ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሳሌታት እናተጠቐምካ ምምሃር

ምሳሌታት እናተጠቐምካ ምምሃር

ምዕራፍ 43

ምሳሌታት እናተጠቐምካ ምምሃር

የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ክገንሖም ከሎ ኣብ ቅፍርናሆም ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ካብ ቤት ወጺኡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ከደ: ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ኣብኡ ኣብ ጃልባ ኣተወ: ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ሰማያት ክምህሮም ጀመረ። ክምህሮም ከሎ እቶም ህዝቢ ዝፈልጥዎ ብዙሕ ምሳልያዊ ዛንታታት ወይ ምሳሌታት ተጠቕመ።

መጀመርታ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዝዘርእ ዘራኢ ነገሮም። ገሊኡ ዘርኢ ኣብ ደረት መገዲ ወደቐ እሞ ኣዕዋፍ በልዕኦ። ካልእ ኸኣ ኣብ ከውሒ ዘለዎ ሓመድ ወደቐ። እቲ ሱር ዕምቈት ስለ ዘይነበሮ እቲ ሓድሽ ተኽሊ በቲ ብርቱዕ ጸሓይ ሓረረ። ካልእ ድማ ኣብ መንጎ እሾኽ ወደቐ እሞ ምስ በቘለ ኸኣ እቲ እሾኽ ሓነቖ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ገለ ካብቲ ዘርኢ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ: ገሊኡ ሚእቲ ገሊኡ ስሳ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ፈረየ።

ኣብ ካልእ ምሳሌ ኸኣ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓደ ዘርኢ ዝዘርእ ሰብኣይ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። እቲ ሰብኣይ እናደቀሰን እናተስአን ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ዘርኢ በቘለ። እቲ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ከም ዝበቘለ ኣይፈለጠን። ባዕሉ በቚሉ ፈረየ። እቲ ፍረ ምስ በጽሐ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ነቲ ምህርቲ ኣእተዎ።

የሱስ ሓደ ሰብኣይ ጥዑይ ዘርኢ ከም ዝዘርአ እሞ “እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ” ኸኣ ሓደ ጸላኢ መጺኡ ኣብ ማእከል እቲ ስርናይ ክርዳድ ከም ዝዘርኣሉ ዝገልጽ ሳልሳይ ምሳሌ ነገሮም። ኣገልገልቲ እቲ ሰብኣይ ነቲ ክርዳድ ክንኣርዮዶ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ግን ‘ክርዳድ ክትኣርዩ ከለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ: ቅድም ነቲ ኽርዳድ: ኣሪኹም ኣንድድዎ: ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ: ክብሎም እየ’ በሎም።

ምስቶም ኣብቲ ገምገም ዝነበሩ ህዝቢ ምዝራብ ብምቕጻል ክልተ ተወሳኺ ምሳሌታት ሃቦም። “መንግስተ ሰማያት” ከም ሓደ ሰብኣይ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ኢያ ኢሉ ገለጸሎም። ካብ ኵሉ ዘርእታት እታ ዝነኣሰት እኳ እንተዀነት ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝገዘፈት ኰይና ኢያ እትዓቢ። a ኣዕዋፍ ኣብ ጨነፍራ መንበሪ ዝሰርሓላ ኦም ከኣ ትኸውን።

ሎሚ ገሊኦም ሰባት ካብ ፍረ ኣድሪ ዝንእስ ኣዝርእቲ ኣሎ ኢሎም ይቃወሙ ኢዮም። የሱስ ግን ናይ ስነ⁠-​ኣትክልቲ ትምህርቲ ኣይኰነን ዝምህር ዘሎ። እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ገሊላውያን ካብ ዝፈልጥዎም ኣዝርእቲ: ፍረ ኣድሪ ብሓቂ እታ ዝነኣሰት ኢያ ነይራ። ስለዚ ትሕዝቶ ናይቲ የሱስ ዘብርሆ ዘሎ ርኡይ ዕቤት ይርድእዎ ኢዮም።

