ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጀመርታ ናብ ሃና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቀያፋ ተወስደ

መጀመርታ ናብ ሃና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቀያፋ ተወስደ

ምዕራፍ 119

መጀመርታ ናብ ሃና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቀያፋ ተወስደ

የሱስ ከም ሓደ ዕሉል ገበነኛ ተኣሲሩ ናብቲ ጽልዋ ዝነበሮ ቅድም ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሃና ተወስደ። የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኮተቴ ከሎ ኣብቲ ቤት መቕደስ ኰይኑ ነቶም ናይ ራቢ መማህራን ከም ዝግረሙ ክገብሮም ከሎ ሃና ሊቀ ካህናት ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ደቂ ሃና ብድሕሪኡ ሊቃውንቲ ካህናት ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም: ሕጂ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ጓሉ ዝዀነ ቀያፋ ኢዩ ሊቀ ካህናት ዘሎ።

የሱስ መጀመርታ ናብ ቤት ሃና እተወስደ እዚ ሊቀ ካህናት እዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ምርኡይ ስለ ዝነበረ ኢዩ። መጀመርታ ናብ ሃና ስለ ዝኸዱ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ነቶም 71 ኣባላት ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝዀኑ ሳንሄድሪን ከምኡውን ናይ ሓሶት መሰኻኽር ንኽእክብ ግዜ ረኸበ።

ሊቀ ካህናት ሃና ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሓተቶ። ይኹን እምበር: የሱስ “ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ: ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ: ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ: ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ: ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።

ከምኡ ምስ በለ ኸኣ ሓደ ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ አሎኻ፧” ኢሉ ጸፍዖ።

የሱስ ከኣ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ: ክፉእ ምዃኑ መስክር: ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና: ስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፧” በሎ። ብድሕርዚ ሃና ንየሱስ ብእሱሩ ናብ ቀያፋ ሰደዶ።

ክሳዕ ሽዑ ኸኣ ኵሎም ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ህዝብን ጸሓፍትን ማለት ብምሉኦም ኣባላት ሳንሄድሪን ክእከቡ ጀሚሮም ነበሩ። ዝእከብሉ ቦታ ኣብ ቤት ቀያፋ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ፋስጋ ለይቲ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ምክያድ ኣንጻር ሕጊ ኣይሁድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግን ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ካብቲ እኩይ ዕላምኦም ኣይከልከሎምን።

ቅድሚ ገለ ሰሙናት የሱስ ንኣልኣዛር ምስ ኣተንስኦ: ኣባላት ሳንሄድሪን የሱስ ክቕተል ከም ዘለዎ ድሮ ንሓድሕዶም ተሰማሚዖም ነይሮም ኢዮም። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ: ረቡዕ ከኣ እቶም ናይ ሃይማኖት ሰበ-ስልጣን ንየሱስ ብውዲት ሒዞም ክቐትልዎ ተማኺሮም ነይሮም ኢዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ ኣብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራቡ ኢዩ ተዀኒኑ!

ሕጂ ኸኣ ንየሱስ ምእንቲ ክኸስዎ ናይ ሓሶት መርትዖ ዘቕርቡ መሰኻኽር ንምርካብ ኢዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ምስክርነቶም ዝሰማምዑ መሰኻኽር ኣይተረኽቡን። ኣብ መወዳእትኡ ክልተ ሰባት መጺኦም “ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ: ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ: ኪብል ከሎ ንሕና ሰሚዕናዮ” በሉ።

ቀያፋ ኸኣ “በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ግን ስቕ በለ። እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ሓሶት ክሲ እውን እቲ ዘረብኦም ሓደ ክኸውን ኣይከኣለን: እዚ ኸኣ ነቶም ሳንሄድሪን ዘሕስር ኢዩ። ስለዚ እቲ ሊቀ ካህናት ፍልይ ዝበለ ሜላ ፈተነ።

ቀያፋ ዝዀነ ይኹን ሰብ ወዲ ኣምላኽ ኢየ ዝብል እንተድኣ ኰይኑ እቶም ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝስምዖም ይፈልጥ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት: የሱስ ማዕረ ኣምላኽ ኢየ ይብል ኣሎ ኢሎም ሓንሳእ ብጌጋ ስለ እተረድእዎ: ተሃዊኾም ንየሱስ ሞት ዝግብኦ ተጻራፊ ገይሮም ርእዮሞ ኢዮም። ሕጂ ኸኣ ቀያፋ ብጕርሒ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና: በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አለኹ” በሎ።

እቶም ኣይሁድ እንታይ ከም ዝሓስቡ ብዘየገድስ የሱስ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ስቕ እንተ ኢሉ ኸኣ ክርስቶስ ምዃኑ ከም ዝኽሓደ ኢዩ ዝሕሰብ። ስለዚ የሱስ ብትብዓት “ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።

ቀያፋ እዚ ምስ ሰምዐ ክዳኑ ቀዲዱ: “ተጻረፈ: እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም: ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧” በለ።

እቶም ሳንሄድሪን ከኣ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። ብድሕርዚ ከላግጽሉ: ንምጽራፉ ኸኣ ብዙሕ ነገራት ክብሉ ጀመሩ። ጸፍዕዎ: ጡፍ ከኣ በሉሉ። ካልኦት ከኣ ገጹ ሸፊኖም ወቕዕዎ: ብምሕጫጭ ከኣ “ዎ ክርስቶስ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና” በልዎ። እዚ ሃሳይን ዘይሕጋውን ዝዀነ ተግባር ኣብቲ ናይ ለይቲ ፍርዶም ኢዩ ተፈጺሙ። ማቴዎስ 26:⁠57-68፣ 26:⁠3, 4፣ ማርቆስ 14:⁠53-65፣ ሉቃስ 22:⁠54, 63-65፣ ዮሃንስ 18:⁠13-24፣ 11:⁠45-53፣ 10:⁠31-39፣ ዮሃ 5:⁠16-18

▪ የሱስ መጀመርታ ናበይ ኢዩ ተወሲዱ: ኣብኡኸ እንታይ ኣጓነፎ፧

▪ ብድሕሪኡ የሱስ ኣበይ ኢዩ ተወሲዱ: ንምንታይ ዕላማኸ፧

▪ ቀያፋ ነቶም ኣባላት ሳንሄድሪን የሱስ ሞት ይግብኦ ኢዩ ከም ዝብሉ ዝገበሮም ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ኣብ እዋን እቲ ፍርዲ እንታይ ሃሳይን ዘይሕጋውን ተግባር ኢዩ እተፈጸመ፧