ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምውላድ የሱስ —ኣበይን መዓስን፧

ምውላድ የሱስ —ኣበይን መዓስን፧

ምዕራፍ 5

ምውላድ የሱስ —⁠ኣበይን መዓስን፧

እቲ ንጉሰ ነገስት ናይ መንግስቲ ሮሜ ዝነበረ ቄሳር ኣውጉስጦስ ኵሉ ሰብ ነናብ ዓዱ ተመሊሱ ይመዝገብ ብምባል ኣዘዘ። ስለዚ ዮሴፍ ናብ ዓዱ ናብታ እተወልደላ ከተማ ቤት⁠-​ልሄም ተጓዕዘ።

ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ክምዝገቡ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ነበሩ: እቲ ዮሴፍን ማርያምን ክረኽብዎ ዝኸኣሉ መሕደሪ ኸኣ ደምበ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣእዱግን ካልኦት እንስሳታትን ዝነብሩሉ ቦታ ኢዩ የሱስ እተወልደ። ማርያም ብዓለባ ጠቕለለቶ እሞ ኣብቲ እንስሳታት መግቢ ዝበልዕሉ መብልዕ ማል ኣቐመጠቶ።

ቄሳር ኣውጉስጦስ ነዚ ናይ ምምዝጋብ ትእዛዝ እዚ ዘውጽአ ብናይ ኣምላኽ መሪሕነት ምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ቤት⁠-​ልሄም: ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ገዛኢ ዝውለደላ ቦታ ምዃና ዝሓበረላ ከተማ: ከም ዝውለድ ገበረ።

ኣየ ከመይ ዝበለት ኣገዳሲት ለይቲ ኰን ኢያ ነይራ! ኣብ መሮር ኣብቲ እተኣከቡ ጓሶት ዝነበሩሉ ከባቢ ድሙቕ ብርሃን በርሀ። ክብሪ የሆዋ ኢዩ! መልኣኽ የሆዋ ኸኣ “ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ:​—⁠ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ:​—⁠ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ: ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም: ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ብሃንደበት ከኣ ብዙሓት መላእኽቲ ተራእዩ እሞ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ዘመሩ።

እቶም መላእኽቲ ምስ ከዱ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም “እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ: ናብ ቤት⁠-​ልሄም ንኺድ” ተባሃሀሉ። ተቓላጢፎም ከዱ እሞ ንየሱስ ከኣ ኣብቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ቦታ ረኸብዎ። እቶም ጓሶት እቲ መልኣኽ ዝበሎም ነገራት ምስ ኣዘንተዉ ዝሰምዖም ዘበለ ተገረመ። ማርያም ከኣ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ኢዩ ተወሊዱ ኢሎም ይኣምኑ። ታሕሳስ ግን ኣብ ቤት⁠-​ልሄም ማይ ዝሃርመሉን ቆራርን ወቕቲ ኢዩ። ኣብዚ ኣዋርሕ እዚ ጓሶት ምስ መጓሴኦም ኣብ መሮር ኣይሓድሩን ኢዮም። እቲ ሮማዊ ቄሳር እውን ነቶም ድሮ ካብኡ ክዓልዉ ዝደልዩ ዝነበሩ ህዝቢ: ኣብቲ ብርቱዕ ቍሪ ዝነበረሉ እዋን ክምዝገቡ ነናብ ዓዶም ክኸዱ ከም ዘይእዝዞም ፍሉጥ ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ቀውዒ ዝጀመረሉ ከባቢ ናይቲ ዓመት ከም እተወልደ ርግጽ ኢዩ። ሉቃስ 2:⁠1⁠-​20፣ ሚክያስ 5:⁠2

▪ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት⁠-​ልሄም እተጓዕዙ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ ኣብታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ እንታይ ዘገርም ነገር ኢዩ እተፈጸመ፧

▪ የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ከም ዘይተወልደ ብኸመይ ንፈልጥ፧