ኣብ መወዳእትኡ የሱስ “ንመንግስተ ሰማያት” ምስ ሓንቲ ማይ ብሑቝ ወሲዳ ምስ ሰለስተ ዓቐን ሓርጭ እትሕውሶ ሰበይቲ ኣመሳሰላ። ድሕሪ ገለ ግዜ ንብምሉኡ እቲ ብሑቝ ኣብኵዖ በለ።

እዚ ሓሙሽተ መብርሂታት ድሕሪ ምሃቡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ሓዲጉ ናብቲ ዓሪፉሉ ዝነበረ ቤት ተመልሰ። ድሕሪ ቁሩብ እቶም 12 ሃዋርያቱን ካልኦትን ኣብኡ መጽዎ።

ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌታት ምጥቃም

ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ህዝቢ ድሕሪ ምዝራቡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ምስ መጹ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣማሃህርኡ ክፈልጡ ደልዮም ናብኡ መጹ። ብምሳሌ ገይሩ ክምህር ከሎ ቅድሚኡ ሰሚዖምዎ ኢዮም: ክሳዕ ክንድዚ ሰፊሕ ግን ኣይነበረን። ስለዚ “ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።

ሓደ ካብቲ ምኽንያት ነቲ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር:” ዝብል በቲ ነብዪ እተባህለ ንምፍጻም ኢዩ። ግን ተወሳኺ ካልእ ዝዓበየ ምኽንያት ኣለዎ። ምሳሌታት ምጥቃሙ ኣልባብ ሰባት ንምፍላጥ ዝጠቅም ኢዩ።

ብሓቂ ክርአ ኸሎ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከም ክኢላ ነጋር ዛን​ታን ገባር ተኣምርን ገይሮም እምበር ከም ሓደ ክግልገልን ብዘይ ስስዐ ክሰዓብን ዝግብኦ ጐይታ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም ነይሮም። እቲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ኣነባብርኦምን በዚ ክመናጎ ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። እቲ መልእኽቲ ኣጸቢቑ ኣብ ውሽጦም ክኣቱ ኣይደለዩን።

ስለዚ የሱስ “እናረአዩስ ኣይርእዩን: እናሰምዑውን ኣይሰምዑን: ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ: ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አለኹ። ትን​ቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም: ከምዚ ዚብል . . . ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ” በሎም።

የሱስ “ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረአዩ: ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ክሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ: ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ: ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ: ብጹኣት [ኢኹም]” በሎም።

እወ: እቶም 12 ሃዋርያትን እቶም ምስኦም ዝነበሩን ዝቕበል ልቢ ኢዩ ነይርዎም። ስለዚ የሱስ ‘ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ: ንኣታቶም ግና ኣይተዋህበን’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኽፈልጡ ባህጊ ስለ ዝነበሮም የሱስ ነቲ ብዛዕባ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ ገለጸሎም።

የሱስ “እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ” እቲ መሬት ከኣ ናይ ሰባት ልቢ ኢዩ በሎም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ደረት መገዲ እተዘርአ ዘርኢ ኸኣ “ምእንቲ ኸይአምኑን ከይድሕኑን ኢሉ: ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ” ኢሉ ገለጸሎም።

በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣብ ብዙሕ ሓመድ ዘይብሉ ከውሒ እተዘርአ ንልቢ ናይቶም ነቲ ቓል ብሓጐስ ዝቕበልዎ ሰባት ኢዩ ዘመልክት። ይኹን እምበር: እቲ ቓል ኣብ ልቦም ኣዕሚቑ ስለ ዘይኣቱ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ እዋን ፈተና ወይ ከኣ ስደት ይወድቁ።

የሱስ ቀጺሉ እቲ ኣብ ማእከል እሾኽ እተዘርአ ዘርኢ ነቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ ሰባት ከም ዘመልክት ተዛረበ። ይኹን እምበር: እዚኣቶም ብጭንቀት ናይዛ ዓለም እዚኣ ከምኡውን ኣብ ህይወት ዝረኽብዎ ሃብትን ተድላን ይተሓዙ እሞ: ኣብ ብስለት ንኸይበጽሑ ምሉእ ብምሉእ ይሕነቑ።

