ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ

መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ

ምዕራፍ 33

መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ

የሱስ ፈሪሳውያንን ሰዓብቲ ሄሮድስን ክቐትልዎ ይደልዩ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጠ: ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ባሕሪ ገሊላ ከዱ። ኣብኡ ካብ ኵላ ጳለስጢና: ካብ ዶባታ ወጻኢ እውን ከይተረፈ ዝመጹ ብዙሓት ሰብ ናብኡ ወሓዙ። ንብዙሓት ኣሕወየ: በዚ ምኽንያት ከኣ እቶም ብርቱዕ ሕማም ዝነበሮም ኵሎም ክትንክፍዎ ቀረቡ።

እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝነበረ ደቀ መዛሙርቱ ኵሉ ግዜ ጃልባ ክቕርቡሉ ነገሮም። ኣብታ ጃልባ ኰይኑ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ርሕቕ ብምባል እቶም ሰባት ከም ዘይጸቕጥዎ ክገብር ይኽእል። ኣብታ ጃልባ ኰይኑ ክምህሮም ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ወገን ናይቲ ገምገም ባሕሪ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ክኸይድ ይኽእል።

ወደ መዝሙር ማቴዎስ እቲ ናይ የሱስ ንጥፈት ነቲ “ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ” ዝፍጽም ምዃኑ ኣመልከተ። ካብኡ ማቴዎስ ነቲ የሱስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ትንቢት ከምዚ ብምባል ጠቐሶ:

“እንሆ: ዝሐሬኽዎ ጊልያይ: ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ: ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ: ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይከራኸርን: ኣይጭድርን: ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ: ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን: ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።”

ብሓቂ የሱስ እቲ ኣምላኽ ዝሰመሮ ፍትዊ ኣገልጋሊ ኢዩ። የሱስ ከኣ እቲ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታት ዝጸልመተ ናይ ሓቂ ፍትሒ እንታይ ከም ዝዀነ ግልጺ ገበረ። ፈሪሳውያን ንሕጊ ኣምላኽ ዘይቅኑዕ ኣወዓዕላ ስለ ዝገበሩሉ: ብመዓልቲ ሰንበት ንዝሓመመ ሰብ ክሕግዙ ኣይርከቡን ኢዮም! የሱስ ንሕጊ ኣምላኽ ግልጺ ብምግባር ንሰባት ካብ ሰኸም ናይ ዘይቅኑዕ ባህልታት ኣዕረፎም: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ክቐትልዎ ደለዩ።

“ኣይከራኸርን: ኣይጭድርን: ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ንሰባት ክፍውስ ከሎ የሱስ ‘ከየግህድዎ ኣሕሚሙ ይእዝዞም’ ነበረ። ብዛዕብኡ ኣብቲ መገድታት ጫውጫው ዝመልኦ መግለጺ ወይ ከኣ ብሓጐስ ካብ ሓደ ሰብ ናብቲ ሓደ ሰብ ክመሓላለፍ ከሎ ዘይቅኑዕ ጸብጻብ ክቐርብ ኣይደለየን።

የሱስ እቲ ዘጸናንዕ መልእኽቱ ናብቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከም እተጨፍለቐ ሻምብቆ እተደቝሱን እተቐጥቀጡን ሰባት እውን ኢዩ ዘብጽሖ። ከምቲ ናይ መጨረሽታ ብርሃኑ ክጠፍእ ዝደለየ ዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍ ኢዮም። የሱስ ነቲ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይክሰብርን ወይ ከኣ ነቲ ጭልምልም ዝብል ዝተክኽ ፈትሊ ኣየጥፍእን ኢዩ። ብለውሃትን ፍቕርን ግን ብኽእለት ነቶም ትሑታት የባራትዖም። ብሓቂ የሱስ እቲ ሰባት ተስፋ ክገብሩሉ ዝኽእሉ ኢዩ! ማቴዎስ 12:⁠15⁠-​21፣ ማርቆስ 3:⁠7⁠-​12፣ ኢሳይያስ 42:⁠1⁠-​4

▪ የሱስ ከይተኸራኸረ ወይ ኣብ መገዲ ከይጨደረ ንፍትሒ ግልጺ ዝገበሮ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ እቶም ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆን: ዝተክኽ ጥዋፍን እተመሰሉ መን ኢዮም: የሱስከ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