ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስጐጕቲ ንምግጣም ምድላው

መስጐጕቲ ንምግጣም ምድላው

ምዕራፍ 50

መስጐጕቲ ንምግጣም ምድላው

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ ከም ዘለዎም መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ ብዛዕባ ተጻረርቲ ኣጠንቀቖም። ከምዚ በሎም:- “እንሆ: ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አለኹ . . . ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም: ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ: ካብ ሰብ ተጠንቀቑ።”

እቲ ዘጓንፎም ብርቱዕ መስጐጕቲ ብዘየገድስ የሱስ “ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ: እንታይ ከም እትዛረቡ: በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ: ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር: ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ” ብምባል ርግጽ ዝዀነ መብጽዓ ገበረሎም።

የሱስ ቀጺሉ “ሓው ንሓዉ: ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ: ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም” በለ። ወሲኹ ኸኣ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ” በሎም።

ስብከት እቲ ቐንዲ ኣድላዪ ነገር ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ናጻ ምእንቲ ኽትከውን ምስትውዓል ከም ዘድሊ ዘጕልሐ። “ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም: ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ: ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም።

ሓቂ ኢዩ የሱስ እዚ መምርሒ: መጠንቀቕታ: ከምኡውን መተባብዒ: ነቶም 12 ሃዋርያቱ ኢዩ ሂብዎ: እንተዀነ ግን ነቶም ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ግደ ዘለዎም እውን ዝምልከት ኢዩ። እዚ ኸኣ ደቀ መዛሙረቱ በቶም ሃዋርያት ዝሰበኹሎም እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኰነስ ‘ብኵሉ ሰብ ክጽልኡ ኢዮም ’ ብምባሉ ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብተወሳኺ እቶም ሃዋርያት ኣብቲ የሱስ ዝሰደዶም ናይ ሓጺር ግዜ ስብከት ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ኣይተወስዱን። ብዘይካ እዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣመንቲ ብኣባላት ስድራቤቶም ኣይተቐትሉን።

ስለዚ ንደቀ መዛሙርቱ “ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ” እቲ ዝሰብክሉ ዞባ ከም ዘይውድኡ ምዝራቡስ: እቲ ክብሪ ዝለበሰ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ከም ፈጻም ፍርዲ ናይ የሆዋ ኰይኑ ኣብ ኣርማጌዶን ክመጽእ ከሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ብዘላ ዓለም እቲ ስብከት ናይታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ነጊሮም ከም ዘይውድኡ ኢዩ ብትንቢታዊ መገዲ ዝነግረና ዘሎ።

ነቲ ናይ ስብከት መምርሒታቱ ብምቕጻል “ተመሃሪ ኻብ መምህሩ: ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን” በለ። ስለዚ ሰዓብቲ የሱስ ከምቲ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኹ ዝረኸቦ ሕማቕ ኣረኣእያን መስጐጕትን ክረኽቡ ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም። እንተዀነ ግን “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም አይትፍርህዎም” ኢሉ መኸሮም።

የሱስ በዚ ጕዳይ እዚ ኣብነት ክኸውን ነበሮ። ኣብቲ ኵሉ ሓይሊ ናቱ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ካብ ዝለማመጥ ከይፈርሀ ክሳዕ ሞት ምጽማም መረጸ። ይኹን እምበር: ናይ ሓደ ሰብ “ነፍሲ” (ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ሓደ ሰብ ንመጻኢ ከም ህያው ነፍሲ ንምቕጻል ዘለዎ ተስፋ ማለት ኢዩ) ከጥፍእ ወይ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይ​ወት ንኸተስተማቕር ካብ ምዉ​ታት ከተንስእ ዝኽእል የሆዋ ኢዩ። ኣየ የሆዋስ ከመይ ዝበለ ደንጋጺ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦ ኢዩ!

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ሓንቲ ንፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ እተጕልሕ ኣብነት ተጠቒሙ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ የተባብዖም። የሱስ “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧” ኢሉ ሓተተ። “ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ።”

እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክሰብክዎ ዝመዘዞም መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ገሊኦም ኣባላት ስድራቤት ዝቕበልዎ ገሊኦም ከኣ ዝነጽግዎ ብምዃኑ ስድራቤት ክፈላሊ ኢዩ። “ናብ ምድሪ ዕርቂ ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር: ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን” በሎም። ስለዚ ሓደ ኣባል ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽቕበል ትብዓት ይሓቶ። የሱስ “እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” በለ።

የሱስ ነቲ መምርሒታቱ ብምድምዳም: እቶም ንደቀ መዛሙርቱ ዝቕበሉ ንዕኡ እውን ከም ዝቕበሉ ገለጸ። “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ: ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ማቴዎስ 10:⁠16⁠-​42

▪ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃቦም፧

▪ እንታይ መተባብዕን መጸናንዕን ኢዩ ዝሃቦም፧

▪ ናይ የሱስ መምርሒታት ንዘመናውያን ክርስትያናት እውን ዝምልከት ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ሓደ ወደ መዝሙር የሱስ ካብ መምህሩ ንላዕሊ ዘይከውን በየናይ መገዲ ኢዩ፧