ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 18

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

ንሰማዕትኻ ዜስተምህር

1 ቈረንቶስ 9:19-23

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ግበሮም፡ ዚረብሕ ነገር ከም እተማህሩ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ግበር።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ነቲ ሰማዕትኻ ድሮ ዚፈልጥዎ ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ነገር ኣብ ክንዲ ምድጋም፡ ነቲ ጕዳይ ብሓድሽ ኣንፈት ኣርእዮም።

  • ምርምር ግበርን ኣስተንትንን። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣገዳሲ ሓሳባት ንምግላጽ፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ሓቅታት ወይ ህሉው ፍጻመታት ተጠቐም። ብዛዕባ እቲ እተቕርቦ መልእኽትን እዚ ምስቲ ኽትጠቕሶ ዝሓሰብካ ሓቅታት ብዛዕባ ዘለዎ ምትእስሳርን ብዕምቈት ሕሰብ።

  • መልእኽትኻ ዘለዎ ጥቕሚ ኣርኢ። ሰማዕትኻ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ግለጽ። ብዛዕባ እቲ ንሰማዕትኻ ዚምልከቶም ዝርዝር ኵነታትን ኣረኣእያን ተግባራትን ግለጽ።