ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 20

ውጽኢታዊ መደምደምታ

ውጽኢታዊ መደምደምታ

መክብብ 12:13, 14

ጽማቝ ሓሳባት፦ ኣብ መደምደምታ ዘረባኻ፡ ሰማዕትኻ ነቲ እተማህርዎ ኪቕበልዎን ኪትግብርዎን ተማሕጸኖም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ንመደምደምታኻ ምስቲ ሓፈሻዊ ርእሰ ነገር ኣተሓሕዞ። ንቐንዲ ነጥብታትካን ንፍረ ነገርካን ዳግም ጥቐሶ ወይ ብኻልእ ቃላት ለዊጥካ ጥቐሶ።

  • ንሰማዕትኻ ኣለዓዕሎም። ንሰማዕትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም፡ ከምኡ ንምግባር ዜድሊ ጽቡቕ ምኽንያታት ድማ ሃቦም። ነቲ እትብሎ ኸም እትኣምነሉ ብዜርኢ መገዲ ብዕቱብ ተዛረብ።

  • ንመደምደምታኻ ቐሊልን ሓጺርን ግበሮ። ሓድሽ ቀንዲ ነጥቢ ኣይተእቱ። ኣብ ተግባር ምእንቲ ኼውዕልዎ፡ ብሒደት ቃላት ጌርካ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ኣቕርብ።