ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማቴዎስ ይጽዋዕ

ማቴዎስ ይጽዋዕ

ምዕራፍ 27

ማቴዎስ ይጽዋዕ

ነቲ ልሙስ ድሕሪ ምሕዋዩ ነዊሕ ከይጸንሐ የሱስ ካብ ቅፍርናሆም ወጺኡ ናብ ባሕሪ ገሊላ ከደ። እንደገና ኸኣ ብዙሕ ህዝቢ ምስኡ ኸደ: ንሱ ኸኣ ክምህሮም ጀመረ። እናኸደ ከሎ ኸኣ ነቲ ሌዊ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ማቴዎስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኮፍ ኢሉ ረኣዮ። የሱስ ከኣ “ስዐበኒ” ኢሉ ዓደሞ።

ልክዕ ከምቲ ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ ክጽውዑ ከለዉ ምስ ትምህርትታት የሱስ ሌላ ዝነበሮም ማቴዎስ እውን ድሮ ሌላ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ኸኣ ማቴዎስ ብኡንብኡ ነቲ ዕድመ ምላሽ ሃበሉ። ተንሲኡ ነቲ ከም ተጋዊ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ገዲፉ ንየሱስ ሰዓቦ።

ደሓር ማቴዎስ ምናልባት ነቲ ምጽውዑ ንምብዓል ክኸውን ይኽእል: ኣብ ቤቱ ዓቢ ድግስ ገበረ። ብዘይካ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እቶም ቅድም ኣዕሩኽ ማቴዎስ ዝነበሩ እውን ኣብኡ ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ዝጽልኡ ዝነበሩ ናይ ሮሜ ስልጣናት ግብሪ ይእክቡ ስለ ዝነበሩ: ብሓፈሽኡ በቶም ብጾቶም ኣይሁድ እተጸየፉ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ካብቲ ግቡእ ግብሪ ዝያዳ ገንዘብ ካብቶም ህዝቢ ብምእካብ ይሽፍጡ ኢዮም ነይሮም።

ፈሪሳውያን ንየሱስ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብምርኣዮም ንደቀ መዛሙርቱ “መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” ኢሎም ሓተትዎም። ነቲ ዝሓተትዎ ሰሚዑ ኸኣ የሱስ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር: ጥዑያት ኣይደልይዎን። ኣነ ሓጥኣን እምበር: ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ: ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ዚብል እንታይ ምዃኑ: ኪዱ ተምሀሩ” ኢሉ መለሰሎም።

ማቴዎስ ነቶም ተገውቲ ናብ ቤቱ ዝዓደሞም ንየሱስ ክሰምዕዎ እሞ መንፈሳዊ ምፍዋስ ንኽረኽቡ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ የሱስ ምስኦም ዝሓበረ ጥዑይ ርክብ ምስ ኣምላኽ ንኽህልዎም ክሕግዞም ኢሉ ኢዩ። የሱስ ከምቶም ርእሶም ዘጽድቑ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣይተጸየፎምን። ኣብ ክንድኡስ ብድንጋጽ ተለዓዒሉ: ብሓቂ ከም መንፈሳዊ ሓኪም ኰይኑ ኢዩ ዘገልገሎም።

ስለዚ እቲ የሱስ ንሓጥኣን ዘርእዮ ምሕረት ነቲ ሓጢኣቶም ሸለል ይብሎ ዘይኰነስ ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣካላዊ ሕማም ዝነበሮም ዘርኣዮ ናይ ለውሃት መግለጺ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ለምጻም ብድንጋጽ ኢዱ ዘርጊሑ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ክብሎ ኸሎ ዘክር። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ብፍላይ ብመንፈሳዊ መገዲ ብምሕጋዝ ምሕረት ነርኢ። ማቴዎስ 8:⁠3፣ 9:⁠9⁠-​13፣ ማርቆስ 2:⁠13⁠-​17፣ ሉቃስ 5:⁠27⁠-​32

▪ የሱስ ንማቴዎስ ኣበይ ኢዩ ርእይዎ፧

▪ ናይ ማቴዎስ ስራሕ እንታይ ኢዩ: ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እቶም ካልኦት ኣይሁድ ዝጽየፍዎም ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዘጕረምረሙ: ንሱኸ ብኸመይ ምላሽ ሃበ፧

▪ የሱስ ምስ ሓጥኣን ዝሓብር ስለምንታይ ኢዩ፧