ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ

ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ

ምዕራፍ 34

ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ

ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ከም ገንሸል ኣምላኽ ካብ ዘፋልጦን የሱስ ከኣ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምርን ዳርጋ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኢዩ ሓሊፉ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንድርያስ: ስምኦን ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ምናልባት እውን ያእቆብ (ሓው ንዮሃንስ): ከምኡውን ፊልጶስን ናትናኤልን (በርተሎሜዎስ እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ) እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ገለ ግዜ ብዙሓት ካልኦት እውን ንየሱስ ሰዓብዎ።

ሕጂ የሱስ ሃዋርያት ዝዀንዎ ክመርጽ ተቐረበ። እዚኣቶም ፍሉይ ምልምማድ ዝወሃቦም ናይ ማሕርሮ ኣዕሩኽቱ ዝዀኑ ኢዮም። ቅድሚ ምምራጹ ግን የሱስ ናብ ጎቦ ደየበ ኣብኡ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓደረ: ምናልባት ካብ ኣምላኽ ጥበብን በረኸትን ንኽውሃቦ ክልምን ኢዩ ዝኸውን ሓዲሩ። ምስ ወግሐ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸውዖም ካብኦም ከኣ 12 ሓረየ። ይኹን እምበር: ተማሃሮ የሱስ ምዃኖም ስለ ዝቐጸሉ ገና ደቀ መዛሙርቲ ተባሂሎም እውን ይጽውዑ ነበሩ።

እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ የሱስ ዝሓረዮም ሽዱሽተ: እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ኢዮም። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ከሎ የሱስ ዝጸውዖ ማቴዎስ እውን ተሓርዩ ኢዩ። እቶም ካልኦት እተሓርዩ ሓሙሽተ ኸኣ ይሁዳ (ታድዮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ): ይሁዳ ኣስቆሮታዊ: እቲ ወዲ ቃና ዝዀነ ስምኦን: ቶማስ: ከምኡውን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ ኢዮም። እዚ ያእቆብ እዚ ምናልባት ደቂቕ ብምንባሩ ወይ ከኣ ካብቲ ሓደ ሃዋርያ ያእቆብ ዝነኣሰ ብምንባሩ ኢዩ ዝኸውን እቲ ንእሽቶ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ዝነበረ።

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ እዞም 12 እዚኣቶም ንገለ ግዜ ምስ የሱስ ነይሮም ኢዮም ጽቡቕ ገይሩ ኸኣ ይፈልጦም ነበረ። ብዙሓት ካብኣቶም እኳ ደኣ ኣዝማዱ ኢዮም። ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን ንየሱስ ደቂ ሓትንኡ ኢዮም። እልፍዮስ ሓደ ካብ ኣሕዋት እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ዮሴፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ሃዋርያ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ እውን ንየሱስ ወዲ ሓወቡኡ ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ።

የሱስ ንስም ናይ ሃዋርያቱ ንምዝካር ኣይሽገርን ነበረ። ንስኻ ግን ትዝክሮምዶ፧ ክልተ ስምኦን: ክልተ ያእቆብ: ክልተ ይሁዳ ከም ዘለዉ እሞ: ስምኦን ከኣ እንድርያስ ዝብሃል ሓዉ ከም ዘለዎ: ያእቆብ ከኣ ዮሃንስ ዝብሃል ሓዉ ከም ዘለዎ ጥራይ ዘክር። እዚ ንሸሞንተ ሃዋርያት ንኽትዝክር ዝሕግዘካ መገዲ ኢዩ። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኸኣ እቲ ተጋዊ (ማቴዎስ): እቲ ደሓር እተጠራጠረ (ቶማስ): እቲ ካብ ትሕቲ ገረብ እተጸውዐ (ናትናኤል): ከምኡውን ዓርኩ ፊልጶስ ኢዮም።

ዓሰርተ ሓደ ካብቶም ሃዋርያት ካብቲ ዓዲ የሱስ ዝዀነ ገሊላ ዝመጹ ኢዮም። ናትናኤል ወዲ ቃና ኢዩ። ፊልጶስ: ጴጥሮስ: ከምኡውን እንድርያስ መበቈሎም ካብ ቤተ-ሳይዳ ኢዩ: ጴጥሮስን እንድርያስን ግን ደሓር ናብ ቅፍርናሆም ከዱ: ማቴዎስ እውን ኣብኡ ዝነብር ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ያእቆብን ዮሃንስን ስርሖም ዓሳ ምግፋፍ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ምናልባት ኣብ ቅፍርናሆም ወይ ኣብ ጥቕኡ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ካብ ምድሪ ይሁዳ እቲ ደሓር ዝኸሓዶ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ማርቆስ 3:⁠13⁠-​19፣ ሉቃስ 6:⁠12⁠-​16

▪ ኣዝማድ የሱስ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣየኖት ሃዋርያት ኢዮም፧

▪ ሃዋርያት የሱስ መን ኢዮም: ስሞምከ ብኸመይ ክትዝክሮ ትኽእል፧

▪ እቶም ሃዋርያት ካበየናይ ከባቢ ዝመጹ ኢዮም ነይሮም፧