ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ህዝቢ ይጠፍኡ: ኵሎም ግን ኣይኰኑን

ሓደ ህዝቢ ይጠፍኡ: ኵሎም ግን ኣይኰኑን

ምዕራፍ 79

ሓደ ህዝቢ ይጠፍኡ: ኵሎም ግን ኣይኰኑን

የሱስ ኣብ ኣፍ ደገ እንዳ እቲ ፈሪሳዊ ኰይኑ ምስቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምዝራቡ: ገሊኦም “ብዛዕባ እቶም [እቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጢዮስ] ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ።” ጲላጦስ ካብቲ ሳጹን ምጽዋት ገንዘብ ወሲዱ ንየሩሳሌም ዝኸውን መትረብ ማይ ክሰርሕ ምስ ደለየ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ተቓወምዎ። እዞም ገሊላውያን እዚኣቶም ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ እተቐትሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ንየሱስ እዚ ነገር እዚ ዝነግርዎ ዝነበሩ ሰባት: ገሊላውያን እዚ መዓት እዚ ዝወረዶም በቲ እኩይ ተግባራቶም ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነይርዎም ይኸውን ኢዩ።

ይኹን እምበር: የሱስ ኣተሓሳስብኦም ንምዕራይ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ: ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም አሎ፧” ብምባል ሓተቶም። “ኣይፋሎም” ኢሉ መሰለ። ድሕርዚ ነቲ ኣጋጣሚ ነቶም ኣይሁድ “እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ: ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም” ኢሉ ንምጥንቃቕ ተጠቕመሉ።

ቀጺሉ ኸኣ የሱስ: ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ እተፈጸመ ካልእ ዘሕዝን ፍጻመ ተዛረበ: ምናልባት ምስ ምህናጽ ናይቲ መትረብ ማይ እተተሓሓዘ ክኸውን ይኽአል ኢዩ። “እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። የሱስ እቶም ሰባት ዝሞቱ ብምኽንያት ክፍኣቶም ኣይኰነን በለ። ኣብ ክንድኡስ ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን ፍጻመታት መብዛሕትኡ እዋን “ጊዜን ኣጋጣምን” ኢዩ ዘምጽኦ። ይኹን እምበር: የሱስ እንደገና ነቲ ኣጋጣሚ “እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ: ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም” ኢሉ ንምጥንቃቕ ተጠቕመሉ።

ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ የሱስ ምስዚ ዝሰማማዕ ምሳሌ ከምዚ ብምባል ሃበ:- “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ: ግናኸ ኣይረኸበላን። ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፤ እንሆ: ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ: ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ: ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ። ንሱ ግና፤ ጐይታይ: ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ: ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ: እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። ንዓመታ እንተ ፈረየት: ጽቡቕ: እንተ ዘይኰነስ: ሽዑ ትቘርጻ: ኢሉ መለሰሉ።”

የሱስ ነቶም ኣይሁድ እምነት ከም ዝህልዎም ንምግባር ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ፈተነ። እንተዀነ ግን ፍረ ናይ ዕዮኡ ሒደት ኣማኢት ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ እዮም ተረኺቦም። ሕጂ ኣብዚ ራብዓይ ዓመት ናይ ኣገልግሎቱ ኣብ ይሁዳን ጴርያን ብቕንኢ ብምስባኽን ብምምሃርን ኣበርቲዑ ይጽዕር ኣሎ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ናይ ኣይሁድ ኦም በለስ ይዅስኵሶን ይድኵዖን ኣሎ። ይኹን እምበር: ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኣይረኸበሉን! እቶም ህዝቢ ምንሳሕ ኣበዩ ስለዚ ኸኣ ኣብ መስመር ናይ ጥፍኣት ኢዮም ዘለዉ። ሒደት ተረፍ ናይቶም ህዝቢ ጥራይ ኢዮም ምላሽ ሂቦም።

ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣጋንንቲ ስለ ዝሓዝዋ ን18 ዓመታት ዝጎበጠት ሰበይቲ ረኣየ። ብድንጋጽ ከኣ “ኣቲ ሰበይቲ: ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ አሎኺ” በላ። ሽዑ ኢዱ ኣንበረላ እሞ ብኡንብኡ ትኽ በለት ንኣምላኽ ክትውድስ ከኣ ጀመረት።

እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ግን ተቘጥዐ። “ኪዕየየን ዚግባእ ሹድሽተ መዓልቲ አለዋኹም። እምብኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር: ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን” ብምባል ተቓውሞኡ ገለጸ። እዚ መራሒ የሱስ ከሕዊ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ሃበ: እንተዀነ ግን እቶም ሰባት ክሓውዩ ኢሎም ኣብ መዓልቲ ሰንበት ብምምጽኦም ኰነኖም!

የሱስ ግን “ኣታ ግቡዝ: ካባኻትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ እንሆ: እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝአሰራ ጓል ኣብርሃምከ ኻብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧” በለ።

እቶም ንየሱስ ዝቃወምዎ እዚ ምስ ሰምዑ ሓፈሩ። እቶም ህዝቢ ግን: በቲ የሱስ ክገብሮ ዝረኣይዎ ግርማዊ ነገራት ተሓጐሱ። ናይዚ ምላሽ ከኣ የሱስ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኣብ ጃልባ ኰይኑ ዝነገሮም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ክልተ ትንቢታዊ ምሳሌታት ደገመሎም። ሉቃስ 13:⁠1-21፣ መክብብ 9:⁠11፣ ማቴዎስ 13:⁠31-33

▪ እንታይ ዘሕዝን ፍጻመታት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ: የሱስከ ካብኡ እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ እታ ፍረ ዘይትህብ ኦም በለስን ፍረ ከም እትህብ ንምግባራ እተገብረ ፈተነን እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧

▪ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት የሱስ ከሕዊ ክእለት ከም ዘለዎ ብኸመይ ኣፍልጦ ሃበ: ይኹን እምበር የሱስ ናይቲ ሰብኣይ ግብዝና ዘቃልዖ ብኸመይ ኢዩ፧