ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስቅያት ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ

ስቅያት ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ

ምዕራፍ 117

ስቅያት ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ

የሱስ ጸልዩ ምስ ወድአ: ንሱን እቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱን ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ። ብድሕሪኡ ካብቲ ላዕላይ ደርቢ ወሪዶም ናብቲ ዛሕሊ ዝነበሮ ጸልማት ለይቲ ወጹ: በቲ ስንጭሮ ናይ ቄድሮን ኣቢሎም ከኣ ናብ ቢታንያ ገጾም ከዱ። ኣብቲ መገዲ ግን ኣብ ሓንቲ ዝፈትዉዋ ቦታ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ጌተሴማኔ ኣላገሱ። እዚ ኣብ ደብረ ዘይቲ ወይ ኣብ ጥቕኡ ኢዩ ዝርከብ። የሱስ ብዙሕ ግዜ ኣብዚ ኦም ኣውልዕ ዝነበሮ ቦታ ምስ ሃዋርያቱ ይራኸብ ነበረ።

ነቶም ሸሞንተ ሃዋርያት ምናልባት ኣብ መእተዊ ናይቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ብምግዳፍ: “ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ: ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም። ብድሕርዚ: ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ማለት ንጴጥሮስ: ንያእቆብ: ከምኡውን ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ውሽጢ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣተወ። የሱስ ጐሃየን ተጨነቐን። “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት አዝያ ጕህያ አላ: ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም።

ካብኦም ርሕቕ ኢሉ ኸኣ ኣብ ምድሪ ብገጹ ተደፊኡ “ኣቦይ: ዚከአል እንተ ዀይኑስ: እዛ ጽዋእ እዚአ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን” ብምባል ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ‘ክሳዕ ሞት ዝጕሃየ’ ስለምንታይ ኢዩ፧ ካብቲ ንሙማትን በጅነት ንምሃብን ዝገበሮ ውሳኔ የድሓርሕር ድዩ ዘሎ፧

ፈጺሙ ኣይኰነን! የሱስ ካብ ሞት ክድሕን ኣይኰነን ዝልምን ዘሎ። ሓደ ግዜ ጴጥሮስ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ንኽገድፎ ምስ መኸሮ የሱስ ነቲ ዘቕረበሉ ሓሳባት እውን ከይተረፈ ጸሊእዎ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከም ንዑቕ ገበነኛ ዝሞተሉ ኣገባብ ንስም ኣቡኡ ጸርፊ ዘምጽእ ከይከውን ስለ ዝፈርሐ ኢዩ ተጨኒቑ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ከም ንኣምላኽ ዝጸርፍ እኩይ ሰብ ኰይኑ ኣብ ዕንጨይቲ ክስቀል ምዃኑ ኢዩ ተረዲእዎ! እቲ ኣጸቢቑ ዘጨነቖ ኸኣ እዚ ኢዩ።

ኣንዊሑ ድሕሪ ምጽላዩ: የሱስ ተመልሰ እሞ እቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ ደቂሶም ረኸቦም። ናብ ጴጥሮስ ብምምልካት ከኣ “ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ አይትኽእሉን ኢኹም፧ ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን” በሎም። ይኹን እምበር: ነቲ ዝቐነይዎ ጭንቀት: ከምኡውን እቲ ግዜ ለይቲ ምንባሩ ኣፍልጦ ብምሃብ “መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም።

የሱስ ንኻልኣይ ግዜ ከደ እሞ ኣምላኽ “ነዛ ጽዋእ እዚኣ” ማለት ነቲ የሆዋ ንየሱስ ዝመደበሉ ወይ ከኣ እቲ ንዕኡ ዝነበሮ ፍቓድ ከልግሰሉ ጸለየ። ምስ ተመልሰ: እቶም ሰለስተ ኣብ ፈተና ከይኣትዉ ክጽልዩ እናተገብኦም እንደገና ደቂሶም ረኸቦም። የሱስ ምስ ተዛረቦም ከኣ ዝምልስዎ ሰኣኑ።

ኣብ መወዳእታ ንሳልሳይ ግዜ የሱስ ዳርባ እምኒ ዝኸውን ርሒቑ ብብርኩ ተምበርኪኹ “ኣቦይ: ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ” ብምባል ኣበርቲዑ ጸለየ። የሱስ ከም ገበነኛ ሙማቱ ንስም ኣቡኡ ጸርፊ ስለ ዘምጽእ ኣጸቢቑ ኢዩ ሓዚኑ። ከም ሓደ ንኣምላኽ ዝረግም: ንኣምላኽ ዝጸርፍ ኰይኑ ክኽሰስሲ ኣየ ክንደይ ከቢድ ኰን ኢዩ!

እንተዀነ ግን: የሱስ “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” እናበለ ብምጽላዩ: እዙዝ ብምዃን ፍቓዱ ምስ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ኣሰማምዐ። ሽዑ ካብ ሰማይ መልኣኽ ተራእዮ እሞ ብዘተባብዕ ቃላት ገይሩ ኣበራትዖ። እቲ መልኣኽ የሱስ ስምረት ኣቡኡ ከም ዝረኸበ ነጊርዎ ክኸውን ይኽእል።

ይኹን እምበር: የሱስ ከመይ ዝበለ ሰኸም ኰን ኢዩ ተሰኪሙ ዘሎ! ናቱን ናይ ብምሉኡ ሰብኣዊ ዓሌትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብቲ ናቱ ሚዛናዊ ምዃን ኢዩ ኣንጠልጢሉ ዘሎ። እቲ ስምዒታዊ ጭንቀት ብርቱዕ ኢዩ። ስለዚ የሱስ ነቲ ልባዊ ጸሎቱ ቀጸሎ: እቲ ርሃጹ ናብ ምድሪ ክነጥብ ከሎ ድማ ከም ደም ጥብ ጥብ በለ። ዘ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲአሽን (እንግሊዝኛ) ክገልጽ ከሎ “ደም ምርሃጽ ሳሕቲ ዝኸውን ፍጻሜ እኳ እንተዀነ . . . ኣብቲ ብርቱዕ ስምዒታዊ ምርባጽ ዝህልወሉ ግዜ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ” ብምባል ርእይቶ ይህብ።

ብድሕርዚ የሱስ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ሃዋርያቱ ተመልሰ: እንደገና ኸኣ ደቂሶም ረኸቦም። በቲ ብርቱዕ ጓሂ ደኺሞም ኢዮም ነይሮም። የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም:- “ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም!” (NW ) “ይአክል: እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ: ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ። ተንስኡ ንኺድ: እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ: ቀሪቡ አሎ” በሎም።

የሱስ ገና እናተዛረበ ከሎ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስቶም ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ዝሓዙ ብዙሓት ህዝቢ ኰይኑ መጸ። ማቴዎስ 26:⁠30, 36-47፣ 16:⁠21-23፣ ማርቆስ 14:⁠26, 32-43፣ ሉቃስ 22:⁠39-47፣ ዮሃንስ 18:⁠1-3፣ እብራውያን 5:⁠7

▪ ካብቲ ላዕላይ ደርቢ ድሕሪ ምውጽኦም የሱስ ነቶም ሃዋርያት ናበይ ኢዩ ወሲድዎም: ኣብኡኸ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

▪ የሱስ ክጽሊ ኸሎ እቶም ሃዋርያት እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧

▪ የሱስ እተሳቐየ ስለምንታይ ኢዩ: ንኣምላኽከ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝለመኖ፧

▪ ናይ የሱስ ረሃጽ ከም ነጥቢ ደም ምዃኑ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