ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት

ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት

ምዕራፍ 111

ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት

ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። የሱስ ከኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኰይኑ ናብታ ትሕቲኡ ዝነበረት ቤት መቕደስ እናጠመተ ኸሎ: ጴጥሮስ: እንድርያስ: ያእቆብ: ከምኡውን ዮሃንስ ንበይኖም ናብኡ መጹ። የሱስ እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ኣይተርፍን ብምባል ብዛዕባ እታ ቤት መቕደስ ኣቐድም ኣቢሉ ስለ እተነበየ: ተጨኒቖም ኢዮም ዘለዉ።

ናብ የሱስ ገጾም ክመጹ ከለዉ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክሓትዎ ከም ዝሓሰቡ ርዱእ ኢዩ። ቅድሚ ገለ ሰሙናት ብዛዕባ “ህላወኡ” (NW  ) ማለት ብዛዕባ እቲ ‘ወድሰብ ዝግለጸሉ’ ግዜ ተዛሪቡ ነበረ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ ብዛዕባ ‘መወዳእታ ዓለም’ ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። ስለዚ እቶም ሃዋርያት ክፈልጡ ናይ ምድላይ ባህጊ ሓደሮም።

“እዚ [ጥፍኣት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን] መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና” በልዎ። እቲ ሕትኦም ሰለስተ ዓይነት ነገር ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። መጀመርታ ብዛዕባ መወዳእታ ናይ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን: ብድሕሪኡ ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክፈልጡ ደለዩ።

ኣብቲ ብሰፊሑ ዝሃቦ መልሲ የሱስ ንሰለስቲኡ ወገን ናይቲ ሕቶ መሊስዎ ኢዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ዝጠፍኣሉ ግዜ ዝሕብር ምልክት ሃቦም፣ እንተዀነ ግን ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ሂብዎም። እቶም ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ግዜ ህላወኡን እዚ ኣገባብ እዚ ዝጠፍኣሉ ግዜን ይነብሩ ከም ዘለዉ ንኽፈልጡ ምልክት ዝዀኖም እውን ሂብዎም ኢዩ።

ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ: እቶም ሃዋርያት መፈጸምታ ናይቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ተዓዘቡ። እወ: እቲ ብትንቢት ዝነገሮም ነገራት ኣብቲ ንሶም ብህይወት ዝነበሩሉ ግዜ ኢዩ ክፍጸም ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ድሕሪ 37 ዓመታት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ምስ ቤት መቕደሱ ክጠፍእ ከሎ ብህይወቶም ዝጸንሑ ክርስትያናት ሃንደበት ኣይኰኖምን።

ይኹን እምበር: ህላወ ክርስቶስ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣይተፈጸመን። እቲ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጸኒሑ ኢዩ ተፈጺሙ። መዓስ ግን፧ እቲ የሱስ እተነበዮ ነገራት እንተ መርሚርናዮ ነዚ ግልጺ ይገብረልና።

የሱስ “ውግእን ወረ ውግእን” ክኸውን ከም ዝዀነ ተነበየ። ‘ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺለዐል ኢዩ’ ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ፌራ ክኸውን ኢዩ በለ። ደቀ መዛሙርቱ ክጽልኡን ክቕተሉን ምዃኖም። ነብያት ሓሶት ክትንስኡ ንብዙሓት እውን ከስሕቱ ምዃኖም። ዓመጻ ክበዝሕ: ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕል። እዚ እናዀነ ከሎ ኸኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ህዝቢ ንምስክርነት ክስበኽ ምዃኑ ተዛረበ።

እቲ የሱስ እተነበዮ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምጥፍኣ ውሱን ዝዀነ መፈጸምታ እኳ እንተ ነበሮ: እቲ ዝዓበየ መፈጸምትኡ ኣብ እዋን ህላወኡን መወዳእታ ናይዚ ኣገባብን ኢዩ ዝኸውን። ካብ 1914 ኣትሒዙ ዘሎ ኵነታት ናይ ዓለም ፍጻሜታት ተጠንቂቕና እንተ ኣጽኒዕናዮ: ዝዓበየ ፍጻመ ናይቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ትንቢት የሱስ ካብታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ ይኸውን ከም ዘሎ ግልጺ ኢዩ።