ኣብ መወዳእታ: እቲ ኣብ ጽቡቕ መሬት እተዘርአ ኸኣ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኣብ ብሉጽን ጽቡቕን ልቦም ዝሕዝዎ እሞ ብምጽማም ኣብ ፍረ ዝበጽሑ ሰባት ከም ዘመልክት ተዛረበ።

ደቀ መዛሙርቱ ናይ ትምህርትታቱ መግለጺ ንምርካብ ኢሎም ንየሱስ ብምድላዮምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተባሪኾም! የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ምእንቲ ክምህሮም እቲ ዝጥቀመሉ ምሳሌታት ዝርዳእ ክኸውን ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። “መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧” ኢሉ ሓተቶም። ኣይፋልን ‘ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ደኣ የንብርዎ።’ ድሕርዚ የሱስ “ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ” በሎም።

ተወሳኺ ትምህርቲ ብምርካብ ተባረኹ

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ መብርሂ ዝያዳ መግለጺ ምስ ረኸቡ ካልእ ተወሳኺ እውን ክማሃሩ ደለዩ። “ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና” ኢሎም ሓተትዎ።

ናይቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣረኣእያ ካብቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ኻልኦት ህዝቢ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ ነይሩ! እቶም ሰባት በቲ ዝቐረበሎም መባእታዊ ነገራት ጥራይ ስለ ዝዓገቡ ትርጕም ናይቲ ምሳሌታት ናይ ምፍላጥ ልባዊ ባህጊ ኣይነበሮምን። ነቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ሰማዕቱ ምስቶም ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ቤት መጺኦም ዝሓተትዎ ደቀ መዛሙርቱ ብምንጽጻር የሱስ ከምዚ በለ:⁠-

“በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ።” እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስቲ ናይ የሱስ ልባዊ ተገዳስነትን ቈላሕታን ተሰማምዑ: በዚ ድማ ዝያዳ ትምህርቲ ብምርካብ ተባረኹ። በዚ ኸኣ ንሕቶ ደቀ መዛሙርቱ ንምምላስ የሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጸሎም:⁠-

“እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ: ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ: እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም: እቲ ኽርዳድ ግን ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ: እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ: እቶም ዓጻዶ ኸኣ መ[ላእ]ኽቲ እዮም።”

የሱስ ኣብቲ ምሳሌ ንዘሎ ነገራት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምንጋሩ: ነቲ ውጽኢት ገለጸ። ኣብ መወዳእታ ዓለም እቶም ዓጻዶ ወይ ከኣ መላእኽቲ ነቶም ከም ክርዳድ ዝምሰሉ ኣምስሉ ክርስትያናት ካብቶም ናይ ሓቂ “ደቂ መንግስቲ” ከም ዝፈልይዎም ተዛረበ። ካብኡ እቶም “ደቂ እቲ እኩይ” ናብ ጥፍኣት ክኸዱ: እቶም ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ: “ጻድቃን” ግን ኣብ መንግስቲ ኣቡኦም ደሚቖም ክበርሁ ኢዮም።

ካብኡ ቀጺሉ የሱስ ነቶም ዝሓቱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ተወሳኺ ሰለስተ መብርሂታት ሃቦም። መጀመርታ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ: ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ” በሎም።

ቀጺሉ ኸኣ “መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ” በሎም።

የሱስ ንባዕሉ ከምቲ እተሓብአ መዝገብ ዝረኸበ ሰብኣይን ከምቲ ክቡር ዕንቊ ዝረክብ ነጋዳይን ኢዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበሮ ክቡር ቦታ ሓዲጉ ትሑት ሰብ ንኽኸውን ዘለዎ ዅሉ ሸጠ። ድሕርዚ ኣብ ምድሪ ከም ዝነብር ሰብ መጠን ውርደትን መስጐግትን ብምዕጋሱ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ገዛኢ ክኸውን ከም ዝበቅዕ ኣረጋገጸ።

