ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሕቡእ ናብ የሩሳሌም ምኻድ

ብሕቡእ ናብ የሩሳሌም ምኻድ

ምዕራፍ 65

ብሕቡእ ናብ የሩሳሌም ምኻድ

እዋን ቀውዒ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ: በዓል ዳስ ከኣ ቀሪቡ ነበረ። የሱስ ካብቲ ኣይሁድ ኣብ በዓል ፋስጋ ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. ክቐትልዎ ዝደለዩሉ ግዜ ኣትሒዙ: ዕይኡ ኣብ ገሊላ ጥራይ ኢዩ ሓጺርዎ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ እዋን እቲ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት ናይ ኣይሁድ ጥራይ ኢዩ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ዝኸውን።

ኣሕዋት የሱስ ከኣ “ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በልዎ። የሩሳሌም ናይ ይሁዳ ዋና ኸተማን ናይ ብምልእታ እታ ሃገር ሃይማኖታዊት ማእከልን ኢያ። ኣሕዋቱ ኸኣ “ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን” ኢሎም ከረድእዎ ጀመሩ።

ያእቆብ: ስምኦን: ዮሴፍ: ከምኡውን ይሁዳ እቲ ዓቢ ሓዎም የሱስ ብሓቂ እቲ መሲሕ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይኣመኑ: ንዅሎም እቶም ኣብቲ በዓል ዝእከቡ ሰባት ግን እቲ ናይ ተኣምራት ሓይሉ ከርኢ ደለይዎ። ይኹን እምበር: የሱስ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ይርድኦ ኢዩ ነይሩ። “ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከአላን: ንኣይ ግና: ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ: ትጸልኣኒ እያ” በሎም። ስለዚ የሱስ ንኣሕዋቱ “ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ . . . ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ” በሎም።

በዓል ዳስ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኢዩ። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ብምግባር ይዛዘም ነበረ። እቲ በዓል: ምውዳእ ናይቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝግበር ሕርሻ ዘመልክትን ናይ ብዙሕ ሓጐስን ምምስጋንን እዋን ኢዩ። ኣሕዋት የሱስ ምስ ኵሎም እቶም ተጓዓዝቲ ኰይኖም ናብቲ በዓል ምስ ከዱ ድሕሪ ገለ መዓልትታት: የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብሕቡእ: ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ናብኡ ከዱ። ኣብ ክንዲ በታ ዅሉ ሰብ ዝኸዳ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ ዘላ መገዲ ዝሓልፉ ብሰማርያ ኣቢሎም ተጓዕዙ።

የሱስን እቶም ዘሰንይዎ ዝነበሩን ኣብ ሓንቲ ናይ ሰማርያ ዓዲ ከዕርፉ የድልዮም ነበረ: ስለዚ የሱስ እቲ ዘድሊ ኣዳልዮምሎም ዝጸንሑ ልኡኻት ኣቐዲሙ ሰደደ። እቶም ሰባት ግን የሱስ ናብ የሩሳሌም ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ፈለጡ ኣበይዎም። ያእቆብን ዮሃንስን ብሕርቃን “ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧” በልዎ። የሱስ ከምኡ ብምባሎም ገንሖም እሞ: ናብ ካልእ ዓዲ ከዱ።

ኣብቲ መገዲ እናኸዱ ኸለዉ ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ “ጐይታይ: ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ” በሎ።

የሱስ ከኣ “ንወኻሩ ጕድጓድ: ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን: ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ጸሓፊ ንየሱስ ክስዕቦ እንተድኣ ኰይኑ ሽግር ክመጾ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጸሉ ዘሎ። ካብቲ ኵነታት ክርአ ከም ዝከኣል ግን: እቲ ጸሓፊ ከምኡ ዓይነት ናብራ ንምሕላፍ ፍቓደኛ ኸይከውን ትዕቢት ዓገቶ።

ንሓደ ካልእ ሰብኣይ ከኣ የሱስ “ሰዐበኒ” በሎ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ።

የሱስ “ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር” በሎ። ኣቦ እቲ ሰብኣይ ከም ዘይሞተ ርዱእ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣቡኡ ሞይቱ ነይሩ እንተ ዝኸውን እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ክሰምዕ ኣብቲ ቦታ ኣምሃለወን ነይሩ። ኣቡኡ ክሳዕ ዝመውት ክጽበ ግዜ ክወሃቦ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ። ኣብ ህይወቱ መንግስቲ ኣምላኽ ከቐድም ድሉው ኣይነበረን።

ናብ የሩሳሌም ገጾም እናኸዱ ኸለዉ ኣብቲ መገዲ: ካልእ ሰብኣይ ንየሱስ “ጐይታይ: ክስዕበካ እየ: ግናኸ ቅድም ካብ ስድራቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ” በሎ።

የሱስ ክምልሰሉ ከሎ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ: ንመንግስቲ ኣምላኽ አይበቅዕን እዩ” በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይ የሱስ ዝዀኑ ኣዒንቶም ኣብ ኣገልግሎት ናይታ መንግስቲ ዘተኵሩ ክዀኑ ኢዩ ዘለዎም። ልክዕ ከምቲ ሓረስታይ ክሓርስ ከሎ ንቕድሚት ዘይርኢ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ትልሚ ጠዋይ ክኸውን ዝኽእል: እቲ ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ ንድሕሪት ዝጥምት ሰብ ከኣ ናብቲ ንጥፍኣት ዝወስድ መገዲ ገጹ ክጥወ ይኽእል ኢዩ። ዮሃንስ 7:⁠2-10፣ ሉቃስ 9:⁠51-62፣ ማቴዎስ 8:⁠19-22

▪ ኣሕዋት የሱስ መን ኢዮም: ብዛዕብኡኸ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧

▪ ሳምራውያን ንየሱስ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ ኢዮም: ያእቆብን ዮሃንስንከ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝደለዩ፧

▪ የሱስ ኣብቲ መገዲ ምስ ሰለስተ ሰባት እንታይ ኢሉ ኢዩ እተዘራረበ: ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎ ኣገልግሎት ከም ዘድሊ ዘጕልሐኸ ብኸመይ ኢዩ፧