ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 16

ሃናጽን ኣወንታውን

ሃናጽን ኣወንታውን

እዮብ 16:5

ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣብ ጸገም ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍታሕ ኣተኵር፣ ከምኡ ድማ ንሰማዕቲ እምንቶ ኣብ ዜሕድረሎም ነገራት ኣተኵር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብዛዕባ ሰማዕትኻ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዀስኵስ። ክርስትያናት ብጾትካ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ኸም ዚደልዩ ጌርካ ሕሰብ። ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ እውን እንተ ዀነ፡ ብእተኻእለ መጠን ፈለማ ኻብ ልቢ ንኣድ።

  • ኣሉታዊ ነገራት ኣይተብዝሕ። ኣሉታዊ መዳይ ክትጠቅስ ከለኻ፡ ነቲ ጠቓሚ ዕላማ ዘለዎ ጥራይ ጥቐሶ። ሓፈሻዊ ኣቀራርባኻ ኣወንታዊ ኪኸውን ኣለዎ።

  • ንቓል ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። ናብቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣቐዲሙ ዝገበሮን ሕጂ ዚገብሮ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚገብሮን ከም ዜተኵሩ ግበሮም። ንሰማዕትኻ ተስፋን ትብዓትን ኣስንቆም።