ካልእ ክፍሊ ናይቲ የሱስ እተዛረበሉ ምልክት እቲ ናይ “ጥፍኣት ርኽሰት” ክቕልቀል ምዃኑ ኢዩ። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋን ንመናድቕ ናይቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣፍረስዎን እቲ ርኹስ ነገር ብመልክዕ ‘ሰራዊት’ ተገልጸ። እቲ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ኢዩ ቘይሙ ነይሩ።

ኣብ ዝዓበየ መፈጸምታ ናይቲ ትንቢት እቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት እተኣሳሰራ መንግስታትን እታ ዳሕራይ ዝተክኣታ ሕቡራት ሃገራትን ኢየን። እዛ ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእ እትጽዕር ውድብ ብህዝበ-ክርስትያን ከም መተካእታ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ እትርአ። ኣየ ከመይ ዝበለ ርኽሰት ኰን ኢዩ! ስለዚ ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣንጻር ህዝበ-ክርስትያን (የሩሳሌም ጽላሎታ ዝነበረት) ክለዓሉ እሞ ከጥፍእዋ ኢዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ኢሉ እተነበየ። እቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት እተቐትልሉ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም ብሓቂ ዓቢ ጸበባ ኢዩ ነይሩ። ቀንዲ ፍጻመ ናይቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እተነበዮ ድማ ኣዝዩ ዝዓበየ ክኸውን ኢዩ።

ኣብ እዋን ዳሕሮት መዓልትታት እምንቶ ምግባር

ሰሉስ 11 ኒሳን ክትውዳእ እናቐረበት ክትከይድ ከላ: የሱስ ብዛዕባ እቲ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜን መወዳእታ ኣገባብን ዘርኢ ምልክታት ምስቶም ሃዋርያቱ ምምይያጥ ቀጸለ። ደድሕሪ ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ከይከዱ ኣጠንቀቖም። ‘እንተ ተኻእሎምሲ: ነቶም ሕሩያት እኳ ንኸስሕቱ’ ፈተነ ክገብሩ ኢዮም በለ። እንተዀነ ግን: እዞም ሕሩያት ከምቲ ብርሑቕ ዝርኢ ኣሞራ ኣብቲ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ መግቢ ዘለዎ ኢዮም ዝእከቡ። እዚ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ መግቢ ኸኣ ኣብቲ ዘይርአ ህላወ ዘለዎ ናይ ሓቂ ክርስቶስ ኢዩ ዝርከብ። ተታሊሎም ናብ ናይ ሓሶት ክርስቶስ ኣይከዱን ኢዮም።

ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ዝርአ ህላወ ጥራይ ኢዮም ዝገብሩ። ኣንጻር ናይዚ ግን ህላወ የሱስ ዘይርአ ኢዩ። የሱስ እቲ ጸበባ ምስ ጀመረ “ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ” በለ። እወ: እዚ ደቅሰብ ካብ ዝሃለውሉ ግዜ ኣትሒዙ እቲ ዝጸልመተ ግዜ ክኸውን ኢዩ። ብመዓልቲ ጸሓይ ከም ዝጸልመተት: ብለይቲ ኸኣ ወርሒ ምብራህ ከም ዘቋረጸት ኢዩ ክኸውን።

የሱስ ቀጺሉ “ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ” ኢዮም በለ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እዚ ግኡዝ ሰማይ ሕማቕ ነገር ዝሕብር ትርኢት ክህልዎ ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝህሉ ፍርህን ዓመጽን ቅድሚኡ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ካብ እተገብረ ዅሉ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ክኸውን።

የሱስ ብሰንኪ እዚ “ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን: ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ” በለ። ብሓቂ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ እቲ ዝጸልመተ እዋን ዝውድኣሉ ግዜ ክቐርብ ከሎ ናብቲ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ” ኢዮም ዝበሎ ግዜ ዘምርሕ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ነዚ ኣገባብ እዚ ንምጥፋእ ‘ወዲ ሰብ ብሓይሊ ክመጽእ’ ከሎ ዝበኽዩ ኵሎም ኣይኰኑን። እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ መንግስቲ ዝሓብሩ 144,000 ‘ሕሩያት’ ኣይበኽዩን ኢዮም: እቶም የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢሉ ዝጸውዖም ብጾቶም እውን ኣይበኽዩን ኢዮም። እዚኣቶም ካብ ሰብኣዊ ታሪኽ ኣብቲ ዝጸልመተ እዋን ዝነብሩ እኳ እንተዀኑ: ነቲ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” ዝብል ናይ የሱስ መተባብዒ ምላሽ ይህቡሉ ኢዮም።

እቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝነብሩ ደቀ መዛሙርቱ መወዳእታ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረበ ክፈልጡ ምእንቲ ክኽእሉ የሱስ እዚ ምሳሌ እዚ ነገሮም:- “ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርአዩ። ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”

በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ እቲ ምልክት ብእተፈላለየ መልክዕ ክፍጸም ክርእዩ ከለዉ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ከም ዝቐረበን መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ንዅሉ እከይ ከም እተጥፍኦን ክግንዘቡ ኣለዎም። አረ: እቶም ንዅሉ እቲ የሱስ እተነበዮ ነገራት ክፍጸም ከሎ ዝረኣዩ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኢዩ መወዳእታ ዝመጽእ! ነቶም ኣብተን ኣገደስቲ ዝዀና ዳሕሮት መዓልትታት ዝህልዉ ደቀ መዛሙርቱ ክምዕዶም ከሎ የሱስ ከምዚ በለ:-

“ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።”

እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል

የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ ምልክት ክህቦም ዝሓተትዎ ክምልሰሎም ኢዩ ጸኒሑ። ሕጂ ኸኣ ተወሳኺ መልክዕ ናይቲ ምልክት ብሰለስተ ምሳልያዊ ዛንታታት ወይ ከኣ መብርሂታት ምሳልያዊ ምሳሌ ከይደጋገም ኢለ ኢየ ገይሩ ገለጸሎም።

መፈጸምታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምሳሌ ኸኣ በቶም ኣብ ግዜ ህላወኡ ዝነብሩ ሰባት ክርአ ኢዩ። ነታ ናይ መጀመርታ ከምዚ ብምባል ጀመራ:- “ሽዑ መንግስተ ሰማያት: ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ: እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን።”

እቲ የሱስ ተጠቒሙሉ ዘሎ “መንግስተ ሰማያት . . . ዓሰርተ ደናግል ትመስል” ዝብል ኣገላልጻ: ካብቶም መንግስተ ሰማያት ዝወርሱ ሰባት ፍርቆም ዓያሱ ፍርቆም ከኣ ለባማት ክዀኑ ኢዮም ማለት ኣይኰነን! ኣብ ክንድኡስ ንመንግስተ ሰማያት ዝምልከት ከምዚ ዝመስል ወይ ከኣ ከምቲ ዝመስል ጉዳይ ክህሉ ኢዩ: ወይ ከኣ እቲ ምስታ መንግስቲ እተተሓሓዘ ጉዳያት ከምዚ ዝኣመሰለ ክኸውን ኢዩ ማለቱ ኢዩ።

እተን ዓሰርተ ደናግል ነቶም ንመንግስተ ሰማያት ዝበቕዑ ወይ ከኣ ንበቅዕ ኢና ዝብሉ ኵሎም ክርስትያናት ኢየን ዘመልክታ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአን ግርማ ዝለበሰን መርዓዊ: የሱስ ክርስቶስ እተሓጽየት ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። እቲ መርዓ ግን ንመጻኢ ኣብ ዘይተረቝሐ ግዜ ኣብ ሰማይ ኢዩ ክግበር።

ኣብቲ ምሳሌ እተን ዓሰርተ ደናግል መርዓዊ ንኽቕበላን ምስቶም ዓጀብቲ ክሓብራን ወጻ። እቲ መርዓዊ ነታ መርዓቱ ናብቲ እተዳለወላ ገዛ ከእትዋ ከሎ እተን ደናግል ቀንዴለን ወሊዐን ነቲ መገዲ ብምብራህ ነቲ መርዓዊ ከኽብርኦ ኢየን። ይኹን እምበር: የሱስ “እተን ዓያሱ: ቀቀንዴለን ወሲደን: ዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና ምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና: ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን” ብምባል ይገልጽ።

