ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሕረት ዝገልጽ ትምህርቲ

ምሕረት ዝገልጽ ትምህርቲ

ምዕራፍ 40

ምሕረት ዝገልጽ ትምህርቲ

የሱስ ገና ኣብታ ቅድሚ ቅሩብ ንወዲ እታ መበለት ዘተንስኣላ ከተማ ናይን ወይ ከኣ ምናልባት ኣብ ጥቕኣ ዝነበረት ከተማ ይበጽሕ ነይሩ ይኸውን። ሓደ ስምኦን እተባህለ ፈሪሳዊ ነቲ እዚ ዘገርም ተግባራት ዝገብር ሰብኣይ ኣጸቢቑ ክፈልጦ ደለየ። ስለዚ ንየሱስ ዓደሞ።

የሱስ እቲ ኣጋጣሚ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ንኸገልግል ብምሕሳብ: ልክዕ ከምቲ ንዕድመ ተገውትን ሓጥኣንን እተቐበሎ: ነዚ ዕድመ እዚውን ተቐበሎ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ ቤት ስምኦን ምስ ኣተወ: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣጋይሽ ዝውሃብ ናይ ክብሪ ቈላሕታ ኣይረኸበን።

እቲ ሰንደል ዝነበሮ ኣእጋሩ በቲ መገዲ ሓመድ ብምጕዓዙ ረሲኑን ረሲሑን ኢዩ ነይሩ: እግሪ ኣጋይሽ ብዝሑል ማይ ገይርካ ምሕጻብ ልሙድ ዝዀነ ናይ ምቕባል ጋሻ ተግባር ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ምስ ኣተወ ኣእጋሩ ኣይተሓጽበን። እቲ ልሙድ ዝዀነ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኢልካ ምስዓም እውን ኣይረኸበን። እቲ ጸጕሪ ርእሲ ኣጋይሽ ብዘይቲ ናይ ምልካይ ልምዲ እውን ኣይረኸበን።

እቶም ኣጋይሽ ኣብቲ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ክበልዑ ከለዉ: ኣብ መንጎ ሓንቲ ዘይተዓደመት ሰበይቲ ሰላሕ ኢላ ኣብቲ ኽፍሊ ኣተወት። ኣብቲ ከተማ በቲ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ኣነባብርኣ ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። ነቲ ናይ የሱስ ትምህርትታት እቲ ‘ኣቱም ኵልኹም ዝኸበደኩም ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ’ ዝብል ዕድመ እውን ሓዊስካ ሰሚዓ ኽትከውን ኣለዋ። በቲ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን ኣዝያ ስለ እተተንከፈት ከኣ ንየሱስ ደለየቶ።

እታ ሰበይቲ ኣብቲ ጣውላ ብድሕሪ የሱስ ኰነት ኣብ ኣእጋሩ ኸኣ ተንበርከኸት። ንብዓታ ኣብ እግሩ ምስ ፈሰሰ ኸኣ ብጸጉራ ገይራ ወልወለቶ። ቅዱይ ቅብኢ ወሲዳ ኸኣ እግሩ እናሰዓመት ትለኽዮ ነበረት። ስምኦን ከኣ ብተቓውሞ ተመልከተ። “እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ: እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢአተኛ እያ እሞ: መን ከመይ ዘመሰለትውን ምዃና ምፈለጣ ነይሩ” ብምባል ሓሰበ።

የሱስ ከኣ ሓሳባቱ ስለ እተረድኦ “ስምኦን: ዝብለካ አሎኒ” በሎ።

ንሱ ኸኣ “በል መምህር” ኢሉ መለሰሉ።

የሱስ ከኣ ከምዚ ብምባል ጀመረ:⁠-“ንሓደ መለ​ቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ: ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰአኑ ግና: ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧”

ምናልባት እቲ ሕቶ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ኰይኑ ስለ እተሰምዖ ብዘይምግዳስ “ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ” ብምባል መለሰ።

የሱስ ከኣ “ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ። ብድሕርዚ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ብምባል ንስምኦን “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ አቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን: እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን: እዚኣ ግና ካብ ዝአቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን: እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት” በሎ።

በዚ ኸምዚ እታ ሰበይቲ በቲ ዘሕለፈቶ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ህይወት ካብ ልባ ከም እተናስሐት ኣርየት። ስለዚ የሱስ “ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት: ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ: እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር” ብምባል ደምደመ።

የሱስ ንዘይስነ⁠-​ምግባራውነት መመኽነይታ ይገብረሉ ወይ ሸለል ይበሎ ኣይኰነን ዘሎ። ኣብ ክንድኡስ የሱስ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ኣብ ህይወቶም ዝጋገዩ እንተዀነ ግን በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ሰባት ብድንጋጽ ከም ዝርድኣሎም ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ። ነታ ሰበይቲ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ብምሃብ “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ . . . እምነትኪ ኣድሒናትኪ: ብሰላም ኪዲ” በላ። ሉቃስ 7:⁠36⁠-​50፣ ማቴዎስ 11:⁠28⁠-​30

▪ ናይቲ ንየሱስ ዘአንገደ ስምኦን እተባህለ ሰብኣይ ኣቀባብላ ከመይ ነበረ፧

▪ ንየሱስ ዝደለየቶ መን ኢያ: ስለምንታይከ፧

▪ የሱስ እንታይ መብርሂ ኢዩ እተጠቕመ: ብኸመይከ ኣብ ተግባር ኣውዓሎ፧