ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ሓይሊ ዘለዎ ተደላዪ ገዛኢ

ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ሓይሊ ዘለዎ ተደላዪ ገዛኢ

ምዕራፍ 53

ልዕሊ ሰብ ዝዀነ ሓይሊ ዘለዎ ተደላዪ ገዛኢ

የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ነቶም ኣሽሓት ሰባት ምስ መገቦም እቶም ህዝቢ ተገረሙ። “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ” በሉ። የሱስ ካብ ሙሴ ዝዓቢ ነብዪ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዝዩ ዝብሃግ ገዛኢ እውን ምዃኑ ኢዮም ደምዲሞም። ስለዚ ክሕዝዎ እሞ ንጉስ ክገብርዎ ሓሰቡ።

የሱስ ግን እቶም ሰባት ዝሓስብዎ ዝነበሩ ፈለጠ። ስለዚ ብሓይሊ ከይወሰድዎ ከለዉ ቀልጢፉ ኣልገሰ። ነቶም ሰባት ኣሰናበቶም: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ ጃልባ ደዪቦም ንቅፍርናሆም ገጾም ክኸዱ ኣገደዶም። ንሱ ኸኣ ክጽሊ ናብ ጎቦ ደየበ። እታ ለይቲ እቲኣ የሱስ ንበይኑ ኣብኡ ነበረ።

ቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ኸኣ የሱስ ኣብ ላዕሊ ኰይኑ: ብርቱዕ ንፋስ ኣብቲ ባሕሪ ማዕበል ይገብር ከም ዘሎ ረኣየ። በዓል ፋስጋ ዝቐረበሉ ግዜ ስለ ዝነበረ: የሱስ ብብርሃን ናይታ ዳርጋ ምልእቲ ዝነበረት ወርሒ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣንጻር እቲ ንፋስ ንምኻድ ኣብታ ጃልባ ዀይኖም ክጽዕሩ ረኣዮም። እቶም ሰባት ብምሉእ ሓይሎም ይጅልቡ ነበሩ።

የሱስ እዚ ምስ ረኣየ ካብቲ ጎቦ ወሪዱ ናብታ ጃልባ ገጹ ብማእከል እቲ ማዕበል ብእግሩ ክኸይድ ጀመረ። የሱስ ኣብታ ጃልባ ኽበጽሕ ከሎ ዳርጋ ሓሙሽተ ወይ ከኣ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ከይዳ ነበረት። ይኹን እምበር: ሓሊፍዎም ክኸይድ ከም ዝደለየ ስቕ ኢሉ ቀጸለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ረኣይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ጨደሩ።

የሱስ “ኣጆኹም: ኣነ እየ: ኣይትፍርሁ” ብምባል ኣጸናንዖም።

ጴጥሮስ ግን “ጐይታይ: ንስኻ እንተ ዄንካስ: ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ አዝዘኒ” በሎ።

የሱስ ከኣ “ንዓ” በሎ።

ካብኡ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወጺኡ ብማየ ማይ ኣቢሉ ናብ የሱስ ገጹ ኸደ። ነቲ ማዕበል ምስ ረኣየ ግን ጴጥሮስ ፈርሀ እሞ ክጥሕል ምስ ጀመረ “ጐይታይ: ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ።

የሱስ ከኣ ኢዱ ብኡንብኡ ብምዝርጋሕ “ኣታ ጕዱል እምነት: ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧” እናበለ ሓዞ።

ጴጥሮስን የሱስን ናብታ ጃልባ ምስ ተመልሱ እቲ ንፋስ ሃድአ: እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ተገረሙ። እንተዀነ ግን: ክግረሙ ይግብኦምዶ ነይሩ፧ የሱስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ንኣሽሓት ሰባት ብሓሙሽተ ጐጎን ክልተ ዓሳን ጥራይ ምምጋቡ ብምግንዛብ ትርጕም ናይቲ ‘ናይ እንጌራ ነገር ኣስተውዒሎም’ ነይሮም እንተዝዀኑ: የሱስ ብማየ ማይ ኣቢሉ ምምጽኡን ነቲ ማዕበል ምህድኡን ኣይምገረሞምን ነይሩ። ይኹን እምበር: ሕጂ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ሰገዱሉ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ናብ ጌንሳሬጥ በጽሑ: እቲ ቦታ ጥቓ ቅፍርናሆም ዝርከብ ፈራዪ ጐልጐል ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ ነታ ጃልባ ኣሰርዋ። ናብቲ ገምገም ምስ በጽሑ ግን ሰባት ንየሱስ ኣለለይዎ እሞ ናብቲ ከባቢ ዓድታት ለኣኹ: እቶም ዝሓመሙ ኸኣ መጹ። ብቓሬዛ ተሰኪሞም ምስ ኣምጽእዎም ጫፍ ክዳን የሱስ ጥራይ ብምትንካፍ ሓወዩ።

ሽዑ እቶም ንኣሽሓት ህዝቢ ክምግብ ከሎ ዝረኣይዎ ሰባት የሱስ ከም ዝኸደ ፈለጡ። ስለዚ እተን ካብ ጥብርያዶስ ዝመጻ ንኣሽቱ ጀላቡ ኣብኡ ምስ በጽሓ: ኣብአን ደይቦም ንየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ምስ ረኸብዎ ኸኣ “ረቢ: መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ ቀጺልና ከም እንርእዮ ገንሖም። ዮሃንስ 6:⁠14⁠-​25፣ ማቴዎስ 14:⁠22⁠-​36፣ ማርቆስ 6:⁠45⁠-​56

▪ የሱስ ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ምስ መገቦም እቶም ሰባት እንታይ ክገብርዎ ደለዩ፧

▪ የሱስ ኣብቲ ዝነበሮ ጎቦ ኰይኑ እንታይ ረኣየ: ካብኡኸ እንታይ ገበረ፧

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቱ በዚ ነገራት እዚ ክግረሙ ዘይነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ኣብቲ ገምገም ምስ በጽሑ እንታይ ኣጋጠመ፧