ናይቲ መርዓዊ ምድንጓይ እቲ ክርስቶስ ከም ዘመሓድር ንጉስ መጠን ኣብ ህላወ ዝዀነሉ እዋን ኣብ መጻኢ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከም ዝኸውን ኢዩ ዘመልክት። ኣብ መወዳእትኡ ብ1914 ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ነዊሕ ለይቲ ኵለን እተን ደናግል ደቀሳ። ስለ ዝደቀሳ ግን ኣይተዀነናን። እተን ዓያሱ እተዀነናሉ ምኽንያት ንቐንዴለን ዝኸውን ዘይቲ ሒዘን ዘይምጽንሔን ኢዩ። የሱስ እቲ መርዓዊ ቅድሚ ምምጽኡ እተን ደናግል ብኸመይ ከም ዝነቕሓ ክገልጽ ከሎ “ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ: እንሆ: መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ [“ዝብል ድምጺ ተሰምዐ።”​—⁠NW  ] ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤን: ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማት: ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ: ካብ ዘይትኽን ሀባና: በላኤን። እተን ለባማት ከኣ: ኣይፋልናን: ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይአኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ: ኢለን መለሳለን” በለ።

ዘይቲ እቲ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ከም መብራህቲ ከም ዘንጸባርቑ ዝገብሮም ነገር ኢዩ ዘመልክት። እዚ ኸኣ እቲ ክርስትያናት ኣጽኒዖም ዝሕዝዎ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽን እቲ ንኽርድእዎ ዝሕግዞም መንፈስ ቅዱስን ኢዩ። እተን ለባማት ደናግል ነቲ መርዓዊ ናብቲ ድግስ መርዓ ብምዕጃብ ክቕበልኦ ከለዋ እቲ መንፈሳዊ ዘይቲ ከም ዘብርሃ ገበረን። እተን ክፍሊ ዓያሱ ደናግል ግን ኣብ ጢንአን ንዕአን ዘድሊ መንፈሳዊ ዘይቲ ኣይነበረንን። ስለዚ የሱስ ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ከምዚ ብምባል ይገልጾ:-

“[እተን ዓያሱ ደናግል ዘይቲ] ኪዕድጋ ምስ ከዳ: እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ አተዋ: ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን: ጐይታይ: ጐይታይ: ክፈተልና ዀታ: በላ። ንሱ ግና መሊሱ: ብሓቂ እብለክን አሎኹ: ኣይፈልጠክንን እየ: በለን።”

ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ምስ መጸ: እቶም ክፍሊ ለባማት ደናግል ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት: ንውዳሴ ናይቲ እተመልሰ መርዓዊ ኣብታ ጸልማት ዓብሊልዋ ዝነበረት ዓለም ብርሃን ንምብራህ ዝነበሮም መሰል ንምፍጻም ንቑሓት ነበሩ። እቶም ንዓያሱ ደናግል ዘመልክቱ ግን እቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ውዳሴ ንኽህቡ ቅሩባት ኣይነበሩን። ስለዚ ግዜኡ ምስ ኣኸለ: ክርስቶስ ኣፍ ደገ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዝግበር ናይ መርዓ ድግስ ኣይከፍተሎምን ኢዩ። ምስ ኵሎም እቶም ገበርቲ ዓመጻ ንኽጠፍኡ ኣብ ደገ ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ናይ ዓለም ገደፎም። የሱስ “እታ . . . መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ብምባል ደምደመ።

ናይ መክሊት ምሳሌ

የሱስ እቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገብሮ ዝነበረ ምይይጥ ካብተን ሰለስተ ምሳሌታት ነታ ኻልኣይቲ ብምንጋር ቀጸሎ። ቅድሚ ገለ መዓልትታት ኣብ ያሪኮ ከሎ እታ መንግስቲ ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ከም እትመጽእ ንኸርእዮም ናይ ምና ምሳሌ ነጊርዎም ነበረ። እቲ ሕጂ ዝነገሮም ምሳሌ ኸኣ ብዙሕ ተመሳሳሊ መልክዕ ዘለዎ ኰይኑ: ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ መንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ እዋን ዝፍጸም ንጥፈታት ኢዩ ዝገልጽ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ገና ኣብ ምድሪ ከለዉ “ገንዘቡ” ንምብዛሕ ክዓዩ ከም ዘለዎም ኢዩ ዘብርህ።

