ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 6

ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

ኣወዓዕላ ጥቕስታት ነጺሩ

ዮሃንስ 10:33-36

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ጥራይ ናብ ዚቕጽል ነጥቢ ኣይትሕለፍ። እቲ ኣብ መንጎ እቲ ዘንበብካዮ ጥቕስን ከተመሓላልፎ ዝደለኻ ነጥብን ዘሎ ምትእስሳር ንሰማዕትኻ ኣነጽረሎም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ቀንዲ ቓላት ፈሊኻ ኣጕልሕ። ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምንባብካ፡ ነቲ ምስቲ ቐንዲ ነጥቢ ብቐጥታ ዚዛመድ ቃላት ኣጕልሕ። ነዚ ድማ ነተን ቃላት ብምድጋም ወይ ሰማዕትኻ ነተን ቀንዲ ቓላት ኬለልዩ ዚሕግዝ ሕቶ ብምሕታት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

  • ኪዝክርዎ እትደልዮ ነጥቢ ኣጕልሕ። ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባብካ፡ ንጹር ምኽንያት ጠቒስካ ነታ ጥቕሲ እንተ ኣላሊኻያ፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ዘሎ ቐንዲ ቓላት ምስቲ ምኽንያት ብኸመይ ከም ዚዛመድ ግለጽ።

  • ኣወዓዕላኡ ቐሊል ግበሮ። ንቐንዲ ነጥቢ ኣበርክቶ ንዘይገብርን ተዛማድነት ንዘይብሉን ዝርዝር ነጥብታት ሓሳብ ኣይትሃበሉ። ኣብቲ ሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚፈልጥዎ ነገራት ተመርኲስካ፡ ንኣወዓዕላ እቲ ነጥቢ ንጹርን ርዱእን ንምግባር ክንደይ ጭቡጥ ሓሳባት ከም ዜድሊ ወስን።