ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞት የሱስ ኣብ ምቕራቡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ይከራኸሩ

ሞት የሱስ ኣብ ምቕራቡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ይከራኸሩ

ምዕራፍ 98

ሞት የሱስ ኣብ ምቕራቡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ይከራኸሩ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ኣውራጃ ጴርያ ናብ ይሁዳ ንኽሳገሩ ኣብ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ኢዮም ነይሮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ ዳርጋ ሰሙን ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ በዓል ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንምብዓል ምስኦም ይጓዓዙ ኣለዉ።

የሱስ ቀቅድሚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ንሳቶም ከኣ በቲ ቆራጽነቱ ተገሪሞም ኣለዉ። ገለ ሰሙናት ይገብር ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ካብ ጴርያ ናብ ይሁዳ ክኸይድ ምስ ደለየ ቶማስ ነቶም ካልኦት “ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” ብምባል ኣተባቢዕዎም ከም ዝነበረ ትዝክሮ ኢኻ። የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ኣተንስኦ እቶም ኣባላት ሳንሄድሪን ንየሱስ ክቐትልዎ ከም ዝወሰኑ እውን ዘክር። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሕጂ ናብ ይሁዳ እንደገና ክኣትዉ ከለዉ እንተ ፈርሁስ ዘገርም ኣይኰነን።

ነቲ ከጋጥሞም ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ከዳልዎም: የሱስ ነቶም 12 ንበይኖም ፈልዩ “እንሆ: ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና: ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ኪፈርድሉ: ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። ኬላግጹሉ: ጡፍ ኪብሉሉ: ኪገርፍዎ: ኪቐትልዎ: ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ” በሎም።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን እተዛረቦም እዚ ንሳልሳይ ግዜ ኢዩ። ንሳቶም ግን ዋላ እኳ እንተ ሰምዕዎ: ክርድኦም ኣይከኣለን። ዘይተረድኦም ምኽንያት ከኣ ምናልባት መንግስቲ እስራኤል እንደገና ኣብ ምድሪ ክትቀውም እሞ: ንሳቶም ከኣ ኣብ ምድራዊ መንግስቲ ምስ ክርስቶስ ግርማን ክብርን ክረኽቡ ይጽበዩ ብምንባሮም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብ መንጎ እቶም ናብ በዓል ፋስጋ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰሎሜ ኣደ ሃዋርያ ያእቆብን ዮሃንስን እውን ነበረት። የሱስ ነዚኣቶም “ደቂ ነጐዳ” ዝብል ስም ኣውጺኡሎም ነበረ: ከምኡ ዝበሎም ብምኽንያት እቲ ውዑይ ባህሪኦም ኢዩ ዝኸውን። እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ኣብ መንግስቲ ክርስቶስ ምርኡይ ቦታ ክህልዎም ይደልዩ ነበሩ: እዚ ድልየቶም እዚ ኸኣ ነዲኦም ነገርዋ። ስለዚ ንሳ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፊኣ ኣብ ክንድኦም ለመነት።

የሱስ ከኣ “እንታይ ትደልዪ፧” ኢሉ ሓተታ።

ንሳ ኸኣ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ: ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ: በል” በለቶ።

የሱስ ምንጪ ናይቲ ሕቶ መን ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ ንያእቆብን ዮሃንስን “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም።

ንሳቶም ከኣ “ንኽእል” በልዎ። የሱስ ብርቱዕ መስጐጕቲ ክወርዶ ምዃኑ: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ሞት ከም ዘጋጥሞ ኣቐድም ኣቢሉ ነጊርዎም እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እቲ ዝስተ “ጽዋእ” ክዛረቦም ከሎ ብዛዕባ እዚ ይዛረቦም ምህላዉ ከም ዘይተረድኦም ፍሉጥ ኢዩ።

የሱስ ግን “ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም: ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም።

ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ሃዋርያት እቲ ያእቆብን ዮሃንስን ዝሓተትዎ ፈለጡ እሞ ሓረቑ። ምናልባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያት መን ይዓቢ ዝብል ተላዒሉ ከሎ ያእቆብን ዮሃንስን እቶም ቀንዲ ነይሮም ይዀኑ። ነዚ ሕቶ እዚ እንደገና ምቕራቦም እቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣየውዓልዎን ነይሮም ማለት ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ምርኡያት ናይ ምዃን ባህጎም ገና ብርቱዕ ኢዩ ዘሎ።

ስለዚ ነዚ ሕጂ እተላዕለ ክርክርን ነቲ ዘስዓቦ ጸገምን ንምፍታሕ የሱስ ነቶም 12 ብሓንሳእ ጸውዖም። ብፍቕሪ ክመኽሮም ከሎ ከምዚ በሎም:- “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን: እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን” በሎም።

የሱስ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ኢሉ ክገልጽ ከሎ: ክስዕብዎ ዝግብኦም ኣብነት ሰርዓሎም። የሱስ ንኻልኦት ኣገልጊሉ ጥራይ ዘይኰነስ ምእንቲ ደቅሰብ ክሳዕ ሙማት እውን ከይተረፈ ክበጽሕ ኢዩ! እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ንኻልኦት ከገልግሉ እምበር ብኻልኦት ክግልገሉ ብዘይ ምድላይ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኣብ ምርኡይ ቦታ ክዀኑ ዝደልዩ ትሕት ክብሉ ብምድላይ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ባህሪ ከርእዩ የድልዮም ነበረ። ማቴዎስ 20:⁠17-28፣ ማርቆስ 3:⁠17፣ 9:⁠33-37፣ 10:⁠32-45፣ ሉቃስ 18:⁠31-34፣ ዮሃንስ 11:⁠16

▪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝፈርሁ ስለምንታይ ኢዮም፧

▪ የሱስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዘለዎ ነገራት ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኣዳለዎም፧

▪ ንየሱስ እንታይ ልመና ኢዩ ዝቐረበሉ: እቶም ካልኦት ሃዋርያትከ ብኸመይ ተተንከፉ፧

▪ የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ሃዋርያቱ እተላዕለ ሽግር ብኸመይ ፈትሖ፧