ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ 8

ዚምህር ምሳሌታት

ዚምህር ምሳሌታት

ማቴዎስ 13:34, 35

ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ እትምህሮ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ብዚስሕብን ኣገዳሲ ነጥብታት ብዚምህርን ቀሊል ምሳሌታት ጌርካ ሰልሞ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ቀሊል ምሳሌታት ሕረ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ንዓበይቲ ነገራት ንምግላጽ፡ ንኣሽቱ ነገራት ተጠቐም፣ ንኸበድቲ ነገራት ንምግላጽ ከኣ፡ ቀለልቲ ነገራት ተጠቐም። ነቲ ምሳሌ ዚሓላልኾ ዘየድሊ ዝርዝር ነጥብታት ኣይትወስኽ። ኣብቲ ምሳሌ ዘሎ ዝርዝር ነገራት ምስቲ እትምህሮ ትምህርቲ ኸም ዚዛመድ ኣረጋግጽ፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሰማዕትኻ በቲ ዘይተዛመደ ነጥብታት ኣቓልቦኦም ኪስረቕ እዩ።

  • ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ሰማዕትኻ ዚነጥፉሉን ዚግደሱሉን ነገራት፡ ከም ምሳሌታት ጌርካ ሕረ። ምሳሌታትካ ኸየሕፍሮም ወይ ቅር ከየብሎም ተጠንቀቕ።

  • ቀንዲ ነጥቢ ምሃር። ንንኣሽቱ ዝርዝራት ዘይኰነስ፡ ንቐንዲ ነጥብታት ብምሳሌታት ጌርካ ኣጕልሓዮ። ሰማዒኻ ነቲ ምሳሌ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽትምህሮ እትደልዮ ነጥቢ ኸም ዚዝክሮ ግበር።