ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ፈሪሳዊ ኣአንገዶ

ሓደ ፈሪሳዊ ኣአንገዶ

ምዕራፍ 83

ሓደ ፈሪሳዊ ኣአንገዶ

የሱስ ገና ኣብ ቤት ናይ ሓደ ምርኡይ ፈሪሳዊ ኢዩ ዘሎ: ኣቐድም ኣቢሉ ኸኣ ንሓደ ሕበጥ ዝነበሮ ሰብኣይ ኣሕውዩ ኢዩ። እቶም ምስኡ ተዓዲሞም ዝነበሩ ኣጋይሽ እቲ ዝበለጸ ቦታ ክመርጹ ከለዉ ምስ ረኣየ ብዛዕባ ትሕትና ዝገልጽ ትምህርቲ ማሃረ።

የሱስ “ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዐደመካ: ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ: እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ: እዛ ስፍራ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ: ኪብለካ እዩ እሞ: ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር” በሎም።

ስለዚ የሱስ “እንተ ተዐደምካ: እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፤ ዓርከይ: ናብ ላዕላይ ደይብ: ምእንቲ ኺብለካስ: ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ” ብምባል መዓዶም። ኣብ መደምደምታ ኸኣ “ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ: እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ ” በለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)

ካብኡ ናብቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ምልስ ኢሉ: ብኣምላኽ ዝንኣደሉ ዕድመ ብኸመይ ከም ዘዳሉ ነገሮ። “ምሳሕ ወይ ድራር እንተ ገበርካ: ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ: ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ: ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ: ወይ ኣዝማድካ: ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ: ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ: ብጹእ ክትከውን . . . ኢኻ” በሎ።

ነቶም ሽጉራት ከምዚ ዝበለ መግቢ ምድላው ነቲ ዝህብ ሓጐስ ከምጽኣሉ ኢዩ: ምኽንያቱ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ‘ብትንሳኤ ጻድቃን ክፍደ ኢዩ።’ የሱስ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ዘመጕስ ዕድመ ምዝራቡ ንሓደ ኣብኡ ተዓዲሙ ዝነበረ ጋሻ ብዛዕባ ካልእ ዓይነት መግቢ ከም ዝዝክር ገበሮ። እዚ ጋሻ እዚ “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በለ። ይኹን እምበር: ከምቲ የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ዝገለጾ: ነዚ ከምዚ ዝበለ ደስ ዘብል መጻኢ ኵሎም ኣይኰኑን ዝሕጐስሉ።

“ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ: ንብዙሓትውን ዐደመ: ኣብቲ ግዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፤ ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ: ንዑ: ኪብሎም ባርያኡ ለአኸ። ኵሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፤ ግራት ዓዲገ አሎኹ: ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ: ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ: በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፤ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዐዲገ አሎኹ: ክፍትኖም ክኸይድ እየ: ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ: በሎ። እቲ ሳልሳይ ከኣ፤ ሰበይቲ ኣእትየ አሎኹ: ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ: በሎ።”

ከመይ ዝበለ ዕባራ ምኽንያታት ኢዩ! ግራት ዝርአ ወይ ብዕራይ ዝፍተን ቅድሚ ምዕዳጉ ኢዩ: ስለዚ ድሕሪ ምዕዳጉ ንኽትርእዮ ዘሀውኽ ነገር ኣይነበረን። ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ዕድመ ንኸይቅበል ሓዳር ኣይክልክሎን ኢዩ። ስለዚ እቲ ጐይታ ነዚ መመኽነይታታት እዚ ምስ ሰምዐ ተቘጥዐ እሞ ንባርያኡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ:-

“ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ: ድኻታትን ቆራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ: በሎ። እቲ ባርያ ኸኣ፤ ጐይታይ: ከምቲ ዝአዘዝካዮ ዀይኑ: ስፍራ ድማ ገና አሎ: በሎ። እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፤ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ክትመልእሲ: ኪአትዉ ተጋደሎም: በሎ። ካብቶም እተዐደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ።”

እዚ ምሳሌ እዚ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዝገልጽ፧ እቲ ዕድመ ዝገበረ “ጐይታ” የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ፣ እቲ ዕድመ ዘብጽሕ “ባርያ” የሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ እቲ “ዓብዪ ድራር” ከኣ ንመንግስተ ሰማያት እትበቅዕ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኢዩ።

እቶም ንመንግስተ ሰማያት ንኽበቕዑ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት መጀመርታ ዕድመ ዝቐረበሎም እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነቲ ዕድመ ነጸግዎ። ስለዚ ኸኣ ብፍላይ ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ነቶም ካብ ኣይሁድ ጽሉኣትን ትሑታትን ዝዀኑ ሰባት ካልኣይ ዕድመ ቀረበሎም። እንተዀነ ግን: ንቝጽሪ ናይቲ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ 144,000 ዝኸውን ቦታ ክመልኡ እኹላት ኣይነበሩን። ስለዚ ካብ 36 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ማለት ኢዩ: ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ዘይግዙራት ሰባት እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ዕድመ ቀረበሎም: ናይዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምእካብ ድማ ክሳዕ እዚ ግዜና ቀጸለ። ሉቃስ 14:⁠1-24

▪ የሱስ እንታይ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ኢዩ ዝማሃረ፧

▪ ሓደ ዓዳሚ ካብ ኣምላኽ ናእዳ ብዝረኽበሉ መገዲ ክዕድም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: ሓጐስ ዘምጽኣሉኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም እተዓደሙ ኣጋይሽ ዘቕረብዎ ምኽንያት ዕባራ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ የሱስ ብዛዕባ “ዓብዪ ድራር” ዝሃቦ ምሳሌ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