ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሳሌ ናይተን ምና

ምሳሌ ናይተን ምና

ምዕራፍ 100

ምሳሌ ናይተን ምና

የሱስ ገና ኣብቲ ናብ የሩሳሌም ገጹ ክኸይድ ከሎ ዘላገሶ ቤት ዘኬዎስ ኢዩ ዝህሉ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ክእውጅ እሞ መንግስቱ ከቕውም ኢዮም ትጽቢት ገይሮም ዘለዉ። ነዚ ሓሳብ እዚ ንምእራምን እታ መንግስቲ ኸኣ ገና ምዃና ንምርኣይን የሱስ ሓንቲ ምሳሌ ነገሮም።

“ሓደ ውሉድ ጭዋ: መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ: ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ” በሎም። እቲ “ውሉድ ጭዋ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ኢዩ: እቲ “ርሑቕ ሃገር” ከኣ ሰማይ ኢዩ። የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ኣቡኡ መንግስታዊ ስልጣን ክህቦ ኢዩ።

ቅድሚ ምኻዱ ግን እቲ ውሉድ ጭዋ ዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ “ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ” ብምባል ንነፍሲ ወከፎም ናይ ብሩር ምና ሃቦም። እቶም ዓሰርተ ባሮት ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢዮም ዘመልክቱ። ብዝሰፍሐ ኣወዓዕልኡ ኸኣ: ነቶም ምስኡ ሰማያዊ መንግስቲ ዝወርሱ ኵሎም ዘመልክት ኢዩ።

እቲ ናይ ብሩር ምና ክቡር ገንዘብ ኢዩ: ንናይ ሕርሻ ሰራሕተኛ ናይ ሰለስተ ወርሒ መሃያ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ምና ግን እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ እቶም ባሮትከ ብኡኡ ገይሮም እንታይ ዓይነት ንግዲ ኢዮም ክገብሩ፧

እቲ ምና የሱስ ንጉስ ናይታ መብጽዓ እተገብራ መንግስቲ ኰይኑ ክሳዕ ዝመጽእ እቶም መንፈሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ተወሰኽቲ ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ንምምጻእ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ጥሪት ኢዩ ዘመልክት። የሱስ ድሕሪ ምትንስኡን ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ተራእዮምን: ክፍሊ ናይ መንግስተ ሰማያት ዝዀኑ ሰባት ብምውሳኽ ዝያዳ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ኢሉ ነቲ ምሳልያዊ ምና ሃቦም።

የሱስ ቀጺሉ “ደቂ ዓዱ ግና [ነቲ ውሉድ ጭዋ] ጸልእዎ እሞ፤ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና: ኢሎም ደድሕሪኡ ለአኹ” በለ። እቶም ደቂ ዓዱ ንደቀ መዛሙርቱ ሓዲግካ: እስራኤላውያን ወይ ከኣ ኣይሁድ ኢዮም። የሱስ ንሰማይ ምስ ከደ እቶም ኣይሁድ ንደቀ መዛሙርቱ ብምስጓጕ ንጉሶም ክኸውን ከም ዘይደልይዎ ኣርኣዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቶም ልኡኻት ዝሰደዱ ደቂ ዓዱ ኰኑ።

እቶም ዓሰርተ ባሮት ነቲ ዓሰርተ ምና ብኸመይ ተጠቕሙሉ፧ የሱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኰነ ድማ: መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ: ነቶም ወርቂ [“ብሩር:” NW  ] ዝሃቦም ባሮቱ: ክንደይ ዚአክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ: ኪጽውዑሉ አዘዘ። እቲ ቐዳማይ፤ ጐይታይ: ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ: ኢሉ ቐረበ። ንሱ ኸኣ፤ ኣታ ሕያዋይ ባርያ: ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ: ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም: በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፤ ጐይታይ: እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ: እናበለ መጸ። ነዚ ድማ፤ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም: በሎ።”

እቲ ዓሰርተ ምና ዝነበሮ ባርያ: ነቶም ሃዋርያት እውን ሓዊስካ ነቶም ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ሓሙሽተ ምና ዘለዎ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ጕጅለ እሞ ብዝነበሮም ኣጋጣምን ክእለትን ኣብ ምድሪ ሃብቲ ናይቲ ንጉስ ዘዕበዩ ሰባት ኢዩ ዘመልክት። ክልቲኦም ጕጅለ ነቲ ብስራት ብቕንኢ ኢዮም ዝሰብክዎ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ክርስትያናት ኰኑ። ትሽዓተ ካብቶም ባሮት ዕዉት ንግዲ ገበሩ ነቲ ዝነበሮም ከኣ ወሰኹሉ።

የሱስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ሓደ ኻልእ ድማ፤ ጐይታይ: ዘየንበርካዮ እተልዕል: ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ: ፈሪሄካስ: እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ: እናበለ መጸ። ንሱ ድማ፤ ኣታ እኩይ ባርያ: ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ አሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል: ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ: ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ [“ብሩረይ:” NW  ] ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ: በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፤ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ: በሎም።”

እቲ እኩይ ባርያ ነታ ምሳልያዊት ምና ምስኣኑ ማለት ኣብቲ ሰማያዊ መንግስቲ ቦታ ኣይክህልዎን ማለት ኢዩ። እወ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ልዕሊ እተን ዓሰርተ ወይ ከኣ ሓሙሽተ ከተማታት ናይ ምግዛእ መሰል ኣጥፍአ። እቲ ባርያ እኩይ እተባህለ ሕማቕ ነገር ብምግባሩ ዘይኰነስ ሃብቲ ናይ መንግስቲ ጐይትኡ ንምዕባይ ብዘይምስርሑ ምዃኑ እውን ኣስተብህል።

ናይቲ እኩይ ባርያ ምና ነቲ ዓሰርተ ዘለዎ ምስ ተዋህበ “ጐይታይ: እትስ ዓሰርተ ምና አለዎ” በልዎ። ይኹን እምበር: የሱስ “ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ: ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኼግድፍዎ እዮም: እብለኩም አሎኹ። ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም” በሎም። ሉቃስ 19:⁠11-27፣ ማቴዎስ 28:⁠19, 20

▪ የሱስ ምሳሌ ናይቲ ምና ንኽነግር ዘለዓዓሎ እንታይ ኢዩ፧

▪ እቲ ውሉድ ጭዋ መን ኢዩ: እቲ ዝኸዶ ሃገርከ ኣበይ ኢዩ፧

▪ እቶም ባሮት መን ኢዮም: እቲ ምናኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

▪ እቶም ደቂ ዓዱ መን ኢዮም: ጽልኦምከ ብኸመይ ኢዮም ዘርእይዎ፧

▪ ሓደ ባርያ እኩይ እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ: ምናኡ ምስኣን ማለትከ እንታይ ኢዩ፧