ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 4

ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሉ

ማቴዎስ 22:41-45

ጽማቝ ሓሳባት፦ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ንኣእምሮ ሰማዕትኻ ኣዳልዎ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ስለምንታይ ነታ ጥቕሲ ተንብብ ከም ዘለኻ ሕሰብ። ዝዀነ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ሰማዕትኻ ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብታ ጥቕሲ እተጕልሖ ዘለኻ ቐንዲ ነጥቢ ኸም ዚገብሩ ጌርካ ኣላሊ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንዘለዎ ስልጣን ጥቐሶ። ብኣምላኽ ንዚኣምኑ ሰባት ክትዛረብ ከለኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጠቒስካ ተዛረብ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ምንጪ ጥበብ ምዃኑ ኽትሕብር ኢኻ።

  • ኣብቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዜሕድሩ ግበር። እቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምልሶ ሕቶ ሕተት፡ እቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፈትሖ ጸገም ጥቐስ፡ ወይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ዛንታ ዚገልጾ መሰረታዊ ስርዓት ግለጽ።