ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምንጪ ሓጐስ

ምንጪ ሓጐስ

ምዕራፍ 75

ምንጪ ሓጐስ

የሱስ ኣብ ገሊላ ከገልግል ከሎ ተኣምራት ገበረ: ሕጂ ኸኣ ነዚ ተኣምራት እዚ ኣብ ይሁዳ ደገሞ። ንኣብነት: ንሓደ ሰብኣይ ነቲ ከይዛረብ ዓቢስዎ ዝነበረ ጋኔን ኣውጽኣሉ። እቶም ህዝቢ ተገረሙ: እንተዀነ ግን እቶም ነቐፍቲ ከምቲ ኣብ ገሊላ ኣልዒሎሞ ዝነበሩ ተቓውሞ ኣልዓሉ። “ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል: በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ: እዩ ዜውጽኦም ዘሎ” በሉ። ካልኦት ከኣ መንነቱ ዘረጋግጽ ዝያዳ መርትዖታት ደለዩ እሞ: ካብ ሰማይ ምልክት ክህቦም ሓተትዎ።

ዝሓስብዎ ዘለዉ ስለ ዝፈለጠ: የሱስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እውን ከምቲ ነቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ነቐፍቱ ዝሃቦ መልሲ ሃቦም። ንሓድሕዱ እተኸፋፈለ ኵሉ መንግስቲ ከም ዝወድቕ ነገሮም። “ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፋላለየ ደኣ: እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧” ኢሉ ሓተቶም። እቲ ነቐፍቱ ሒዞሞ ዘለዉ ኣቕዋም ሓደገኛ ምዃኑ ንምምልካት “ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና: መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት” በሎም።

እቶም ናይ የሱስ ተኣምራት ዝረኣዩ ሰባት ከምቲ እቶም ሙሴ ቅድሚ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ተኣምራት ክገብር ከሎ ምስ ረኣዩ ዝሃብዎ መልሲ ገይሮም ክምልሹ ይግባእ። ንሳቶም “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ” በሉ። ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ጽላት እምኒ ዝጸሓፈት እውን “ኣጻብዕ ኣምላኽ” ኢያ ነይራ። እቲ የሱስ ኣጋንንቲ ከውጽእ ሕሙማት ከሕዊ ዘኽኣሎ ኸኣ “ኣጻብዕ ኣምላኽ”​—⁠እቲ ቅዱስ መንፈሱ: ወይ መስለጢ ሓይሉ⁠—⁠ኢዩ። ስለዚ ነዞም ነቐፍቲ እዚኣቶም ብሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብኦም በጺሓ ኢያ: ምኽንያቱ የሱስ እቲ ናይታ መንግስቲ ንጉስ ክኸውን እተሰየመ ኣብ ማእከሎም ኢዩ ነይሩ።

ካብኡ የሱስ ልክዕ ከምቲ ንሓደ ኣጽዋር ሒዙ ቤቱ ዝሕሉ ሰብኣይ ካብኡ ዝሕይል መጺኡ ዘግድፎ: ንሱ ኸኣ ኣጋንንቲ ከውጽእ ምኽኣሉ ካብ ሰይጣን ከም ዝሕይል ዘርኢ ምዃኑ ኣብርሀ። እቲ ኣብ ገሊላ ብዛዕባ ሓደ ርኹስ መንፈስ ተዛሪብዎ ዝነበረ ምሳሌ ኸኣ ደገሞ። እቲ ርኹስ መንፈስ ነቲ ሰብኣይ ይሓድጎ: እቲ ሰብኣይ ግን እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ወጸሉ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታ ብሰናይ ነገራት እንተድኣ ዘይመሊእዎ: እቲ ርኹስ መንፈስ ካልኦት ሸውዓተ ሒዙ ይምለስ እሞ: ኵነታት ናይቲ ሰብኣይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን።

ነዚ ትምህርትታት እዚ እናሰምዑ ከለዉ: ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ “ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን” ክትብል ተለዓዓለት። ኵለን ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ኣደ ነብዪ ብፍላይ ከኣ ኣደ መሲሕ ምዃን ይብህጋ ስለ ዝነበራ: እዛ ሰበይቲ እዚኣ ከምኡ ምባላ ርዱእ ኢዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ማርያም ኣደ የሱስ ብምዃና ፍልይ ዝበለ ሓጐስ ዘለዋ ኰይኑ ከም እተሰምዓ ርዱእ ኢዩ።

ይኹን እምበር: የሱስ ብዛዕባ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ነታ ሰበይቲ ቀልጢፉ ኣረማ። “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም” በላ። የሱስ ኣዲኡ ማርያም ፍልይ ዝበለ ክብሪ ክውሃባ ኣለዎ ዝብል ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዝርከብ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብምዃን እምበር ብስጋዊ ዝምድና ወይ ስጋዊ ዓወት ከም ዘይኰነ ኣርኣየ።

የሱስ ከምቲ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ: ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሰማይ ምልክት ብምድላዮም ገንሖም። ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ዋላ ሓንቲ ካልእ ምልክት ከም ዘይውሃቦም ነገሮም። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲ ብምግባሩን: በቲ ሰብ ነነዌ ከም ዝናስሑ ዝገበሮም ናይ ትብዓት ስብከቱን ምልክት ኰነ። የሱስ ከኣ “እንሆ: ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በሎም። ብተመሳሳሊ ንግስቲ ሳባ ብጥበብ ሰሎሞን ተገረመት። የሱስ ከኣ “እንሆ: ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በሎም።

የሱስ ሓደ ሰብ መብራህቲ ከብርህ ከሎ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘይኰነስ ሰባት ነቲ ብርሃን ምእንቲ ክርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቀንዴል ከም ዝገብርዎ ተዛረበ። ኣብ ቅድሚ እዞም ተረርቲ ዝዀኑ ሰማዕቱ ምምሃርን ተኣምራት ምግባርን ምስ መብራህቲ ምሕባእ ከም ዝመሳሰል ኢዩ ብግልጺ ዝነግር ዘሎ። ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣዒንቲ ጥዑያት ወይ ከኣ ጽቡቕ ገይረን ዝርእያ ኣይኰናን: ስለዚ በተኣምራቱ ክፍጸም እተሓስበ ነገር ኣብ ሸቶኡ ኣይበጽሐን።

የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ኢዩ ጋኔን ብምውጻእ ንሓደ ዓባስ ዝነበረ ሰብ ከም ዝዛረብ ገይርዎ። እቶም ሰባት ጥዑያት ወይ ከኣ ጽቡቕ ገይረን ዝርእያ ኣዒንቲ እንተ ዝነበሮም: ነዚ ዓቢ ተግባር እዚ ንምውዳስ: ብስራት ከኣ ንምእዋጅ ክለዓዓሉ ይግብኦም ነይሩ! ይኹን እምበር: እዞም ነቐፍቲ እዚኣቶም ከምኡ ኣይኰኑን ገይሮም። ስለዚ የሱስ “እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። ኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ: ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዜብርሃልካ: ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ” ብምባል ዘረብኡ ደምደመ። ሉቃስ 11:⁠14-36፣ ዘጸኣት 8:⁠18, 19፣ 31:⁠18፣ ማቴዎስ 12:⁠22, 28

▪ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ብምሕዋዩ እንታይ ምላሽ ተረኽበ፧

▪ “ኣጻብዕ ኣምላኽ” እንታይ ኢዩ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማዕቲ የሱስ ዝበጽሐት ብኸመይ ኢያ፧

▪ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ እንታይ ኢዩ፧

▪ ሓደ ሰብ ጥዕይቲ ዓይኒ ክትህልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢዩ፧