ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 2

ዝርርባዊ ኣቀራርባ

ዝርርባዊ ኣቀራርባ

2 ቈረንቶስ 2:17

ጽማቝ ሓሳባት፦ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይን ብዛዕባ ሰማዕትኻን ዘሎካ ስምዒት ንምግላጽ ባህርያውን ልባውን ብዝዀነ መገዲ ተዛረብ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ብጸሎት ተጠንቂቕካ ተዳሎ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ መልእኽትኻ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ። ነቲ ኸተመሓላልፎ ዘሎካ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ብንጹር ሓዞ። ብናትካ ኣዘራርባ ሓሳባት ግለጽ፣ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ ጌርካ ቓል ብቓሉ ኣይትድገም።

  • ካብ ልቢ ተዛረብ። ሰማዕትኻ ነቲ መልእኽቲ ስለምንታይ ኪሰምዕዎ ኸም ዜድልዮም ሕሰብ። ኣባታቶም ኣተኵር። ሽዑ፡ ኣቃውማኻን ኣካላዊ ምንቅስቓስካን ኣብ ገጽካ ዚንበብ መግለጽን ነቲ ልባዊ ዘረባኻን ምቕላለኻን ኬንጸባርቖ እዩ።

  • ንሰማዕትኻ ጠምቶም። ዓይኒ ዓይኒ ምጥማት ቅር ዜብል እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሰማዕትኻ ጠምቶም። መደረ ኸተቕርብ ከለኻ፡ ንዅሎም እቶም ጕጅለ ብሓባር ኣብ ክንዲ እትርእዮም፡ ወይ ከየተኰርካሎም ናብዝን ናብትን እናበልካ ኣብ ክንዲ እትርእዮም፡ በብተራ ንውልቀ ሰባት ንእተወሰነ ግዜ ጠምቶም።