜ ብግቡእ ክትምህሮ እትኽእልን ቀንዲ ነጥብታት ጥራይ ሕረ። ብዝሒ ቐንዲ ነጥብታት ደረት ግበረሉ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት በብሓደ ብንጹር ጥቐሶ፡ ኣብ መንጎ እቲ ነጥብታት ኣዕርፍ፡ ካብ ሓደ ነጥቢ ናብ ካልእ ከኣ ብዘይ ዕንቅፋት ስገር።