የሱስ “[እቲ ምስታ መንግስቲ እተተሓሓዘ ነገራት] መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ: ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ” ብምባል ጀመረ። እቲ ንርሑቕ: ንሰማይ ቅድሚ ምጋሹ: ነቶም ባሮቱ​—⁠ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቕዑ ደቀ መዛሙርቱ​—⁠ገንዘቡ ሕድሪ ዝህቦም ሰብኣይ የሱስ ኢዩ። እዚ ገንዘብ እዚ ስጋዊ ጥሪት ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ከፍሪ ዝኽእል እተሓርሰ ግራት ኢዩ ዘመልክት።

የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ነቲ ዝነበሮ ገንዘብ ንባሮቱ ሕድሪ ሃቦም። ነዚ ብኸመይ ኢዩ ገይርዎ፧ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ክሳዕ ርሑቕ ቦታታት ናይ ምድሪ ብምስባኽ ኣብቲ እተሓርሰ ግራት ንኽዓዩ መምርሒ ብምሃብ ኢዩ ገይርዎ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት: ንኻልኣይ ክልተ: ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ።”

እቲ ሸሞንተ መክሊት​—⁠ናይ ክርስቶስ ገንዘብ​—⁠ከከም ዓቕሚ ወይ መንፈሳዊ ክእለት ናይቶም ባሮት ኢዩ ተዓዲሉ። እቶም ባሮት ንጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ ኢዮም ዘመልክቱ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እቶም ሓሙሽተ መክሊት እተቐበሉ ጕጅለ ነቶም ሃዋርያት እውን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ ከዘንቱ ከሎ እቶም ሓሙሽተን ክልተን መክሊት እተቐበሉ ባሮት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ነቲ እተዋህቦም ዕጽፊ ገበርዎ። እቲ ሓደ መክሊት እተቐበለ ባርያ ግን ኣብ ምድሪ ሓብኦ።

የሱስ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ: ምሳታቶምውን ተጸባጸበ” ብምባል ቀጸለ። የሱስ ክጸባጸብ እተመልሰ ድሕሪ 1,900 ዓመታት ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና ኢዩ: ስለዚ ብሓቂ “ድሕሪ ብዙሕ ዘመን” ኢዩ መጺኡ። ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ የሱስ:-

“እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ: ጐይታይ: ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ: እንሆ: ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ: እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ: ሕራይ: ኣታ ሕያዋይ: እሙን ባርያ: ብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ: ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ: ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ: በሎ።” እቲ ክልተ መክሊት እተቐበለ ባርያ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ መክሊቱ ዕጽፊ ገበሮ እሞ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓይነት ናእዳን ዓስብን ረኸበ።

እዞም እሙናት ባሮት እዚኣቶም ኣብ ሓጐስ ጐይትኦም ብኸመይ ኢዮም ኣትዮም፧ እቲ ናይ ጐይትኦም የሱስ ክርስቶስ ሓጐስ: እቲ ናብ ሰማይ ናብ ኣቡኡ ምስ ከደ እተቐበሎ ናይ መንግስቲ ዋንነት ኢዩ። እቶም ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ዘለዉ ባሮት ከኣ ንሓላፍነታት ናይታ መንግስቲ ተወሳኺ ሕድሪ ክወሃቦም ከሎ ብዙሕ ኢዮም ዝሕጐሱ: ምድራዊ ጕዕዝኦም ምስ ወድኡ ኸኣ ናብ ሰማያዊ ህይወት ብምትንሳእ ዝለዓለ ሓጐስ ክረኽቡ ኢዮም። እቲ ሳልሳይ ባርያኸ እንታይ ኰነ፧

