ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብልቦና ንመጻኢ ግዜ ምድላው

ብልቦና ንመጻኢ ግዜ ምድላው

ምዕራፍ 87

ብልቦና ንመጻኢ ግዜ ምድላው

የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ: ዘይቅኑዓት መኽፈልቲ ግብሪ: ካልኦት ፍሉጣት ሓጥኣን: ከምኡውን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝነበርዎ ህዝቢ ናይቲ ሓሻሺ ወዲ ዛንታ ክነግሮም ኢዩ ጸኒሑ። ሕጂ ኸኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ናይ ሓደ ብዛዕባ ኣዛዝ ቤቱ ወይ ከኣ መጋቢኡ ሕማቕ ወረ ዝሰምዐ ሃብታም ሰብኣይ ምሳሌ ነገሮም።

ከምቲ የሱስ ዝበሎ እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ነቲ ኣዛዝ ቤቱ ጸዊዑ ከም ዝሰጎ ነገሮ። እቲ ኣዛዝ ቤት ከኣ “ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ: ከይባሩ ኣይክእልን: ከይልምን ድማ እሐፍር: እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ: ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ: ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ።

እዚ ኣዛዝ ቤት እንታይ ክገ​ብር ኢዩ መዲቡ፧ ነቶም ጐይ​ትኡ ዝእውዶም ሰባት ጸው​ዖም። “እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ አሎካ፧” በሎ።

እቲ ቐዳማይ ከኣ ‘2,200 ሊትሮ ዘይቲ’ በሎ።

‘እንካ: ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል: ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ 1,100 ኢልካ ጽሐፍ’ በሎ።

ንኻልእ ከኣ “ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ንሱ ኸኣ “ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ” በሎ።

“እንካ: ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ: በሎ።”

እቲ ኣዛዝ ቤት ገና ካብ ሽመቱ ኣይተሳዕረን ዘሎ: ስለዚ ነቶም ጐይትኡ ዝእውዶም ሰባት ሕሳብ ከጕድለሎም ገና ሓላፍነት ኣለዎ። ሕሳብ ብምጕዳል ከኣ ካብ ስራሕ ምስ ወጸ ምስቶም ክፈድይዎ ዝኽእሉ ሰባት ዕርክነት ይገብር ኣሎ።

እቲ ጐይታ እቲ ዝገበሮ ነገር ምስ ሰምዐ: ተገረመ። እቲ ‘ዓመጸኛ ኣዛዚ: ብልቦና ስለ ዝገበረ ነኣዶ።’ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ “ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚአ ኣብ ወለዶኦም ይበላሐቱ እዮም” በለ።

ብድሕርዚ “ምስ ተወድአኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ: ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ እብለኩም አለኹ” ብምባል ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝኸውን ትምህርቲ ነገረ።

የሱስ ነቲ መጋቢ በቲ ዓመጹ ኣይኰነን ዝንእዶ ዘሎ: ኣብ ክንድኡስ በቲ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ልቦንኡ ኢዩ ዝንኣዶ። መብዛሕትኡ ግዜ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ” ብጕርሒ ገንዘቦምን መዓርጎምን ምስቶም ክፈድይዎም ዝኽእሉ ሰባት ኰይኖም ኢዮም ዘጥፍእዎ። ስለዚ እቶም ‘ደቂ ብርሃን’ ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ንስጋዊ ጥሪቶም: ‘ንገንዘብ ዓመጻ’ ብልቦና ንዕኦም ብዝጠቕሞም መገዲ ክጥቀሙሉ ይግብኦም።

ከምቲ የሱስ ዝበሎ ግን በዚ ሃብቲ እዚ ገይሮም ምስቶም “ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም” ክቕበልዎም ዝኽእሉ ዕርክነት ክገብሩ ይግብኦም። ነቶም ኣባላት ናይቲ ሒደት መጓሰ እዚ ኣባይቲ እዚ ኣብ ሰማይ ኢዩ፣ ነቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ከኣ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኢዩ። ንሰባት ናብዚ ኣባይቲ እዚ ክቕበሉ ዝኽእሉ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ጥራይ ስለ ዝዀኑ: እቲ ዘሎና ‘ገንዘብ ዓመጻ’ ናይታ መንግስቲ ረብሓ ንምድጋፍ ብምውዓል ምስኦም ዕርክነት ንምምስራት ህርኩታት ክንከውን ይግብኣና። ስጋዊ ሃብቲ: ከምቲ ብርግጽ ዝዀኖ: ክጐድል ወይ ክጠፍእ ከሎ: እቲ ናይ ዘለኣለም መጻኢና ግን እተረጋገጸ ይኸውን።

የሱስ ቀጺሉ እቶም ነዚ ስጋዊ ነገራት ወይ ከኣ ንኣሽቱ ነገራት ኣብ ምሓዝ እሙናት ዝዀኑ ሰባት: ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ንምግባር እውን እሙናት ከም ዝዀኑ ተዛረበ። “እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ: ንጥሪት ሓቂ [ማለት ናይ መንፈሳዊ: ወይ ከኣ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት] ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ ብናይ እማትኩም [እቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ሕድሪ ዝህቦም ናይታ መንግስቲ ረብሓታት] እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ: ናትኩም [እቲ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ኣባይቲ ዝርከብ ዓስቢ] ዚህበኩም ደአ መን እዩ፧” በሎም።

ከምቲ የሱስ ዝደምደሞ ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኴንና ከነብቅዕ ንገንዘብ ዓመጻ: ስጋዊ ሃብቲ: ክንግዛእ ኣይንኽእልን ኢና፣ ከምዚ በለ “ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ: ወይስ ነቲ ሓደ ተአዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ሉቃስ 15:⁠1, 2፣ 16:⁠1-13፣ ዮሃንስ 10:⁠16

▪ እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ኣዛዝ ቤት ምስቶም ደሓር ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ሰባት ዕርክነት ዝፈጠረ ብኸመይ ኢዩ፧

▪ ‘ገንዘብ ዓመጻ’ እንታይ ኢዩ: ብእኡ ገይርና ዕርክነት ክንፈጥር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

▪ ኣብቲ “ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም” ክቕበሉና ዝኽእሉ መን ኢዮም: እዚ ኣባይቲ እዚኸ እንታይ ኢዩ፧