ሰዓብቲ የሱስ እውን ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ወይ ናይታ መንግስቲ ምድራውያን ተገዛእቲ ናይ ምዃን ዓስቢ ንኽረኽቡ: ዘለዎም ኵሉ ናይ ምሻጥ ኣጋጣሚ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ኣሎ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፋሊ ምዃን ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወት ዘሎ ነገር ንላዕሊ ክቡር: ከም ብዋጋ ዘይሽነን ሃብቲ ወይ ከም ክቡር ዕንቊ ገይርናዶ ንርእዮ ኢና፧

ኣብ መወዳእታ የሱስ “መንግስተ ሰማያት” ምስ ሓደ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝገፍፍ መርበብ ኣመሳሰላ። እቶም ዓሳ ክፈላለዩ ከለዉ እቲ ሕማቕ ይድርበ: እቲ ጽቡቕ ግን ይእከብ። ስለዚ የሱስ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከምኡ ክኸውን ኢዩ በለ፣ እቶም መላእኽቲ ነቶም እኩያት ካብቶም ጻድቃን ይፈላልይዎም። ድሕርዚ እቶም እኩያት ይጠፍኡ።

የሱስ ነቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ “ገፈፍቲ ሰብ” ንኽዀኑ ብምጽዋዕ ነዚ ናይ ምግፋፍ ዕዮ ባዕሉ ኢዩ ጀሚርዎ። እዚ ናይ ምግፋፍ ዕዮ ብናይ መላእኽቲ ሓለዋ ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበናት ቀጺሉ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ እቲ ነተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ክርስትያን ኢና ዝብላ ማሕበራት ዝምሰል “መርበብ” ዝጕተተሉ ግዜ ኣኸለ።

እቲ ሐሕማቑ ዓሳ ናብ ጥፍኣት እኳ እንተ ተደርበየ ኣብ መንጎ እቶም ዝእከቡ ‘ጥዑያት ዓሳ’ ክንከውን ምኽኣልና ዝምስገን ኢዩ። ከምቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይ የሱስ ዝያዳ ፍልጠትን ምርዳእን ንምርካብ ዘርኣይዎ ልባዊ ባህጊ ብምርኣይ: ዝያዳ ትምህርቲ ብምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ኣምላኽ ዝህቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት በረኸታት ብምርካብ እውን ክንባረኽ ኢና። ማቴዎስ 13:⁠1⁠-​52፣ ማርቆስ 4:⁠1⁠-​34፣ ሉቃስ 8:⁠4⁠-​18፣ መዝሙር 78:⁠2፣ ኢሳይያስ 6:⁠9, 10

▪ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብምሳሌ እተዛረቦም ኣበይን መዓስን ኢዩ፧

▪ እተን የሱስ ነቶም ህዝቢ ዝነገሮም ሓሙሽተ ምሳሌታት ኣየኖት ኢየን፧

▪ የሱስ ፍረ ኣድሪ ካብ ኵሉ ዝነኣሰት ኢያ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ የሱስ ክዛረብ ከሎ ምሳሌታት እተጠቕመ ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብቶም ህዝቢ እተፈልዩ ምዃኖም ብኸመይ ኣርኣዩ፧

▪ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝነግር ምሳሌ ክህብ ከሎ እንታይ መግለጺ ኢዩ ዝሃበ፧

▪ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ዝፍለዩ ብኸመይ ኢዮም፧

▪ እቲ ዘራኢ: እቲ ግራት: እቲ ጽቡቕ ዘርኢ: እቲ ጸላኢ: እቲ ቀውዒ: ከምኡውን እቶም ዓጻዶ ንመን ወይ ከኣ እንታይ የመልክቱ፧

▪ የሱስ እንታይ ሰለስተ ተወሳኺ ምሳሌ ኢዩ ዝሃበ: ካብኡኸ እንታይ ንማሃር፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ጳለስጢና ዝበቍል ከም ኦም ኰይኑ ዝዓቢ ዓይነት ኣድሪ።