እዚ ባርያ እዚ “ጐይታይ . . . ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ: ፈሪሄ ኸድኩ: ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ: እንሆ ገንዘብካ” በሎ። እቲ ባርያ ብምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ኣብቲ እተሓርሰ ግራት ምዕያይ ኰነ ኢሉ ኣበየ። ስለዚ እቲ ጐይታ “ኽፉእ ሃካይ” በሎ: “እቲ መክሊት ኣግድፍዎ . . . ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ” ብምባል ፈረዶ። እቶም ክፍሊ ናይዚ ንወጻኢ እተደርበየ እኩይ ባርያ ካብ መንፈሳዊ ሓጐስ እተጠልዩ ኢዮም።

እዚ ንዅሎም እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ ሰባት ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ። ነቲ ዝወሃብ ናእዳን ዓስብን ክረኽቡ: ኣብቲ መወዳእትኡ ጥፍኣት ዝዀነ ናይ ወጻኢ ጸልማት ካብ ምድርባይ ከኣ ክድሕኑ እንተድኣ ኰይኖም: ናይቲ ሰማያዊ ጐይትኦም ገንዘብ ንምውሳኽ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ምሉእ ግደ ብምብርካት ክዓዩ ኣለዎም። በዚ መገዲ እዚ ትጉህ ዲኻ፧

ክርስቶስ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ክመጽእ ከሎ

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ገና ኣብ ደብረ ዘይቲ ኢዩ ዘሎ። ብዛዕባ ምልክት ህላወኡን መደምደምታ ኣገባብን ዝሓተትዎ ንምምላስ ሕጂ ካብተን ሰለስተ እታ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ኢዩ ዝነግሮም ዘሎ። “ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ” ብምባል ከኣ ጀመረ።

እቲ ምምጻእ: መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ ክውዳእ ምስ ቀረበ ኢዩ ዝኸውን። እንተዀነ ግን ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዝኸውን፧ የሱስ “ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ: ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን” ኢሉ ገለጸ።

የሱስ ነቶም ስምረት ዝረኸቡ ሰባት ዘጓንፎም ክገልጽ ከሎ “ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም: ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ከም ዝበሎም ተዛረበ። እቶም ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ ዘለዉ ኣባጊዕ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኣይገዝኡን ኢዮም: ኣብ ክንድኡ ግና ምድራውያን ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ ብምዃን ክወርስዋ ኢዮም። “ምስራት ዓለም” ኣዳምን ሄዋንን ንመጀመርታ ግዜ ካብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው ክጥቀሙ ዝኽእሉ ደቂ ምስ ወለዱ ኢዩ ተጀሚሩ።

እተን ኣባጊዕ ግን ስምረት ብምርካብ ኣብ የማን ናይቲ ንጉስ እትፈልያ ስለምንታይ ኢየን፧ እቲ ንጉስ “ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ: ኣስቴኹምኒ። ገይሸ: ተቐበልኩምኒ። ዐሪቐ: ከደንኩምኒ። ሐሚመ: በጻሕኩምኒ። ተአሲረ: መጻእኩምኒ” ብምባል መለሰ።

እቶም ኣባጊዕ ኣብ ምድሪ ስለ ዘለዉ: ነቲ ሰማያዊ ንጉስ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ተግባራት ከመይ ገይሮም ከም ዝገበርዎ ክፈልጡ ደለዩ። “ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይስ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተአሲርካስ በጻሕናካ፧” ኢሎም ይሓትዎ።

እቲ ንጉስ ከኣ “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ መለሰ። ኣሕዋት ክርስቶስ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ 144,000 ኢዮም። የሱስ ከኣ ንዕኦም ሰናይ ምግባር ልክዕ ንዕኡ ሰናይ ምግባር ማለት ከም ዝዀነ ተዛረበ።

ካብኡ ቀጺሉ ኸኣ እቲ ንጉስ ነቶም ኣጣል ተዛረቦም። “ኣቱም ርጉማት: ካባይ ርሐቑ: ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ: ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ: ኣየስቴኹምንን። ገይሸ: ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ: ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ: ተአሲረ: ኣይበጻሕኩምንን።”

እቶም ኣጣል ግን “ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ: ወይ ጸሚእካ: ወይ ጌሽካ: ወይ ዐሪቕካ: ወይ ሐሚምካ: ወይ ተአሲርካ: ዘየገልገልናካ፧” በልዎ። እቶም ኣባጊዕ ስምረት ብዝረኸቡሉ ነገራት እቶም ኣጣል ንጥፍኣት ተፈርዱ። የሱስ ከኣ “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ [ኣሕዋተይ] ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ መለሰሎም።

