ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ ምብላዕ

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ ምብላዕ

ምዕራፍ 76

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ ምብላዕ

ንሓደ ዓባስ ዝነበረ ሰብኣይ ንምሕዋይ የሱስ እተጠቕመሉ ሓይሊ ምንጩ መን ምዃኑ እቶም ነቐፍቲ ሓቲቶሞ ምስ መለሰሎም: ሓደ ፈሪሳዊ ድራር ዓደሞ። ፈሪሳውያን ቅድሚ ምብልዖም ክሳዕ ኵርናዕ ኢዶም ናይ ምሕጻብ ልምዲ ነበሮም። ቅድሚ ምብልዖም: ምስ በልዑ: ኣብ መንጎ እውን ከይተረፈ ይሕጸቡ ነበሩ። እቲ ልምዲ ነቲ እተጻሕፈ ናይ ኣምላኽ ሕጊ ዘይጥሕስ እኳ እንተዀነ: ካብቲ ኣምላኽ ንጽርየት ዝምልከት ዝደልዮ ዝሓለፈ ኢዩ።

የሱስ ነቲ ልምዲ ከም ዘይሰዓቦ ምስ ረኣየ እቲ ዝዓደሞ ተገረመ። እቲ ምግራሙ ብቓል እኳ እንተ ዘይተዛረቦ የሱስ ፈለጦ እሞ: “ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን: ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ: ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። ኣቱም ዓያሱ: እቲ ናይ ዝባኑ ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧” በሎ።

በዚ ኸምዚ የሱስ ንግብዝና ናይቶም ብልምዲ ኢዶም ዝሕጸቡ: እንተዀነ ግን ንልቦም ካብ እከይ ዘይሓጽቡ ፈሪሳውያን ኣቃልዐ። “እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሀቡ: እንሆ: ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም” ኢሉ መዓዶም። እቲ ምሃቦም ብፈቃር ልቢ እተደረኸ እምበር: ንኻልኦት በቲ ናይ ጽድቆም ኣምስሉነት ንኽምስጡ ክኸውን የብሉን።

የሱስ ቀጺሉ “ኣቱም ፈሪሳውያን ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ: ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ: ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ” በሎም። እስራኤላውያን ዕሽር ወይ ከኣ ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ካብ ግራውቶም ዝረኽብዎ ነገራት ክህቡ ሕጊ ኣምላኽ ይእዝዞም ነበረ። ሽላንን ጨና ኣዳምን ንመግቢ ንምምቃር ዝጠቅም ንኣሽቱ ኣታኽልቲ ኢዩ። ፈሪሳውያን ናይዚ ኣብ ቍጽሪ እውን ዘይኣቱ ንኣሽቱ ኣታኽልቲ ዕሽር ተጠንቂቖም ይኸፍሉ: እንተዀነ ግን ነቲ ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ ፍቕሪ ምርኣይ: ሕያውነት ምዝውታር: ከምኡውን ትሑት ምዃን ሸለል ስለ ዝብልዎ የሱስ ኰነኖም።

ቀጺሉ ክዅንኖም ከሎ “ኣቱም ፈሪሳውያን: ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ: ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ: ወይለኹም። ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ከም ዘይርኤን: ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ: ወይለኹም” በሎም። እቲ ርኽሰቶም ርኡይ ኣይኰነን። ናይ ፈሪሳውያን ሃይማኖት ብደገ ዝርአ ነገራት ነይርዎ ኢዩ ብውሽጢ ግን ዋላ ሓንቲ ዋጋ ኣይነበሮን! ኣብ ግብዝና እተመስረተ ኢዩ ነይሩ።

ነዚ ከምዚ ዝበለ ምዅናን ዝሰምዕ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ሕጊ ዝፈልጡ ጠበቓ “መምህር: እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና አሎኻ” በሎ።

የሱስ “ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ: ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ: ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ: ወይለኹም” ብምባል ንሳቶም እውን ብሓላፍነት ከም ዝሕተቱ ኣርኣየ። ቀጺሉ ኸኣ “ንስኻትኩም መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም: ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ: ወይለኹም” በሎም።

እዚ የሱስ ዝጠቐሶ ጾር እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ዝነበረ ልምዲ ኢዩ: እዞም ጠበቓታት እዚኣቶም ግን እቲ ህዝቢ ምእንቲ ክቐለሉ ኢሎም ካብዚ ሕግታት እዚ ሓንቲ እውን ትኹን ኣየልዕሉን ኢዮም። ንሳቶም ንነብያት ኣብ ምቕታል እውን ከም ዝሓበሩ ኣቃልዖም: ቀጺሉ ኸኣ “ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ: ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ: እብለኩም አሎኹ” ብምባል ኣጠንቀቖም።

እታ በጅነት ዘድልዮም ደቅሰብ ዝሓዘት ዓለም: ኣዳምን ሄዋንን ምስ ወለዱ ኢያ ጀሚራ፣ በዚ ኸምዚ ኣቤል ኣብ “ምስራት ዓለም” ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ዘካርያስ እኩይ ብዝዀነ መገዲ ምስ ተቐትለ ናይ ሶርያ ሰራዊት ንይሁዳ ኣዕነውዋ። የሱስ ግን ብምኽንያት እቲ ዝዓበየ ክፍኣት ኣብ ግዜኡ ንዝነበረ ወለዶ ዝወርዶ ዝገደደ ዕንወት ኢዩ ዝንበ ነይሩ። እዚ ዕንወት እዚ ዳርጋ 38 ዓመታት ጸኒሑ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ተፈጸመ።

ነቲ ምዅናኑ ክቕጽል ከሎ የሱስ “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ: መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ: ንስኻትኩም ኣይአቶኹምን: ነቶም ኪአትዉ ዝደልዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ: ወይለኹም” በሎም። እቶም ፈለጥቲ ሕጊ ቃል ኣምላኽ ነቶም ህዝቢ ትርጕሙ እናኣረድኡ ክገልጹሎም ይግብኦም ነበረ። እንተዀነ ግን: እዚ ክገብሩ ኣይከኣሉን: አረ እቲ ናይ ምርዳእ ኣጋጣሚ እውን ነቶም ህዝቢ ኣሕደግዎም።

እቶም ፈሪሳውያንን እቶም ናይ ሕጊ ምሁራትን የሱስ ስለ ዘቃልዖም ተቘጥዑ። ካብታ ቤት ክወጽእ ከሎ ድማ ኣበርቲዖም ክቃወምዎን ክሓትዎን ጀመሩ። ገለ ከእስሮ ዝኽእል ነገር ንኽብል ኣብ መፈንጠራ ከእትውዎ ጸዓሩ። ሉቃስ 11:⁠37-54፣ ዘዳግም 14:⁠22፣ ሚክያስ 6:⁠8፣ 2 ዜና መዋእል 24:⁠20-25

▪ የሱስ ንፈሪሳውያንን ንፈልጥቲ ሕግን ዝዀነኖም ስለምንታይ ኢዩ፧

▪ እቶም ጠበቓታት እንታይ ጾር ኢዮም ነቶም ህዝቢ ዘሰክምዎም፧

▪ “ምስራት ዓለም” መዓስ ኢዩ፧