ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 7

ልክዕን ዜእምንን

ልክዕን ዜእምንን

ሉቃስ 1:3

ጽማቝ ሓሳባት፦ ሰማዕትኻ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ እሙን መርትዖ ተጠቐም።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • እሙን ምንጭታት ተወከስ። ሓሳባትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ግበር፣ እንተ ተኻኢሉ ብቐጥታ ኻብኡ ኣንብብ። ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት፡ ጸብጻብ ዜና፡ ተመክሮ፡ ወይ ካልእ ደጋፊ መርትዖ ኽትጠቅስ እንተ ደሊኻ፡ ምንጭኻ እሙንን ግዜኡ ዘይሓለፎን ምዃኑ ኣቐዲምካ ኣረጋግጽ።

  • ንምንጭታት ብግቡእ ተጠቐመሉ። ኣወዓዕላ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገልጽ ከለኻ፡ ምስቲ እተሰዅዓሉ ኸባብን ምስቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ምስቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜውጽኦ ጽሑፋትን ተሰማሚዕካ ግለጽ። (ማቴ. 24:45) ካብ ዓለማዊ ምንጭታት ንእትጠቕሶ ጥቕሲ፡ ምስቲ ኣብ ፈለማ እተሰዅዓሉ ኸባብን ምስቲ እቲ ጸሓፊ ሓሊንዎ ዝነበረ ሓሳብን ተሳኒኻ ተጠቐመሉ።

  • ነቲ መርትዖ ኸም ዚሓስቡሉ ግበር። ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብካ ወይ ምንጪ ምስ ጠቐስካ፡ ሰማዕትኻ ናብ ናቶም መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብሜላ ሕቶታት ሕተቶም ወይ ነቲ ነጥቢ ኣብርሃሎም።