ስለዚ እቲ ክርስቶስ እዚ እኩይ ኣገባብ በቲ ዓቢ ጸበባ ቀቅድሚ ምጥፍኡ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ዝህልወሉ ግዜ ናይ ፍርዲ እዋን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣጣል “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ጥፍኣት:” NW  ]: ጻድቃን [እተን ኣባጊዕ] ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” ማቴዎስ 24:⁠2–25:⁠46፣ 13:⁠40, 49፣ ማርቆስ 13:⁠3-37፣ ሉቃስ 21:⁠7-36፣ 19:⁠43, 44፣ 17:⁠20-30፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ዮሃንስ 10:⁠16

▪ ነቶም ሃዋርያት ንኽሓቱ ዘለዓዓሎም ነገር እንታይ ኢዩ: እንተዀነ ግን እንታይ ካልእ እውን ኢዮም ዝሓስቡ ነይሮም፧

▪ ኣየናይ ክፍሊ ናይ ትንቢት የሱስ ኢዩ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ: ሽዑ ግን እንታይ ኢዩ ዘይኰነ፧

▪ ትንቢት የሱስ መጀመርታ ፍጻሜ ዝረኸበ መዓስ ኢዩ: ዝዓበየ ፍጻሜ ግን መዓስ ኢዩ ዘለዎ፧

▪ ኣብቲ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፍጻሜ እቲ ርኹስ ነገር እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ዓቢ ጸበባ ብናይ የሩሳሌም ጥፍኣት ናይ መወዳእታ ፍጻመ ዘይረኸበ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ህላወ ክርስቶስ ዘመልክት እንታይ ናይ ዓለም ኵነታት ኢዩ፧

▪ ‘ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ዝበኽዩ’ መዓስ ኢዩ: ሰዓብቲ ክርስቶስ ግን እንታይ ክገብሩ ኢዮም፧

▪ እቶም ንመጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት መወዳእታ ከም ዝቐረበ ክፈልጡ ንምሕጋዞም የሱስ እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ የሱስ ነቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝነብሩ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧

▪ እተን ዓሰርተ ደናግል ንመን የመልክታ፧

▪ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ መርዓዊ እተሓጽየት መዓስ ኢያ: እቲ መርዓዊ ነታ መርዓት ናብቲ ናይ መርዓ ድግስ ክወስዳ ዝመጸኸ መዓስ ኢዩ፧

▪ እቲ ዘይቲ እንታይ ኢዩ ዘመልክት: እተን ለባማት ደናግል ዘይቲ ሒዘን ምጽንሐን እንታይ ክገብራ ኢዩ ኣኽኢልወን፧

▪ እቲ ናይ መርዓ ድግስ ኣበይ ኢዩ ተፈጺሙ፧

▪ እተን ዓያሱ ደናግል እንታይ ዓቢ ዓስቢ ኢየን ዘጥፍኣ: እንታይ ኢዩኸ ከጋጥመን፧

▪ እቲ ናይቲ መክሊት ምሳሌ እንታይ ይምህር፧

▪ እቶም ባሮት መን ኢዮም: እቲ ሕድሪ እተዋህቦም ገንዘብከ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ጐይታ ክጸባጸብ ዝመጸ መዓስ ኢዩ: እንታይ ኢዩኸ ዝረኸበ፧

▪ እቶም እሙናት ባሮት ዝኣትውዎ ሓጐስ እንታይ ኢዩ: ነቲ እኩይ ዝዀነ ሳልሳይ ባርያኸ እንታይ ኣጓነፎ፧

▪ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ህላወኡ እንታይ ናይ ምፍራድ ዕዮ ኢዩ ክገብር፧

▪ እተን ኣባጊዕ ነታ መንግስቲ ዝወርሳ በየናይ መገዲ ኢየን፧

▪ “ምስራት ዓለም” መዓስ ኢዩ ጀሚሩ፧

▪ ሰባት ከም ኣባጊዕ ወይ ከኣ ከም ኣጣል ዝፍረዱ በየናይ ነገራት ኢዮም፧